ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዘትዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ከምዝዘተዩ ተገሊጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ይጋደድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ንምግታእ ክልቲአን ሃገራት ምስ ካልኦት ዓለም ለኸ መሻርኽተን ኮይነን ብሓበር ንክሰርሓ ከም ዝተስማምዓ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።
እቲ ዝርርብ ዞባዊ ሰላም ዘማእኸለ ከም ዝነበረ'ውን ይግለጽ።
እቲ መግለጺ ከም ዝበሎ፡ እቶም ሰብ መዚ ኣመሪካን ሱዳንን ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ብፍላይ እቲ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘሊቑ ዘሎ ኲናትን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ዝከኣለሉ መገድን ይርከቦም።
ከምኡ ድማ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ምእታዎም ብዝምልከት ሓደ ካብ ዛዕባ እቲ ዝርርብ ከም ዝነበረ እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እዚ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ኾነ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊድ ዝተባህለ ነገር የለን።
እቶም ሰበ ስልጣን ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ተኹሲ ጠጠው ኣቢሎም ናብ ዝርርብ ንክመጽኡ ከተባብዕዎምን፡ ሓድነት እታ ሃገር ምእታን ክሕሎ ሓቛፊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድን ሓቢሮም ክሰርሑን ከም ዝተስማምዑ ተሓቢሩ።
ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ረድኤት ዝረኽብሉ መንገዲ ንክኽፈት'ውን ተዘራሪቦም ተባሂሉ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ትካል ረድኤት ኣመሪካ ሳማንታ ፓወርን ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ምብጻሕ ከካይዱ ከም ዝቐነዩ ይፍለጥ።
ኣብ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ኩሎም ኣብቲ ንልዕሊ ትሸዓተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ውግእ ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉ ከም ዘለዎም ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት [ዩኤስኤይድ] ሳማንታ ፓወር ገሊጻ።
እቲ ግጭት ወተሃደራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ዝገለጸት ሳማንታ ኩሎም ሓይልታት ካብቲ ውግእ ዘካይዱሎም ዘለው ቦታታት ክወጽኡ ጸዊዓ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡ ኣለዎም ክትብል እንከላ፡ ሓይልታት ኣምሓራ'ውን ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም ኢላ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰራዊቱ ብህጹጽን ንመወዳእታ ግዜን ካብ ኢትዮጵያ ከውጽኦም ከም ዘለዎም ኣመሪካ ትጽውዕ ክትብል ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ገሊጻ።
ሳማንታ ፓወር፡ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተሰደዱ ኢትዮጵያውያን ረኺባ ከም ዘዘራረበት ብምሕባር፡ "እቲ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣዝዩ ዘሻቕል መጥቃዕቲ ብምውራድ ሚሊዮን ክጉድኡ ገይሩ'ዩ፤ ጠጠው ክብል ኣለዎ" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ስዒቡ፡ ልዕሊ 67 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም ይርከቡ።
ከምኡ ድማ፡ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉሉ እንከለዉ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ዓጸቦ ኣጋጢምዎም ምህላዉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ኣብቲ ዝቕፅል ዓመት፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ህፃናት ትግራይ ብሰንኪ ዋሕዲ ምግቢ ህይወቶም ክስእኑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







