ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ 'ማእለያ ዘይብሉ' ህዝቢ ረድኤት ይጽበ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዓለማዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ሓያሎ ህዝቢ ተጸባዪ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኾነ ገሊጹ።
ዳይሬክተር ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ዶሚኒክ ስቲልሆርት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ጻንሒት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ እንትዛረብ፡ "ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ምህርቲ ዝእክበሉ ወቕቲ ኣይረኸበን" ኢሉ።
ከምኡ'ውን ምስ ቀረብ ሕክምና ዝምልከት 'ከቢድ ጸገም' ተፈጢሩ ኣሎ ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ቅድም ኢሉ እቲ ህዝቢ ሓገዝ ይበጽሖ ከምዝነበረን፡ ዳርጋ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ርድኤት ከምዝረኸበን ገሊጹ ነይሩ።
ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣስታት 2 ሚልዮን ህዝቢ ኣብቲ ውሽጢ እቲ ክልል ከምዝተፈናቐለን ይፍለጥ።
ኣስታት 100 ሽሕ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መዓስከራት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ በቲ ኲናት ተሃስዮም እዮም።
እቲ ጎንጺ፡ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዝነበረ ህወሓት ወተሃደራዊ መዓስከራት ሰሜን እዚ ምሰተቖጻጸረ እዩ ናብ ኲናት ኣምሪሑ።
ንመቐለ ምስ ተቖጻጸረ እቲ ውግእ ከምዘብቀዐ ዝገልጽ ማእኸላይ መንግስቲ፡ ዓለማዊ ሚድያታትን ኤጀንሲታት ረድኤትን፡ ኣብቲ ክልል ከምልቦም ከይንቀሳቐሱ ኣዐንቂፉ ይርከብ።
ሰብኣዊ ቅልውላው
ኣብቲ ክልል 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
ሕቡራት ሃገራት ኮነ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ነቲ ህዝቢ ክበጽሑ ከም ዘይከኣሉን መንግስቲ ምቹእ ኩነታት ክፈጥርን ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለው።
ትካላት ረድኤትን ውደብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ሕማቕ ምዃኑን "ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥምየት ክሃልቁ ከም ዝኽእሉን" ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ቅድሚ 2 ሰሙን፡ ሓለፊ ትካል መግቢ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንከብጽሑ ከምዝተስማምዑ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝበጽሐ ሓላፊ እቲ ትካል፡ ን1.3 ሚልዮን ህዝቢ ንምርዳእ 20 ሽሕ ቶን ምግቢ ኣብ መላእ ትግራይ እናብጸሐ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።
ነቲ ኲናት ስዒቡ፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ዝተመዛበሉ ኾይኖም፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።
ዓመዓባብላ ናይቲ ጎንጺ
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገ መንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ፌዴራል መንግስቲ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2020፡ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ነጺጉ፡ 'ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ' ብምባል ኣብቲ ንሱ ዘማሕድሮ ክልል መረጻ ክካየድ ገይሩ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።
ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተኸላሊኦም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።
'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን፡ ፌዴራል መንግስቲ "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።
ህወሓት፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







