ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ሰራዊት ኤርትራ ዳግማይ ናብ ትግራይ ይዋፈር ኣሎ ኢለን

ዝተሃረመት ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ደጊሙ ናብ ትግራይ ክአቱ ምጅማሩ ብምግላጽ እቲ ተግባር ከም ዘተሓሳሰበን ገሊጸን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንክን ብቅድሚ ትማሊ "ስራዊት ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ትግራይ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሕጂ ብኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ደጊሙ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ" ክበል ሮይቶርስ ኣቃሊሑ።

ኣውሮጳ ሕብረት ብወገኑ 21 ነሓሰ 2021 ኣብ ዝጸሓፎ ውሽጣዊ ሰነድ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ተወሰኽቲ ሓይልታት ኣዋፊራ ምህላው ገሊጹ።

እዚ ናይ ኣመሪካን ናይ ኣውሮጳዊ ሕብረትን መተሓሳሳቢ፡ ኣመሪካ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሓለቃ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ እገዳ ድሕሪ ምግባራ'ዩ ዝስማዕ ዘሎ።

ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ፡ መራሒ ናይቲ ኣብ ትግራይ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ እዩ ዝብሃል ሰራዊት ኤርትራ ስለዝኾነ እግዳ ከምዝተነበረሉ'ያ ኣመሪካ ትግለጽ።

ኤርትራ ግን፤ በዚ ብተደጋጋሚ ዝቐርበላ ዘሎ ሓቅነት ዘይብሉ ክስታት፡ ስቕ ከምዘይትብል ብምግላጽ "ምምሕዳር ኣመሪካ ነቲ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ሓሶት ክሲ፡ መረጋገጺ ጭብጥታት እንተልዩዎ ናብ ናጻን ዘይሻራውን ኣካል ከቕርቦ" ጸዊዐ።

ሮይተርስ በጺሕኒ'ዩ ዝበሎ ውሽጣዊ ሰነድ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኤርትራ ኣብቶም ምስ ክልል ኣምሓራ ናይ ይግብኣኒ ሕቶታት ዝላዓለሎም ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ ሰራዊታ ኣዋፊራ ምህላዋ እዩ ዝገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከባቢታት ዓዲ ገሹን ሑመራን 'ታንክን ከቢድ ኣጽዋርን ዓጢቑ ድፋዕ ሒዙ'ሎ" ይብል።

እቲ ጽብጻብ ብምስዓብ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ናብ ቱርኪ ምጋሹ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ናብ ኤርትራ ገይሹ ምንባሩ ብምግላጽ፡ እንተኾነ፡ እቲ መገሻ ብክልቲኦም መንግስታት [ኤርትራን ኢትዮጵያን] ብወግዒ ከምዘይትሓበረ ሮይተርስ ይሕብር።

ኣብቲ ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞትሉ ዝንገር ኣብ ትግራት ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ፌድራል ኢትዮጵያ ብምዃን ምስ ሓይልታት ትግራይ ኵናት ከምዝገጠመ ይጥቀስ።

ሰራዊት ትግራይ ድሕሪ ከቢድ ውግእ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ዳግማይ ክቆጻጸርዋ እንከለው፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ብምእዋጅ ካብ ዝተፈላለየ ክፋል ትግራይ ወጺኡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ኩለንተናዊ ዕጽዋ ክሳዕ ዝኽፈት፡ ኵናት ከምዘየቋርጹ ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራን ክልል ዓፋርን ኵናት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።