ኤርትራ፡ በረድ ዝተሓወሶ ዝናብ ኣብ ልዕሊ 600 ሄክታር ዘራእቲ ጉድኣት ኣውሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Geberemeskel
ኣብ ኤርትራ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ሰረጀቃ 21 ነሓሰ ብዝወቐዐ በረድ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ በለዛን እምባደርሆን ኣብ 620 ሄክታር ዘራእቲ ጉድኣት ከምዝወረደ መንግስታዊት ተለቪዥን ኤርትራ ኣቃሊሓ።
ብመሰረት ካብታ መደበር ዜና ተለቪዥን ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ በለዛ 550 ሄክታር ዘራእቲ ምሉእ ንምሉእ ክድምሰስ እንከሎ፡ ኣብ ከባቢ ምምሕዳር እምባደርሆ'ውን ኣብ 70 ሄክታር ተመሳሳሊ ጉድኣት ከምዝወረዶ ተገሊጹ።
እቲ ዝዓነወ ዘራእቲ ዑፉን፣ ድንሽ፣ ስኳስ ባልደንጓ፣ ስገም፣ ስርናይን ኮሚደረን ይርከቦ።
ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዝወቐዐ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ መደበር ፈልሲ ሽማንጉስ ላዕላይ ዓቢ ጉድኣት ኣውሪዱ ምንባሩ እታ መንግስታዎት መደበር ተለቪዥን ጠቒሳ።
ዞባ ማእከል ሓንቲ ካብተን ሽዱሽተ ዞባታት ናይ ኤርትራ ኮይና ብሽዱሽተ ንኡሳን ዞባታት ዝቖመት እያ።

ምንጪ ስእሊ, IGAD
ኢጋድ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ካብ 11 ክሳብ 18 ነሓሰ ኣብ ደቡባውን ማእከልን ሱዳን፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብርቱዕ ማይ ክሃርም ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ እዩ።
እቲ ትምበያ ኩነታት ኣየር ኢጋድ ኣብ ሱዳን ዞባታት ዳርፉርን ኮርዳን፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባታት ጋሽ ባርካን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ልዕሊ 100 ሚሊ ሜተር ዝዓቐኑ ማይ ክሃርም ተኽእሎ ከምዘሎ ጠቒሱ ነይሩ።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







