ኢትዮጵያ ኣብ ቀራና መገዲ’ዶ ትህሉ . . . ናበይከ ከተብል ትኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Grant Faint
ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ኣብዚ እዋን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዝለሓመ ኲናት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ ቅልውላው ክስዕብ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ እቲ ኩነታት ንህልውና እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከውድቓ ከምዝኽእል ስግኣቶም ዝገልጹ ኣካላት ኣለዉ።
ካልኦት ድማ ኢትዮጵያ ነዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ቅልውላው ብዝግባእ ክትቆጻጸሮን ፍታሕ ክትረኽበሉን እንተኺኢላን፤ ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከጓንፍዋ ዝጸንሑ ብድሆታት መሊኣ እትናገፈሉ ዕድል ከምዝፈጥረላ ይገልጹ።
እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ክጓሃሃር ዝጸንሐ ዘይምስናይ ብፍላይ ንዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስዒቡ ሃገራዊ መረጻ ምስተናውሐ ክምለስ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ።
እዋን መረጻ ክናዋሕ ከምዘይብሉ መርገጺኡ ክገልጽ ዝጸንሐ ህወሓት፡ ኣብ ዝመርሖ ክልል መረጻ ዘፈጽም ኣካል ብምቋም ክልላዊ መረጻ ስለዘካየደ ድማ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝነበረ ርክብ ተቛሪጹ እቲ ወጥሪ እናሸለሐ ከይዱ።
ኣብ ጥምረት ውድባት ዝነበረ ኢህወዴግን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓብላሊ እጃም ከምዝነሮ ዝዝረበሉ ህወሓት፤ ኣብታ ሃገር ለውጢ ንምምጻእ ብዝብል ምንቅስቓስ ክግበር ምስተጀመረ ካብ ማእኸል ካብ ምንስሓቡ ብተወሳኺ ዝወስዶም ስጉምትታት በይነኣዊ ከምዝነበሩ ኣብ ለንደን ዝነብር ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ ይዛረብ።
"ህወሓት ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝወስዶም ዝነበረ ስጉምትታትን ዘርእዮም ባህርያትን ልክዕ ከም ኣብ ውሽጢ ፌደራላዊ ምምሕዳር ዘሎ ክልል ዘይኮነስ ተግባራቱ ክም ሓንቲ ነጻ ሃገር ነይሮም" ይብል።
ንሱ፡ ብሕጊ ተደለይቲ ዝባሃሉ ኣሕሊፍካ ዘይምሃብ፣ ምንቅስቓሳት ሰራዊት ምክልኻል ምግዳብን በይነኣዊ መረጻ ምክያድን ከም ኣብነት ጠቒሱ'ሎ።
"እዚኦምን ካልኦት ዝካየዱ ዝነበሩ ምድላዋትን ጉዳይ ጊዜ እምበር ናብ ኲናት ምእታው ዘይተርፍ ምዃኑ ዝሕብሩ ምልክታት ነይሮም" ይብል ዓብዱራሕማን።
እቶም ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝነበሩ ኣፈላላያት እናጎልሑ ዝመጽኡሉ ኣጋጣሚ፤ እቲ ብዕብለላ ህወሓት ዝምራሕ ምንባሩ ዝዝረበሉ ኢህወዴግ ፈሪሱ ውድብ/ሰልፊ ብልጽግና ብድሕሪ ምምስራቱ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA
መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ሽዑ እዋናት ህወሓት ንኸይንጸል ዝገብረሉ ዕድል ከምዘይተጠቐመሉ ዝዛረብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህረዳር ሙሁር ሳይንስ ፖለቲካ ዶክተር ውሂበእግዜር ፈረደ "መንግስቲ ኣብ ምጅማር እቲ ለውጢ ንዝነበሮ ህዝባዊ ተቐባልነት ተጠቒሙ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ብምውሳድ እቲ ጸገም ኣብቲ ሎሚ ዝርከበሉ ደረጃ ከይበጽሕ ናይ ምግባር ዕድል ነይርዎ" ክብል የረድእ።
ምልባዕ እቲ ኲናት
24 ጥቅምቲ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ [3 ሕዳር 2020]፤ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ድሕሪ ምባሉ፤ ዋና ከተማ እቲ ክልል ዝኾነት መቐለ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ፌደራል ከምዝኣተወት ይግለጽ።
እንተኾነ ብድብያ ዝፍጸሙ መጥቃዕትታትን ውግእን ንኣዋርሕ ብምክያዶም ከቢድ ሰብኣውን ቁሳውን ጉድኣት ከምዘጋጠመ ይፍለጥ።
እቲ ኲናት እናተናውሐን መልክዑ እናቐየረን ኣብ ዝመጽአሉ እዋን ድማ ዓለምለኻዊ ትካላትን ሃገራትን ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ፈቲኖም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ሰነ 'ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓረስቶት ሰላም ረኺቦም ኣብ እዋን ክረምቲ ስራሕቲ ሕርሻ ክዓሙ' ብዝብል በይነኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ብምእዋጅ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከምዘውጽአ'ኳ እንተሓበረ ኲናት ግን ደው ኣይበለን።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሓረስቶት ትግራይ ካብ ምሕላይ ዘይኮነስ ከቢድ ስዕረትን ክሳራን ከምዘጋጠሞ ይገልጹ። ኣብዚ እዋን ከኣ ሓይልታት ትግራይ ብዝፍጽምዎም መጥቃዕቲታት እቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ቀጺሉ'ሎ።
እቶም ሓይልታት ናብተን ክልላት ብምእታው ንዝተፈላለየ ቦታታት እናተቖጻጸሩ ኣብ ዘለዉሉ ኩነታት መንግስታት እተን ክልላትን ፌደራልን ህዝቢ ኣንጻሮም ክኸትት ኣዊጆም ኣለዉ። ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ካልኦት ክልላት እውን ንሓገዝ ክሳብ ምልኣኽ ተበጺሑ።
ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቢቢሲ ቃለመሕትት ዘካየዱ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ወሃቢ ቓል ህወሓትን እቲ ኲናት ከምዝቕጽል ምዝራቦም ይዝከር።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ "ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ከበባን ዕጽዋን ክሳብ ዘይተለዓለ ቃልስና ቀጻሊ'ዩ" ክብል ከሎ፤ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ፈንታ ማንደፍሮ ብወገኑ "ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተኣወጀ ኲናት ምክልኻል ክንቅጽለሉ ኢና" ኢሉ።
እዚ ከኣ እቲ ኣብዚ እዋን ካብ ትግራይ ሰጊሩ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዝተላብዐ ኲናት ኣብ ሓጺር እዋን ደው ከምዘይብል የመልክት።
ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ ብሰንኪ ኲናት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላው መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ጸቕጢ ከምኡ'ውን ንዂናት ትግራይ ስዒቡ ሰራዊት ሱዳን ንኣካታዕቲ ቦታታት ምቁጽጻሮም ተደረብቲ ፈተናታት እታ ሃገር ኮይኖም ኣለዉ።
ጉዳይ እቲ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ህንጸት ዘሎን ምስ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ምርድዳእ ዘይተበጽሓሉን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ'ውን ተወሳኺ ብድሆ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ዩ።
ኲናት ትግራይ ምውልዑ ስዒቡ ካብ ደገን ውሽጢን ዝመጽእ ጸቕጢ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉዳይ ከምዝኾነ ተንተንቲ ፖለቲካ ውሂበእግዚሄርን ዓብዱራሕማንን ይዛረቡ። ብዙሓት ኣካላት ነቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ጸገም ንረብሕኦ ከውዕሉ ዝደልዩሉ ኩነታት ስለዝውስኽ።
ቀራና መገዲ?
እቲ ኲናት እናሰፍሐ ምምጽኡ፣ ንነዊሕ ዓመታት ክይድ ምልስ ክብል ዝጸንሐ ጎንጺ ብሄርን ኣብ ገለ ከባብታ ዘሎ ምንቅስቓስ ደባይ ተቓለስትን ንህልውና እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዘውድቖ ዝዛረቡ ብዙሓት'ዮም።
ገሊኦም እውን ንዩጎዝላቪያ [ብሰንኪ ውሽጣዊ ዘይምርድዳእ ናብ ብዙሓት ሃገራት ዝተገማምዐት ሃገር] ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኢትዮጵያ ናብ ምርግጋእ ክትምለስ እንተዘይኪኢላ፤ ምብትታን ከጋጥማ ከምዝኽእልን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅልውላው ዝኽሰተሉ ኩነታት ከምዝህልውን ስግኣቶም ይገልጹ።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ በዓልመዚ ኮይኑ ዘገልገለን ቲቦር ናዥ ግን ኢትዮጵያን ዩጎዝላቪያን ዝተፈላለየ ታሪክ ዘለወን ሃገራት ብምዃነን እቲ ዝለዓል ስግኣት ከጋጥም ከምዘይክእል ይዛረብ።
"ዩጎዝላቪያ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብዝተዓወታ ዝተፈጠረት ሃገር እያ፤ ኢትዮጵያ ግን ልዕሊ ክልተ ሽዕ ዓመት ዘቑጸረ ታሪኽ ዘለዋን ብዙሓት ጸገማት ዝሰገረትን እያ" ኢሉ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ።
ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዱራሕማን ብወገኑ ኢትዮጵያ እቲ ሕዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ቀራና መገዲ ደው ክትብል ከምዝገበራ ይገልጽ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ሕዚ ክግበር ዘለዎ ነገር እታ ሃገር ናብ ምፍርራስ ከይትኸይድ ዝገብሩ ስጉምትታት ክውሰዱ ከምዘለዎም ይምዕድ።
"እዚ ንምግባር ከኣ ንሓድነት እታ ሃገር ዝዕቅቡን ዝበዝሕ ህዝቢ ክሰማምዐሎም ዝኽእልን ስጉምትታት ክውሰዱ ኣለዎም" ብምባል ኣገዳሲ እንተኾይኑ'ውን ንፌደራላዊ ምሕደራ ብምጥንኻር ምምሕያሽ ሕገመንግስቲ ምግባር ከምዝከኣል ርእይትኡ ይህብ።
ኢትዮጵያ ንህልውንኣ ኣብ ሓደጋ ዘውደቑን ናብ ቀራና መገዲ ዘእትዉን ጸገማት ከምዘጓነፍዋ ዝዛረብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር መምህር ፖሎቲካዊ ስነፍልጠት ዝኾነ ዶክተር ውሂበእግዚሄር እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ግን ካብ ቀራና መገዲ'ውን ዝሓለፈ ምዃኑ ይገልጽ።
"እታ ሃገር ኣብ ቀራና መገዲ ኣትያ እናተባሃለ ነዊሕ እዋን ተቖጺሩ'ሎ፤ ኣብዚ እዋን ግን ኢትዮጵያ ካብቲ ቀራና መገዲ ሓሊፋ ናብ ሓደገኛ ናይ ጥፍኣት መገዲ ቀጺላ'ላ" ክብል ዘለዎ ገምጋም የቐምጥ። ነዚ ደው ምባል እንተዘይተኻኢሉ ድማ ውድቀት ከጋጥም ከምዝኽእል ስግኣቱ ሓቢሩ።
ነዚሕ ዕድመ ዘቑጸሩ ሕቶታት'ኳ እንተሃለዉ ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ኮነ ክልላት፡ ኢትዮጵያ ከይትፈርስን ከም ሃገር ክትቕጽልን ከምዝደልዩ ዝኣምን ዓብዱራሕማን "ነቶም ጸገማት ፍታሕ ብምድላይ እታ ሃገር ተጠናኺራ ክትቕጽል ምግባር ዝከኣለሉ ዕድል ኣሎ" ይብል።
"ሃገር ንምድሓን ብሓባር ደው ናይ ምባል ህዝባዊ ምልዕዓል ከምዝተፈጠረ ይረኣይ ኣሎ። ነዚ ብግቡእ ምሓዝን ምምራሕን እንተተኻኢሉ እታ ሃገር ዘጋጠማ ጸገም ምግታእ ይከኣል'ዩ" ይብል ውሂበእግዚሄር።
ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ሓድሽ መንግስቲ ክቐውም ከሎ ንኹሉ ዘሳትፍ ክኸውንን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ንዝለዓሉ ሕቶታት መልሲ ብምሃብ፣ ነቲ ሕዚ ዝተፈጠረ ሃገራዊ ስምዒት ብምጥንኻር ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ደው ምባል ከምዝከኣል ድማ ይሕብር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







