ኣብ ሞንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ናይ ወሰን ሕቶ እንታይ ፍታሕ ይህልዎ?

ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ሑመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ክልል ትግረይ ዝጀመረ ኵናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ልሒሙ ይርከብ።

እቲ ኵናት፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብታ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ እዚ ሰሜን ናይ ፌዴራል መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ 'ሕጊ ናይ ምስኽባር ስርሒት' ምስ ኣወጀ እዩ ተጀሚሩ።

እቲ ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት ምስ ተጀመረ ንነዊሕ ዓመታት ናይ መሬት ይግብኣኒ እዩ ሕቶ ዘልዕል ዝነበረ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ጎኒ ፌዴራል ብምዃን ነቲ ኵናት ተጸንቢርዎ።

እቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኵናት፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሰነ ነታ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ዝገደፍዋ ክልል ትግራይ ዳግማይ ምስ ተቆጻጸርዋ፡ መንግስቲ ፌዴራል በይንኣዊ ቶኵሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ብምውሳድ ካብ መላእ እታ ክልል ከምዝወጽአ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፡ ሓይልታት ትግራይ "ነቲ ዝተተሓዘና መሬት ንኸነምልስን 'ጸላኢ' ዳግማይ ከጥቅዓሉ ናብ ዘይክእል ደረጃ ንምውራድን" ብምባል ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምእታዎም እቲ ኵናት ይቅጽል ኣሎ።

ከም ተወሳኺ'ውን ሓይልታት ትግራይ ኵናት ደው ንኸብሉ ከም ቅድመ ኵነት ካብ ዘቐመጥዎ ሓደ፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ መሬትና ወሪሮም ሒዞሞ ስለዘለዉ ናብቲ ቅድሚ እቲ ኵናት ምጅማሩ ዝነበርዎ ቦታ ይመለሱ ዝብል ነጥቢ ይርከቦ'ዩ።

ሕጊ እታ ሃገርከ እንታይ'ዩ ዝብል?

ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ክልላት ናይ ይግብኣኒ እዩ ሕቶ ምስ ዝልዓል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ጣልቃ ብምእታው እዩ ፍታሕ ከናዲ ስልጣን ዘለዎ።

ናይ ኢትዮኢጵያ ሕጊ ዓንቀጽ 48/1 ሰፊሩ ከምዘሎ፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ክልላት ናይ ይግብኣኒ እዩ ሕቶ ምስ ዝልዓል፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣነባብራን ድሌትን ናይቲ ህዝቢ ብምርኣይ ነቲ ጉዳይ ከርግኦ ከምዘለዎ ደንጊጉ ይርከብ።

ኣማኻሪ ሰላም፡ ዲሞክራስን ሕገመንግስትን ዝኾነ ኣብ ሆላንድ ዝነብር ዶክተር ኣደም ካሴ'ውን ንኸምዚ ዓይነት ጸገማት ክፈትሕ ስልጣን ዝተውሃቦ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

"እንተኾነ ብመሰረት እቲ ሕጊ ንኽፍታሕ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እምነት ስለዘይብሎም፡ ሕጂ ፍታሕ ክውሃብ ይከኣል'ዩ ኢለ ኣይሓስብን'የ"።

ብምስዓብ እቲ ሕቶ ናይ ይግብኣኒ'ዩ ብመንግዲ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይፈታሕ እንድሕር ኢልና፡ ንህሉው ወቅታዊ ኩነታት ፖሎቲካ ኢትዮጵያ ካብ ዘይምግንዛብ'ዩ ክኸውን ዝኽእል ይብል።

ፍሉያት ሓይልታት ክልል ትግራይ

ንምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምቅዋም ዝፍለጥ ዶክተር ሄኖክ ገቢሳ ብወገኑ፡ ምስ ሓሳብ ዶክተር ኣደም ብምስምማዕ እቲ ጉዳይ ናይ ኵናት ቅድሚ ምምምርሑ'ዩ ብሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍታሕ ዝኽእል ነይሩ ይብል።

ዶክተር ሄኖክ ገቢሳ "እቲ ቅድሚ ኵናት ህይወት ሰብ ከይሓለፈ ክፍታሕ ነይርዎ ንብሎ ቅድሚ 9 ኣዋርሕ እዩ ክኸውን ነይርዎ" ይብል።

ብምስዓብ ኵናት ንኹሎም ወገናት ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይክእል ግን ኣስሚሩሉ።

ዶክተር ሄኖክ "ኵናት ናይ ፖሎቲካ ፍልልይ ወይ ንናይ ዶብ ጸገማት ፍታሕ ኣየምጽእን እዩ፡ ብኵናት እቲ ዝሰዓረ መሬቱ ኣምሊሱ፡ ስርዓቱ ሃኒጹ ስልጣን ክሕዝ ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ እቲ ዝተሰዓረ ወገን'ውን ነቲ ዝበጽሖ በደላት ኣብ ኩሩምቱ ቀርቂሩ፡ ንገዛእ ርእሱ ንኻልእ ኵናት እዩ ከዳልዋ ስለዚ ኵናት ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን'ዩ" ይብል።

ኮምሽን ምምሕዳር ወሰንን መንነትንከ ኣበይ ኣሎ?

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኮምሽን ምምሕዳር ወሰንን መንነትን ኢሉ ዝሰመዩ ኮምሽን ከምዝመስረተ ዝዝከር እዩ።

እዚ ኮምሽን እዚ ካብ ክልላት ንዝልዓሉ ናይ ዶብን መንነትን ሕቶታት ፍታሕ ነኸምጽእ ዝቆመ እዩ።

ኣብቲ እዋን ቤት ምኽቲ ክልል ትግራይ ነቲ ዝቆመ ኮምሽን ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ዝግልጽ ውሳነ ምሕላፉ'ውን ይዝከር፡ እቲ ቤት ምኽሪ ምቋም እቲ ኮምሽን ዘይሕገመንግስታዊ እዩ ብምባል እዩ ተቓዊምዎ።

መንግስቲ ፌዴራል ብወገኑ እቲ ኮምሽን ካብ ክልላት ንዝልዓል ናይ ይግብኣኒ እዩ ከምኡ'ውን ናይ መንነት ሕቶታት ብኣግኡ ንምፍታሕ ዝቖመ ከምዝኾነ ብምግላጽ ዝቀለለ መንግዲ ምዃኑ እዩ ኣብሪሁ።

እንተኾነ፡ እቲ ኮምሽን ነቲ ዝቖመሉ ዕላማ ኢሉ ምንቅስቓስ ክገብር ክንድቲ ኣይተረኣየን።

ዶክተር ኣደም ካሴ "እዚ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝቆመ ኮምሽን ይኹን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ነቲ ዘሎ ጸገማት ፍታሕ ንኸምጽኣሉ እዚ ዘሎ ህሉው ፖሎቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘፍቅድ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ክልቲኦም ወገናት ምርድዳእ ክገብሩ ኣለዎም እየ ዝብል"ይብል።

ክልቲኤን ክልላት ዘለዎን ናይ ወሰን [ዶብ] ሕቶታት ብሓይሊ ክፈትሐኦ እየን ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ዝገልጽ ዶክተር ኣደም "ናይ ዶብ ጸገማት ብሓይሊ ኣይፍታሕን'ዩ፡ ሕጂ ሓዲኦም ዋላ ይስዓር እቲ ዝተሰዓረ'ውን መዓልቲ ወሲዱ ተዳልዩ ናብ ካልኣይ ኵናት ከምርሕ ይኽእል እዩ"ይብል።

ዶክተር ኣደም ብምስዓብ ክልቲኦም ወገናት ብሰለማዊ መንግዲ ተዛትዮም፡ ተሰማሚዖምን ተፈራሪሞምን ነቲ ስምምዖም ናብ ሕጊ ብምቅያር ናብ ቤት ምኽሪ ብምኻድ ከምዝጸደቀሎም ብምግባር ፍታሕ ከምጽኡ ከምዘለዎም እዩ ዝመክር።

ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ሑመራ

ምንጪ ስእሊ, AFP

"ኣብዚ ሰዓት በቲ ሕጋዊ መስመር ምኻድ ምትእምማን ሰለዘየለ ፍታሕ ከምጽእ ይክእል እዩ ዝብል እምነት የብለይን" ድማ ይብል።

ዶክተር ሄኖክ ብወገኑ፡ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ብኣብይ ኣሕመድ ዝቐመ ኮምሽን ንዝቖመሉ ዕላማ ከይሰርሕ ዕንቅፋታ ዝኾንዎ ክልተ ነጥብታት ከምዘለዉ እዩ ዝገልጽ።

"መጀመርታ ኣባላት እቲ ኮምሽን ዘለዎም ፖሎቲካዊ ኣረኣእያ፡ ምስቲ ናይታ ሃገር ሕገ መንግስቲ ዝሳነ ኣይኮነን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፍልልይ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ኣለዉ፡ እቶም ኣባለት ኮምሽን ኸኣ እቲ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምስ ዘቐመጦ ነጥብታት ብምዝማድ ነቲ ዝተባሃለ ዘየማልኡ እዮም" ይብል ዶክተር ሄኖክ።

እቲ ካልኣይ ነጥቢ ኸኣ "እቲ ኮምሽን ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ብውልቃዊ ስልጣን ኣብይ ኣሕመድ እዩ ተመስሪቱ፡ ስለዚ ኣባላት ኮምሽን በቲ ሕገ መንግስቲ ዝብሎ ነጥብታት ክሰርሑ ዘፍቅደሎም ነጥቢ የለን" ብምባል ሓሳቡ የቐምጥ።

ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ኣብ ወልቃይትን ከባቢኡን መጽናዕቲ ዘካየደ ኣቶ ኣቻምየለህ ታምሩ ኸኣ ነቲ ዶክተር ኣደም ክልቲኦም ወገናት ብምፍርራም ክዛዝምዎ ኣለዎም ዝብል ነጥቢ ይቓወሞ።

"እዚ ሕጂ ክልል ኣምሓራ ይግብኣኒ እዩ ኢሉ ዝሓተሉ ዘሎ መሬት ቀደም'ውን እንተኾነ ብሓይሊ ዝተወሰዶ መሬት እዩ፡ ስለዚ ብሓይሊ ነቲ ቦታ ምሓዙ ቅኑዕ እዩ" ብምባል ኸኣ የረድእ።

ህወሓት፡ ንትግራይ ልክዕ ከም ሃገር ክኽልላ እንከሎ ምስ ሱዳን ዘዳውቦ መስምር ንምፍጣር ቅድሚ 30 ዓመታት ነቲ መሬት ብሓይሊ'ዩ ወሲድዎ ዝብል ኣቶ ኣቻምየለህ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘተ ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይክል እዩ ዝማጎት።

ዶክተር ኣደም ብወገኑ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝርከቡ ኣባላት ተመሳሳሊ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያያ ዘለዎም ብምዃኑን ከም ኣብያተ ፍረዲ ዝኣመሰላ ኸኣ ሻራውያን ብምዃነን ንኸምዚ ዓይነት ጸገማት ፍታሕ ንምንዳይ ኣቐዲምካ'ውን ድልውነት ከምዘይነበረ እዩ ዝሕብር።

"ነዞም ዘለዉ ጸገማት ሓዲሽ ኣገባብ ከድሊ እዩ፡ እንተኾነ ኣብ ሞንጎ ክልላት ዘሎ ዶብ ኣብ ቋንቋን ዓሌትን ዝምርኮስዶ ይኹን ወይ ካልእ ኣገባብ ይሃሉ ኣብ ዝብል ኣብ ሓደ ስምምዕ ምብጻሕ የድሊ" ይብል ዶክተር ኣደም።

ዶክተረ ኣደም ብፍላይ ሕጂ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፡ ንትግራይ ዝውክል ኣባል ስለዘየለ ኸኣ ሓደ ጸገም ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

መሬት ምሓዝዶ ርስቲ ምምላስ?

ኣቶ ኣቻምየለህ "ታሪክ ኢትዮጵያ ክጻሓፍ ካብ ዝጅመር፡ ወሰን ትግራይ ንተከዘ ሓሊፉ ከምዘይፈልጥ ኢና ንርኢ፡ ብደቡብ ኸኣ ወሰን ትግራይ ቀላይ ኣሸንጌ እዩ" ይብል።

ክልል ኣምሓራ፡ ድሕሪ ኣዋጅ 'ወፍሪ ሕጊ ምኽባር' ተወሪርዎ ዝነበረ መሬቱ ከምዘምለሰ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ናይ ሕጊ ምሁር ዶክተር ኣደም ካሴ ብወገኑ፡ ክልል ኣምሓራ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ናይ ተወሪርኒ ዝብል ሕቶኳ ከልዕል እንተጸነሐ፡ ብሓይሊ ከምልሶ ውጥን ከምዘይነበሮ'ዩ ዝሕብር።

እንተኾነ፡ እቲ ክልቲኤን ክልላት ዝሰሓሓባሉ ዘለዋ መሬት፡ ንክልል ኣምሓራ ንነዊሕ ዓመታት ሕማም ርእሲ ኮይንዎ ዝጸንሐ ምዃኑ'ዩ ዘብርህ።

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሰነ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ወልቃይት ጸገዴን ራያን መሊስካ ንምሓዝ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ብህዝቢ ኣምሓራ ተቐባልነት የብሉን፡ ሕቶ ወልቃይት ናይ ህዝቢ ኣምሓራ ናይ 30 ዓመታት ናይ መንነት ሕቶ እዩ ነይሩ" ምባሉ ይዝከር።

ብኻልእ ወገን፡ መራሒ ህወሓት ዶክተር ደብረጽን ገብረሚካኤል "ክልል ኣምሓራ ካብቲ ብሓይሊ ዝወሰደልና መሬት ዘይወጽእ እንተኾይኑ፡ ብውግእ ብሓይሊ ከነውጽኦ ኢና" ከምዝበለ ይዝከር።

ኣብዚ ሕጂ ሰዓት'ውን እቲ ኵናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ምህላዉ ይፍለጥ።

ምስቲ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ዝተብሃለ ናብ ዘተ ምቅራብ . . .

እቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ትግራይን ሰራዊት ፌዴራን ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ኣብ ዝነበረሉ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኢሉ ክስመ ከምዝኣወጀ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ትግራይ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኵናት ምስ ተኻየደ፡ መንግስቲ ፌዴራል በይንኣዊ ናይ ቶኵሲ ደው ምባል ውሳነ ምውሳዱን ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ከምዝተቆጻጸርዋን'ውን ይዝከር።

እንተኾነ፡ ንዝበዝሐ ክፋል ትግራይ ዝተቆጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ፡ ተኵሲ ከቋርጹ እንተኾይኖም ክትግበር ኣለዎ ዝበልዎ ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጦም።

ንምዃኑ ብመንግስቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ምስ ዝተብሃለ ኣካል መንግስቲ ዘተ ካካይድ ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ኣደም "ብሕጋዊ ኣገባብ ግብረሽበራዊ ምስ ዝተብሃለ ጉጅል ንዘተ ኮፍ ምባል ዝክኣል ኣይመስለንን፡ እንተኾነ ዘተ ምግባር እንተተደልዩ፡ እቲ ንህወሓት ግብረሽበራዊ ኢሉ ዝሰመዩ ባይቶ ነቲ ውሳኔኡ ከልዕሎ ይኽእል እዩ" ይብል።

ብምስዓብ "እዚ ዘይከውን እንተኾይኑ መንግስቲ ምስ ህወሓት ዘይኮነስ ምስ ናይ ትግራይ ሓይልታት ዘተ ክጅምር ይኽእል እዩ" ድሕሪ ምባል እቲ መስርሕ ግን ኣጸጋሚ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ሓሳቡ ዘቐምጥ።

ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብገበን ዝተኸሰሱ ሰባት ምህላዎም'ውን ካልእ መሰናኽል ከምዝኾነ ዝገልጽ ዶክተር ኣደም "ድሌት እንተሃልዩ ግን ነዚ ንምስጋር'ውን መንግዲ ከምዘሎ እዩ" ዝሕብር።

መጀመርታ ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ ቅድመ ኩነታት ምስምማዕ ከምዘድልን፡ ንዘተ ንምቅላል ነቶም ገበነኛታት ዝተብሃሉ ሰባት ክሶም ብባይቶ ከምዝልዓል ምግባር ከምዝክኣል ይሕብር።

"ኣብዚ እዋን ብጀካ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ካልኦት ክልላት'ውን ፍሉያት ሓይልታትን ብምልኣኽ ዝተሳተፋሉ ብምዃኑ፡ ቶኵሱ ደው ንኽብል ኮነ ሰብኣዊ ረዲኤት ንኽበጽሕ ኩሎም ኣካለት ክሰማምዑ ኣለዎም" ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዓሰርታተት ኣሽሓት ተሰዲዶም ሚልዮናት ኸኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ።