ኣብ ከተማ ደብረታቦር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ሓሙሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ተቐቲሎም

በቲ ከቢድ ብረት ካብ ዝተሃረሙ ኣባይቲ

ምንጪ ስእሊ, AMC

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ደቡብ ጎንደር ዞን ኣብ እትርከብ ከተማ ደብረታቦር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ዝኾኑ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ደቡብ ጎንደር ኣቶ ቀለመወርቅ ምህረቴ "ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ብዕጡቓት ህወሓት" ከም ዝተፈጸመ ዝገለጾ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝኾኑ ሓሙሽተ ሰባት ክቕተሉ እንከለው ሓደ ህጻን ዝርከቦም ክልተ ሰባት ምቑሳሎም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ እታ ከተማ ኣቶ ጥጋቡ ታምሩ ብወገኑ ብዘይካ እቶም ሓሙሽተ ኣባላት እታ ስድራ ኣብቲ ገዛ ዝነበረ ሓደ ጋሻ እውን ከም ዝተቐትለ ተዛሪቡ።

ኣቶ ጥጋቡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሓሙስ ናይ ደብረታቦር በዓል ዝኽበረሉ መዓልቲ ብምንባሩ እቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከሎ ኣብ ቤተክርስትያን ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ከተማ ቅድሚ ምፍጻሙ ናይ ከቢድ ብረት ድምጺ ካብ ርሑቕ ይስማዕ ምንባሩ ተዛሪቡ።

"እቲ ቤተክርስትያን ኣብ በሪኽ እዩ ዝርከብ፤ ሽዑ ኣብታ ከተማ ኣርባዕተ ናይ ከቢድ ብረት ድምጺ ሰሚዐ። እቲ ሓደ ኣብ ዝወደቐሉ ስፍራ ሓመድ ንላዕሊ ክዓርግ ርእየ ኣለኹ" ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 1 ዝተፈጸመ ምዃኑን፡ ኣብ ከባቢታት ኣርሴማ፣ ተፈናቃይ ሰፈር፣ ከባቢ ቤተክርስትያን መድሓኒዓለምን ከባቢ መወከሲ ሆስፒታል ደብረታቦርን ከም ዝዓለበ እቲ ኣመሓዳሪ ደቡብ ጎንደር ዞን ገሊጹ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ኣጸቢቑ ከምዝፈልጦ ዝዛረብ ኣቶ ጥጋቡ፡ ኣብቲ ከባቢ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ቤተክርስትያንን ምህላው ብምጥቃስ "እቲ ተዅሲ እንታይ ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ኣመሓዳሪ እቲ ዞን ኣቶ ቀለመወርቅ ብወገኑ፡ እቶም ዕጡቓት ብተኸታታሊ ኣርባዕተ ከቢድ ብረት ናብታ ከተማ ከም ዝተኮሱን ኣብ ሆሰፒታልን ትካላት ባንኪ ኣብ ዝርከቡሉን ከባቢታት ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓለበ ተዛሪቡ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እታ ከተማ ስንባድ ፈጢሩ ምንባሩ ዝነግር ኣቶ ቀለመወርቅ፡ "ሕጂ ግና እቲ መጥቃዕቲ ንምንታይ ከም ዝተፈጸመ እቲ ሕብረተሰብ ተረዲኡ ተረጋጊኡ ከባቢኡ ይሕሉ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ብቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ተባሂሉ ዝተሰየመ ህወሓት ግና ብዛዕባ እቲ ብሓሙስ ኣብ ደብረታቦር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ዝሃቦ መግለጺ የሎን።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ንኣዋርሕ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ከካይዶ ንዝጸንሐ ኲናት፡ በይነኣዊ ምቁራጽ ተዅሲ ብምእዋጅ ሰራዊቱ ካብታ ክልል ድሕሪ ምስሓቡ፡ እቲ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ኣሎ።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ቅድሚ ሕጂ'ውን ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ንዋና ከተማ ምምሕዳር ሰሜን ወሎ ዞን ኣብ ዝኾነት ወልድያ ከቢድ ብረት ብምትኳስ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ጉድኣት ምብጽሖም ከሲሱ ነይሩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት'ውን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ጋሊኮማ ኣብ ዝተባሃለ ስፍራ ኣብ ልዕሊ ተፈናቐልቲ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ብዙሓት ከም ዝቐተለ እኳ እንተተኸሰሰ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ነቲ ክሲ ነጺግዎ እዩ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝገብርዎ ዘለው መጥቃዕቲ ታሪካዊት ከተማ ላሊበላ እትርከቦ ከባቢታት ሰሜን ወሎ ተቖጻጺሮም ምህላዎም ይግለጽ።