ቅልውላው ትግራይ: ኣብ ኢትዮጵያ ንመሳርሒ ፕሮፓጋንዳ ኵናት ዝውዕሉ ዘለዉ ዕሸላት

‘‘ግመ ኲናት’’ ብልሙድ ኣብ ዓውደ ኲናት ዘጋጥም ምድንጋራት ንምግላጽ እንጥቀመሉ ሓረግ እዩ፤ ኩነታት ኢትዮጵያ ምስ እንወስድ ግና ጎናጎኒ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስትን እናገደደ ዝመጸ ውግእ፡ ዝካየድ ዘሎ መሪር ናይ ሓበሬታ ኲናት ንምግላጽ ክውዕል ይኽእል እዩ፡፡
ቢቢሲ ነቲ ‘‘ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፎም ክዋግኡ ተማሪኾም’’ ንዝተባህሉ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ቃለ መሕተት ክገብረሎም ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ብጥንቃቐ እዩ ተቐቢልዎ፡፡
‘‘ምስ መሓዙተይ ኩዕሶ እናተጻወትኩ እናሃለኹ እዮም፡ ሓይልታት ትግራይ ኣገዲዶም ናብ መስርዖም ዝወሰዱኒ’’ ኢሉና ሓደ ካብ ክልል ዓፋር ብቴሌፎን ዘዘራረብናዮ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡፡
እቲ ጎንጺ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ትግራይ እዩ ተጀሚሩ፤ ኣብዚ እዋን ግና ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣስፋሕፊሑ ድሮ ሓይልታት ትግራይ ንታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ተቖጻጺሮም ኣለዉ፡፡
‘‘ብሓይሊ እየ ናብ ቅድመ ግንባር ተወሲደ’’ ዝበለና ካልእ ትሕቲ ዕድመ ድማ ኣብ ትግራይ ናይ ዓስራይ ክፍሊ ተምሃራይ ከምዝነበረ ይገልጽ፡፡
ካልእ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ ድማ ‘‘ዝኾነ ወታሃደራዊ ስልጠና ኣይተውሃበናን፡፡ ናብ ዓፋር ወሲዶምና፡፡ ናብ ቃልሲ እንድሕሪ ዘይተጸምቢርና ንቤተሰብና ከምዝቐትልዎም ኣፈራሪሖምና’’ ክትብል ተዛሪባ፡፡
እቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት፡ ቅድሚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ዓፋር ምእታዎም፡ ኣስታት 50 ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ብሓይልታት ትግራይ ብኣስገዳድ ተገፊፎም ናብ ኲናት ከምዝኣተዉ ገሊጾምልና፡፡
ኮይኑ ግና ሰብ መዚ ዓፋር ነቶም ትሕተ-ዕድመ ቆልዑ ብቋንቋ ኣምሓርኛ እምበር ብቋንቋ ኣዲኦም ዝኾነ ትግርኛ ቃለ መሕተት ክንገብረሎም ከም ዘየፍቅዱ ምስ ነገሩና፡ ዝኾነ ጸገም ከምዘሎ ከንጥርጥር ጀሚርና።
ዳሕራይ ድማ ነቶም ዝተቐድሑ ድምጺ ተጠንቂቕና ደጊምና ምስ ሰማዕናዮም፡ እቲ ዝጠርጠርናዮ ነገር ኣረጋጊጽናዮ፤ ኣብ መንጎ እቲ ቃለ መሕተት ወሃቢ ቃል እቲ ክልል ነቶም ኮተቴ እንታይ ክብሉ ከምዘለዎም ክነግሮም ሰሚዕናዮ፡፡
ተመሳሰልቲ ቃለ መሕተታት ኣብ መደበራት ቴሌቪዥን እታ ሃገር እውን ተሓላሊፎም እዮም፡፡ ዝሰልቸዎም ናይ ካልኣይ ደረጃ ተምሃሮ ዝመስሉ ገሊኦም ድማ ኣብ ኲናት ዝቖሰሉ ዝመስሉን መናእሰያት ብእግሪ እንትኸዱ ኣብ ቪድዮ ተራእዮም፡፡

እቲ ጎንጺ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብላሊ ዝነበረ ህወሓትን ዝተፈጠረ ምስሕሓብ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ተጀሚሩ፡፡
ወተሃደራት ኤርትራ እውን ንኣብዪ ኣሕመድ ብምድጋፍ ናብቲ ኲናት ተሓዊሶም፡፡ ንሱ ህወሓት ናብ ‘‘ግብረ ሽበራዊ’’ ጉጅለ ተቐዪሩ ኢሉ ይኸሶ፤ ህወሓት ብግዲኡ ናይቲ ፖለቲካዊ ደጀኑ ከምዝኾነ ዝሕሰብ ከባቢ ትግራይ ቅቡልነት ዘለዎ መንግስቲ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ መሊሶም ንከተማ መቐለ ካብ ዝቆጻጸሩ ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህጻናት ንውትህድርና የሰልፉ ኣለዉ እናበለ ክኸሶም ጸኒሑ እዩ፡፡
ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ መቐይሮ ነጥቢ እቲ ኲናት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓተሞ ዛንታ፡ ትሕቲ ዕድመ ናይ ዝርከቡዎም ወታሃደራት ሓይልታት ትግራይ ስእሊ ለጢፉ ነይሩ፡፡
እቲ ጋዜጣ ‘‘ኣብቲ ኲናት ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ፣ ምጽናት ዓሌትን ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽን’’ ዝደፋፈኦም "ኣዐርዮም ንጡፋት ኣፍላ መንእሰያት’’ ክብል ገሊጽዎም ነይሩ፡፡
ድሕሪ ጸብጻብ እቲ ጋዜጣ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ደገፍቱን ንሓይልታት ትግራይ ህጻናት ኣገዲዶም ንኲናት ብምምልማል፣ ዕጸ ፋርስ ክወስዱ ብምግባርን ናብ ቅድሚት ኵናት ክኣትዉ ብምድፋእን ይኸሱዎም፡፡
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነቲ ህጻናት ኣገዲዶም ናብ መስርዕ ሓይልታቶም የእትዉ ኣለዉ ዝብል ክሲ ይነጽጎ፡፡
‘‘ዋላኳ 18 ዓመት ናብ ውትህድርና ንምእታው ሕጋዊ ዕድመ እንተኾነ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 17፣18፣19 ዘለዉ መናእሰይ ዝምልከት ጸገም እንተሃልዩ፡ እዞም ቆልዑ ስድረኦም ብሓይልታት ኤርትራ፣ ሓይልታት ኣብይን ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራን ዘይተዘረበ ስቓይ ዝበጸሖም እዮም’’ ኢሉ፡፡

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS
ኣብ ክልል ዓፋር ተፈጺሙ ዝተብሃለ መጥቃዕቲ
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ማእክል ጥዕና ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ ጸብጻብ ወጺኡ ነይሩ፡፡
ሽዑ ንሽዑ ድማ ልዕሊ 100 ሰባት ብሓይልታት ትግራይ ከምዝተቐተሉ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ኮይኑ፡ ዓፋር ማሳክር ዝብል ሃሽታግ ክዘዋወር ጀሚሩ፡፡
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ናይቲ ከባቢ ዶክተር ብዘጋጠሞም መጉዳእቲ ዝሞቱ 12 ሰባት ናብ ዝሰርሓሉ ሆስፒታል ከምዝመጹ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝህበና ግን ኣይረኸብናን፡፡
ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸሙ ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ ምጽራይ ክግበር ከምዝተሓባበሩ ኣፍሊጦም።
ጽልምትምት ዝበለ ኲናት
ኣብቲ ኲናት ተፈጢሩ ዝሃበል ነገር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህወሓት፣ ኣብታ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ደገፍቶምን ኣብ ትዊተርን ፌስቡክን ክካሰሱሉ እዮም ዝውዕሉ፡፡
ዳርጋ ንክልተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ስልክን ኢንተርነትን ዕጹው ኮይኑ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ክልል ሓበሬታ ምርካብ ኣይከኣልን ዘሎ።
መንግስቲ ፌደራል ሓይልታት ትግራይ ነቲ ምቁራጽ ተኹሲ ክሳብ ዝቕበሉ ነቶም መስመራት ከምዘይከፍቶም እዩ ዝገልጽ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ ክሳብ ዝለዓልን ሓይልታት ጸላኢ ካብቲ ክልል ክሳብ ዝወጹን ተኹሲ ደው ከምዘየብሉ ይዛረቡ፡፡
‘‘መንግስቲ ፌደራል ሓበሬታ ኣብ ምቁጽጻር እዩ ዘተኩር፤ መራሕቲ ትግራይ ድማ ብዝኾነ መንገዲ ፕሮፖጋንዳ ካብ ምጥቃም ክኽልከሉ ኣይኽእሉን፡፡ ብተወሳኺ መን እንታይ ገይሩ ዝብል ኣብ ምቅላዕ ሚድያታትን ሲቪል ማሕረሰባትን ኢትዮጵያ ድኹማት እዮም፡፡
‘‘ስለዚ ነቲ ኣብዚ ኲናት ዘሎ ጽልግልግ ዝበለ ኩነታት ኣበርክቶ ዝገብሩ ዝተሓዋወሱ ረቛሒታት ኣለዉ’’ ይብል ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ላዕለዋይ ተንታኒ ኢትዮጵያ ዊልያም ዳቪሰን፡፡
ኣብታ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከምዝርከቡ ሰብ ሞያ ዝገልጹላ ትግራይ፡ ምብጻሕ ረድኤት እውን ኣካል ዓውደ ኲናት ሓበሬታ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ፡፡
ኣብ 1 ሓምለ ካብቶም ሓገዝ ናብ ትግራይ ዝኣትወሎም መገዲታት ሓደ ንምዕራባዊ ትግራይ ወሳኒ ዝነበረ ድልድል ተከዘ ምስፈረሰ፡ መንግስቲ ፌደራል ንህወሓት እዩ ተሓታቲ ገይሩ፡፡
ዊል ዳቪሰን ግን እዚ ማይ ዝዓቁር ከምዘይኮነ እዩ ዝገልጽ፡፡
‘‘ሓይልታት ፌደራል ምስኣዝለቑ ሓይልታት ትግራይ የጥቅዑ እዮም ነይሮም፤ ምዕራብ ትግራይ ክቆጻጸሩ እዮም ዝደልዩ፤ ንሓገዝ፣ ንግድን ጠቐምቲ ኣገልግሎታትን ተበጻሕቲ ክኾኑ እዮም ዝደልዩ፡፡ ከመይ ኢሎም ወሳኒ መሳገሪ ሩባ የዕንዉ?’’ ክብል ይሓትት፡፡
‘‘ሓይልታት ኣምሓራን ፌደራልን ብኣንጻሩ ምስኣዝለቑ ንትግራይ ክቖርጽዋ እዮም ዝፍትኑ ነይሮም፤ ምዕራብ ትግራይ እውን ክሕዙ ይደልዩ ነይሮም፡፡ ስለዚ ነቲ ድልድል ንምዕናው እኹል ምኽንያት ነይሩዎም’’ ኢሉ፡፡
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎምን ብሚልዮናት ተፈናቒሎምን እዮም፡፡
ክልቲኦም ወገናት ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ጸኒሖም፡፡
ኣብ ቀረባ ሓይልታት ትግራይ ብዙሓት ከባቢታት ድሕሪ ምሓዞም፡ ኣብዪ ኣሕመድ ‘‘ኩሎም ዕድሚኦም ዝፈቕደሎም ኢትዮጵያውያን’’ ናብቲ ቃልሲ ክኸቱ ጸዊዑ እዩ፡፡
ፖለቲካዊ ዘተ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ እዩ ዝመስል፡፡ ኣቲ ናይ ሓበሬታ ኲናት እውን እንተኾነ ናይ ምዝሕሓል ምልክት የብሉን፡፡









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







