ቅልውላው ትግራይ፡ ምጽራያት ሓቃውነት ምስ ሰብኣዊ ረድኤት ተዛሚዶም ዝቐርቡ መግለጺታት

ብፒተር ምዋይ

ቢቢሲ ሪያሊቲ ቼክ

ትግራይ ረድኤት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ትግራይ ኢሉ'ውን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ክልላት ግጭት ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን መንግስቲ ብዛዕባ ምስ ቀረብ ረድኤት መግቢ ተዛሚዱ ብዘሓት ሕቶታት ከልዕል ጸኒሑ'ሎ።

ቢቢሲ 'ሪያሊቲ ቼክ' ኣብቲ ርእሰ ዛዕባ ኣመልኪቱ ዛጊድ ዝፍለጡ ነገራት ስራሕቲ ምጽራይ ኣካይዱ'ሎ።

“ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ብህወሓት ተኸልኪለን”-ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ ዘጠናኽር እሙን መርትዖ ኣይተረኸበን’ሎ።

ህወሓት ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ንኸይኣትዋ “ኩሉ ዓይነት ምኽኒት የቕርብ’ሎ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ’ዩ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ግጭት ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ካልኦት ክልላት ከምዝተጋፍሐ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ ኣምሓራ ናብ ትግራይ ዝወስድ መገዲ ተዓጽዩ’ዩ።

ካብ ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር ሰመራ ተበጊሱ ብኣብዓላ ገይሩ ናብ ትግራይ ዝወስድ መገዲ’ውን እንተኾነ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣለዎ።

ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ትግራይ ዝወስድ መገዲ ብናይ ሓይልታት ትግራይ እንተይኮነስ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝድግፉ ሚሊሻታት’ዩ ተዓጽዩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 21 ክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ዓፋር ብስቪል ሰባት ተዓጊተን ከምዝተዘመታ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እንተኾነ እዚ ተግባር ብመን ከምዝተፈጸመ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ የለን። ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ኣብዚ ዝተጠቐሰ ቦታ ይንበሩ ኣይንበሩ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ንዝተፈጠረ ምድንጓያት ረድኤት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ፍቓድ ዘይምርካብን ናብ ትግራይ ኣብ ዝወስዱ መንገድታት ብዙሓት ኬላታት ምህላዎምን ሓዊሱ ካልኦት ምኽንያታት ከምዝነበሩ ጠቒሱ’ዩ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ዕለት 5/2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዛት “ኣዝዩ ተመሓይሹ” ድሕሪ ምባሉ ኣስታት 75 ምኢታዊት ክበጽሖም ከምዝኸኣለ ገሊጹ ነይሩ።

ይኹን እምበር ናብ ትግራይ ዝኣቱ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት እኹል ከምዘይኮነ ሓቢሩ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግዲኡ ብነሓሰ 5 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ረድኤት ዝጽዓና 277 መካይን ናብ ትግራይ ኣትየን ኣለዋ ኢሉ። ቢቢሲ እዚ ሓበሬታ ከጣልል ኢሉ ናብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ’ኳ እንተቐርበ ምላሽ ግን ኣይረኸበን።

ትካል መግቢ ዓለም ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሰሙናዊ 6 ሽሕ ቶን ረድኤት መግቢ ከምዘድልን ነዚ ንምጉዕዓዝ ከኣ መዓልታዊ 100 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዘለወን ኣፍሊጡ።

‘ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ዝግበሩ በረራታት ፍቓድ ተዋሂቡ’ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናብ ትግራይ ዝግበሩ ናይ ነፈርቲ በረራታት ድሕሪ ምእጋዶም ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሓምለ በረራ ከምዝተጀመረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብ ቀረባ እዋናት ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ብነፈርቲ ናብ ትግራይ ንምጉዕዓዝ ዝሓሸ ምዕባለ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ’ዩ።

እንተኾነ ግን ኣብ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተርኣየ ጥንኩር ናይ ፍቓድ ኣወሃህባ ምኽንያት ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ክልተ በረራታት ንላዕሊ ምክያድ ኣይተኸኣለን።

ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዝጽዓነት ነፋሪት ንፈለማ እዋን ሓምለ 15/2013 ዓ/ም ናብ መቐለ ዝኣተወት ኮይና ንኻልኣይ ግዜ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይድ መጺኡ ንዝነበረ ሓድሽ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍትስ ዝሓዘት ነፋሪት ናብ ትግራይ በሪራ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ መቐለ ኣርባዕተ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ተኻይዶም። ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ቢልሌኔ ስዩም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ንድሕነት ቆላሕታ ኣብ ናይ ምግባር ከይዲ እቲ መስርሕ ቅልጡፍ ንምግባር ዝሓሸ ጻዕሪ ተገይሩ’ዩ” ኢላ።

ሕቡራት ሃገራት ንስራሕቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ትግራይ ንዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንምምልላስ ኣብ ሰሙን እንተወሓደ ክልተ በረራ ነፈርቲ ከምዘድሊ ገሊጹ።

"መሰረታውያን ኣገልግሎታት ኣብ ትግራይ ክጅምሩ’ዮም"፡ ሕቡራት ሃገራት

ኣገልግሎት ሓይሊ ኤልክትሪክን ቴሌኮሙኒኬሽንን ሓዊስካ ካልኦት መሰረታውያን ኣገልግሎት ኣብቲ ክልል ከምዝጅመር ዝምልከት ሓበሬታ ዝተገለጸ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ምስ ዘተዩ ቤት ጽሕፈት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ሓምለ 02/2013 ዓ/ም ዕላዊ ዝገበሮ ሓበሬታ’ዩ።

“ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ ትግራይ ዝተቛረጹ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ከምዝጅምሩ ምግላጹ እቲ ዋና ጸሓፊ ብጽቡቕ ዓይኒ ተቐቢልዎ” ዝብል እዩ ነይሩ እቲ መግለጺ። ይኹን እምበር እቶም ዝተበሃሉ ኣገደስቲ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ዛጊድ ስራሕ ኣይጀመሩን ኣለዉ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ጉዳይ ሓምለ 22/2013 ዓ/ም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቱ “እዞም መሰረታውያን ኣገልግሎታት ዳግማይ ስራሕ ክጅምሩ ዝኽእሉ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ምስ ዝቕበሉ’ዩ” ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ዝኣወጀ ኮይኑ ሓይልታት ትግራይ ከኣ ነቶም ዘቕረብዎም ቅድመ ኩነታት ተማሊኦም እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ግን ብድርድር ክፍታሕ’ዮም ዝጠልቡ።

በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ኣገልጉሎት ኤሌትሪክ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን ኮነ ባንኪ ኣይረክብን ዘሎ። ገለ ገሊኦም ብጀኔሬተር ዝተሓገዘ ሓይሊ ኤልትሪክ ይረኽቡ’ኳ እንተሃለዉ ኣብ ትግራይ ናይ ነዳዲ ሕጽረት ስለዘሎ ነዳዲ ኣብዝተረኸበታ ውሱን ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ዝርከብ ዘሎ።

ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 22 ኣብ ናይ ባዕሉ ፌስቡክ ገጽ፡ እቶም መሰረታውያን ኣገልግሎታት ብምቁራጾም ምኽኒያት ክሳዕ ክንደየናይ ተጸጊሙ ከምዘሎ ጽሒፉ። ገበርቲ ሰናይ ትካላት’ውን እንተኸነ እቶም ኣገልግሎታት ብምቁራጾም ስራሕቶም ይተኣጓጎል ከምዘሎ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም መሰረታውያን ኣገልግሎታት ዳግማይ ንምጅማር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይውግን ከምዘሎ ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስትር ናይታ ሃገር ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እንተኾነ ግን ህወሓት የካይዶ ብዘሎ ኵናት ምኽኒያት “ኣብ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ኢንተርኔትን ሓይሊ ኣብ ዘሰጋግሩ መስመራትን ዝፍጸም ዕንወት ከምኡ’ውን ኣብ ሰራሕተኛታት ጽገና ዝበጽሕ መጥቃዕቲ” ነቲ ስራሕ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ጠቒሳ።