ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ብመትከል ዘይሻራዊነት ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, OCHA
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ብመትከል ብዘይሻራዊነት ተቐይዱ ብዘይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዝንባለ ስራሕቱ ከም ዘሳልጥ ገሊጹ።
ብፍላይ ምስ ታሽዓይ ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር ኤጀንሲታት እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ፣ ንሓደጋ ጥሜት ዝተቓልዑ ሰባት ህጻናትን ኣመልኪቶም ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከውጽኡ ምጽንሖም ዝዝከር እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ "ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ‘ንሓደ ወገን ዘዳሉ ፖለቲካዊ ሓገዝ ገይሮም’ እናተባህለ ብሃገራዊ ማዕኸናት ዜናን ማሕበራዊ ሚዲያን ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ኣሰኪፉኒ" ኢሉ።
እቶም ኤጀንሲታት ኮነ መሓዙት ትካላት ዝገብሩዎ ሰብኣዊ ረድኤት “ናጻ ኮይኖም ብሰብኣውነትን ዘይሻራውነትን ዝግዝኡ’ዮም” ብምባል በዚ መትከል ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ይበጽሑ ምህላዎም ሓቢሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ትግራይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ንሓይልታት ትግራይ ይሕግዙ ኣለው ኢሉ ምኽሳሱ ሓደገኛ እዩ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቒፉ ነይሩ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ምስ ገለ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዘለዎ ዝምድና ዳግም ንምጽናዕን ገሊኦም'ውን ካብ ሃገር ንምስጓግ ከም ዝግደድን ምግላጹ ይዝከር።
ንሱ፡ ገለ ሰብኣዊ ሓገዝ ነብፅሕ ዝብሉ ትካላት'ውን እቲ ኲናት ክቕፅል ይገብሩ ኣለው’ዮም ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ነይሩ።
"እቲ ጉዳይ በዚ ዝቕጽል እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ስለ ዘለዎ ምስ ገሊኦም ሓቢርካ ምስራሕ ዳግም ክርእዮን፡ ገሊኦም ካብ ሃገር ንምውፃእ ግደድ እዩ" ምባሉ ይዝከር።
ካብዚ ብዝብገስ ገለ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝኾኑን ናይ ረድኤት መኪና ከም ዝተሓባበሩዎም ይኽሰሱ።
ሓላፊ ኤጀንሲ ሰብኣዊ ሓገዝ ማርቲን ግሪፊቲዝ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ምብጻሕ ሽዱሽተ መዓልታት ዛዚሙ እንትምለስ፡ ብፍላይ በቲ ኣብ ትግራይ ዝረአዮ ዓጸቦን ሓደጋ ጥሜትን ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ ገሊጹ እዩ።
ማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ ንማርቲን ግሪፊቲዝ ጸሪሑ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻበ ድማ “ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝቐርብ ዘሎ ጠቐነ ጠጠው ክብል ኣለዎ” ምባሉ ይፍለጥ።
ወሲኹ “እዚ ሃናጺ ወይ ፍትሓዊ ኣይኮነን፤ እቲ ዝቐርብ ዘሎ መረዳእታ እንተሃልዩ ብግልጺ ክቐርብ ኣለዎ እምበር ሓደገኛ እዩ” ኢሉ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ረድኤት ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከም ዘለው ጸብጻብ እቲ ትካል ይሕብር።
ቅድም ኢሉ ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዘለዎ ክዙን ምግቢ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ይውዳእ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
መግቢ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ መዓልቲ 100 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከም ዝግባእ ድማ ገሊፁ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን 117 እኽሊ ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን ናብ መቐለ ከም ዝኣተዋ ተገሊጹ'ዩ።
እንተኾነ፡ እዚ ካብቲ ናብቲ ክልል ክንቀሳቐሳ ዝግበኦ ሓገዝ ዓሰርተ ሚኢታዊ ጥራይ ምዃኑ ሓላፊት ዩኤስኤይድ ሳማንታ ፓወር ምግላጻ ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







