ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ 'ሰብ ምዃነይ ዝተረድኡ ኣይመስለንን'- ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኲናት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
አምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብቲ ንልዕሊ ሸሞንተ ወርሒኣብ ትግራይ ዝተኻደ ኲናት ወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን መስካሕኽሒ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ዝድህስ ሓድሽ ጸብጻብ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ "I DON'T KNOW IF THEY REALIZED I WAS A PERSON" [ሰብ ምዃነይ ዝተረድኡ ኣይመስለንን] ብዝብል ርእሲ ዝወጽአ በዓል 39 ገጽ ጸብጻብ ወተሃደራት እቶም መንግስታት ኣብ ልዕሊ ነፍሰ ጾራትን ትሕቲ ዕድመን ከይተረፈ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙ የመልክት።
ቅድም ክብል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምዕራባውያን ሃገራትን ኣብ'ቲ ኲናት ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ምናልባሽ ገበናት ኲናት ክኾኑ ዝኽእሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ክገልጹ ጸኒሖም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ብፍላይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ገለ ኣባላት ሰራዊት ተሓተትቲ ክገብር ከም ዝጀመረ፣ ኣብ ቀይዲ ከም ዘአተወን ነዚ ዘጻሪ ኮሚቴ ከም ዘጣየሰን ምግላጹን ዝዝከር እዩ።
ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣስታት 1288 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝበጽሐን ናብ ማእከላት ሕክምና ከምዝሓበራ የመልክት።
ኣምነስቲ ነቲ መጽናዕቲ ካብ ዘዘራረበን 63 ግዳያት፡ እተን ዝበዝሓ ግን ናብ ማእከላት ጥዕና ከም ዘይኣፍለጣ እየን ዝዛረባ።
ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ቁጽሪ ነቲ ሓቃዊ ስእሊ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዘይገልጽን መጋገይን ከም ዝኾነ እዩ ጠቒሱ።

ብዕስለ ዝተፈጸሙ ጾታዊ ዓመጻት
መብዛሕተአን እተን ኣምነስቲ ዘዘራረበን ግዳያት፡ ብልዕሊ ሓደ ወተሃደርን ሚልሻ ኣምሓራን ከም ዝተደፍራ እየን ዝዛረባ።
ካብ መንጎአን እተን 12 ነፍሰ ጾራት ዝርከበአን ኮይነን፡ ገሊአን ድማ ኣብ ደመን ኤች ኣይቪ ኤድስ ዝርከበን ከም ዝኾናን ገሊጸን።
ካልኦት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ስድረአን ደቀንን ዝተደፍራ ምዃነን ኣምነስቲ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ይርከብ።
እተን 38 ግዳያት ብጉጅለ ዝተዓመጻ ኮይነን፡ ካብኣተን ሓንቲ ነባሪት ባዕኸር ጓል 20 ዓመት ንእስቲ ለታይ ትርከበን።
"ብ28 ሕዳር ክልተ ወተሃዳራዊ ክዳን ዝተኸድኑን ሓደ ሲቪል ዝተኸድነን፡ ብረት ክንፍትሽ ኢና ኢሎም ናብ ገዛ ኣትዮም። ወላድየ ድማ ኣነ ደቂሰ ከም ዘለኹ ነጊሩዎም፤ ፈቲሾም ጥራይ ከም ዝወጽኡን ከም ዘይርብሹንን ነጊሮምዎ፤ ኣብ ገዛ ዝነበሩ ሰባት ብሙልኦም ኣውጺኦም ናባይ መጺኦም።
"እንትዘራረቡ ካብ ድቃሰይ ነቒሐ። ካብኡ ሓንቲ ድምጺ ከየስምዕ ብምልክት ኣጠንቂቖም በቢተራ ዓሚጾምኒ፤ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ጥንሲ ከም ዘለኒ ዝፈለጡ ኣይመስለንን፤ ሰብ ምዃነይ'ውን ዝተረድኡ ኣይመስለንን" ክብል እቲ ዝገጠማ ገሊጻ።
ካብተን ኣምነስቲ ዘዘራረበን ግዳያት እተን 28 ብወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝዓመጻ ተዛሪበን።
ኣብቲ ናይ ኣምነስቲ ጻብጻብ ንድሕነታ ክበሃል ንግስቲ ዝብል ስም ዝተወሃባ ጓል 25 ዓመት ኣደ ኣብ ከተማ ሸራሮ ንሳን ካልኦት ኣርባዕተ ኣንሽትን ብወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝተዓመጻ ኣብሪሃ።
ንግስትን እተን ካልኦት ካብ ከተማ ሑመራ ዝሃደማ ኾይነን ኣብ መንገዲ ብጉጅለ ወተሃደራት እየን ተደፊረን።
"ካብ መንጎና እታ ሓንቲ፡ ናይ 8 ወርሒ ጥንሲ ዝነበራ፡ ብጽሕቲ ወርሒ እያ ነይራ፤ ግን ንሓሙሽተ እዮም ዓሚጾምዋ። ብዚ ሰንኪ፡ ወዳ ኣብ ዘይዕድሚኡ ወሊዳቶ" ትብል።
ንግስቲ ድማ፡ ወዲ ክልተ ዓመት ውላዳ እናረእየ ንዓኣ'ውን ከም ዝዓመጹዋ ትዛረብ።
"ንሰለስተ ኮይኖም ምስ ደፈሩኒ፤ እቲ ራብዓይ ክደፍረኒ እንትመጽእ ሓደ ካብ መንጎኦም 'ግደፋ' ኢሉ ኣናጊፉኒ" ኢላ ምዝራባ ኣብቲ ጻብጻብ ተኻቲቱ ይርከብ።
ነባሪት ከተማ ባድመ ዝኾነት የምስራች ድማ ኣብ ደማ ቫይረስ ኤች አይቪ ከም ዘለዋ እናገለጸትሎም'ውን 'ሓሳዊት' ኢሎም ኣርባዕተ ወተሃደራት ኤርትራ ተባርዮም ከም ዝዓመጽዋ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ኣብ ሞባይሎም፡ ናይ ጾታዊ ርክብ ቪድዮ እናረኣዩ ኣብቲ ቪድዮ ዘሎ ምስሊ ክትፍጽም እናሓተቱ ከም ተጋሰሱዋ'ያ ገሊጻ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ድሒሩ ወተሃደራቱ ኣብ ኲናት ትግራይ ምስታፎም'ኳ እንተኣምነ ነቶም ክስታት ክነጽጎም ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ናብ ኣማኻሪ ፕሬዝደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራን ደብዳበ ጽሒፉ መልሲ ክረክብ ከም ዘይኽኣለ ኣስፊሩ።
ከምኡ'ውን ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ብተደጋጋሚ ዝተልኣኸ ደብዳበ እቲ ኤምባሲ ክቕበሎ ከም ዘይክኣለን፡ ምላሽ ከም ዘይረኸበን ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዯጵያ እንታይ ይብል?
ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ነዚ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣምነስቲ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሚዛኑ ዘይሓለወ'ዩ ክብል ነጺጉ'ሎ።
ምስ ውሑዳት ሰባት ብዝተገበረ ቃለ-መሕትት ዝተጋነነ ምስሊ ዝሃበ ጸብጻብ ክብል ኮኒኑ።።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ኣምነስቲ ዘይሻራዊ ብዛዕባ ምዃኑ ሕቶ ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።
እቲ ትካል ነቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ንዘካይዶ ዘሎ ምጽራይ ኣፍልጦ ኣይሃበን ክብል እውን ነቒፉ።
ጾታዊ ባርነት
ካብተም ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘዘራረበን፡ 63 ግዳያት እተን 12 ንሰሙናት ኣብ ግዱድ ጾታዊ ባርነት ተዓጊተን ከም ዝጸንሓ ገሊጸን።
እተን ትሕቲ ዕድመ ኣጓላት ኮይነን፡ ሓደ ሓዲአን ኣብ ወተሃደራዊ መዓስክር፣ ገሊአን ድማ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ፣ ካልኦት ድማ ኣብ ገጠራት ኣብ ሜዳ ተትሒዘን ከም ዝቐነያ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ጓል 21 ዓመት ብሌን ኣብ ከተማ ባድመ ሰራሕተኛ ሆቴል እያ ነይራ።
ንሳ ብወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዓጊታ ከም ዝተወስደትን ምስ ካልኦት 30 ዝኣኽላ ደቂ ኣንስትዮ ን40 መዓልታት ዝኣከል ጾታዊ ዓመጽ እናተፈጸመን ከም ዝቐነየን ትዛረብ።
"እቶም ዝተጋሰሱኒ ሓሙሽተ ወይ ድማ ሽደሽተ ዝኾኑ እዮም። ኣብ ኤርትራ ናብ ዝርከብ ጋሽባርካ ዝበሃል ከባቢ ወሲዶም ዓሚጾምና። ኩላትና ተዓሚጽና ኢና። ድሕሪ 40 መዓልታት ናብ ባድመ ኣምጺኦም ሰዲዶምና" ኢላ።
ነባሪት ሑመራ ጸዳለ፡ ኣብ ከተማ ሑመራ ብፍላይ ብሓይልታት ኣምሓራ ተኣሲራ ኣብ ዝጸንሐትሉ እዋን ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ትግረፍ ከም ዝነበረትን ተገዲዳ ከም ዝተዓመጸትን ትገልጽ።
"ሰለስተ ወተሃደራት በቢተራ ምሸት ምሸት ይደፍሩኒ ነይሮም" ትብል።
ዋና ጸሓፊት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ፡ "ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ከም ዝወዓለ ግልጺ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ትግራይ፡ ኣካላውን ስነልቦናውን ማህሰይቲን ንምውራድ ዝዓለመ እዩ" ኢላ።
ወሲኻ "ስፍሓትን መጠንን እቲ ዝተፈጸመ ገበን እንትረአ፡ ብገበን ኲናት ወይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ገበን ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢላ።
እቶም ተኸሰስቲ ወተሃደራት
ኣብዚ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ምድላው ካብ ዝተሳተፉ መርመርቲ ዶናቴላ ሮቬራ፡ ንቢቢሲ ከም ዝበለቶ እተን ግዳያት ወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን ሓይልታት ኣምሓራ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘብጽሑለን እየን ዝዛረባ።
እተን ግዳያት፡ ብዝዛረብዎ ቋንቋን ከምኡ'ውን ብዝተኸደንዎ ክዳውንቲ ከም ዝፈልየኦም'ውን ይገልጻ።
"ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣፍሪቃን ኣብ ዝተኸስቱ ጎንጽታትተዛዊረ ጾታዊ መጥቃዕቲ መርሚረ እየ። ሕዚ [ኣብዚ ናይ ትግራይ ኲናት] ዝሰማዕኹዎም መስክርነት ግን ኣዝዮም መስካሕኽሕቲ እዮም" ኢላ።
ቀጻሊ ስጉምቲ
ኣምነስቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጉዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ጉዳይ ኣጻርዮም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከቕርቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ብፍላይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይሻራዊ ጉጅለ ልኢኹ ከጻርዮ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ኲናት ዝበጽሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ጉጅለ ከም ዘቖመ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ገለ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተባህሉ ኣባላት እቲ ሰራዊት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተውን ብሕጊ ከም ዝሕተቱን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ተመራማሪ ዝኾነ፡ ፍስሃ ተኽለ ግን ብዝሒ እቶም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዝተባህሉ ወተሃደራት ምስ መጠን'ቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝነጻጸር ኣይኮነን ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ "መስርሕ እቲ ቤት ፍርዲ ነተን ግዳያት ዘካተተ ክኸውን ነይርዎ። ንዓአን ካሕሳ ብዝኸውን መልክዑ፤ ከምኡ'ውን ንዝተረፈ ማሕበረሰብ መምሃሪ ክኸውን ነይርዎ" ይብል።
"ብዙሓት ወተሃደራት ኤርትራ ድማ ኣብቲ ገበን ተሳቲፎም እዮም። ኣብ ልዕሊኦም ዝተወስደ ናይ ሕጊ ስጉምቲ ኣሎ'ዶ የለን ግልጺ ኣይኮነን፤ ነዚይ እዩ እኹል ኣይኮነን ንብል ዘለና" ክብል ፍሰሃ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ፡ መራኸቢ መገድታት ተዓጽዩ ስለ ዘሎ እቲ ገበን ዘለወሉ ኩነታት ንምጽራይ ከም ዘይከኣሉ ድማ ፍስሃ ይዛረብ።
"እቶም መጥቃዕቲታት ቀጺሎም እንተኾይኖም መራኸቢ መስመራት ምስ ተመልሰ ክንመጽኦ ኢና፤ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ጥራይ ከይኮነስ ካልኦት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እናተፈጸሙ ከም ዝኾነ ዘርእዩ ሓበሬታታት ኣለው። ሕዚ ምርግጋጽ ኣይከኣልናን" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።
መንግስቲ፡ ኣምነስቲ ዘውጸኦም ጸብጻባት ፖለቲካዊ ዝንባለታት ከምዘለዎም እዩ ዝገልጽ፤ እዚ ብዝምልክት ዝተሓተተ ፍሰሃ፡ ነቶም ክስታት ይነጽጎም።
"ሰብኣዊ መሰላት ምጽራይ እንትግበር ብዙሕ መረዳእታ እዩ ዝእከብ። ኲናት ትግራይ ዘስዐቦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መጠኑ ሰፊሕ እዩ። ይኹን'ምበር ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ስለ ዝወጽኣ ጥራይ ጸብጻብ ነውጽእ ማለት ኣይኮነን" ኢሉ።
ሕዚ ግን እቲ ኲናት፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ይዘልቕ ስለ ዘሎ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽል ከም ዝኽእል ገሚቱ።
ኣምነስቲ፡ ነቶም ዝስምዑ ዘለዉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ግዜ ወሲዱ ከም ዘጻሪ ድማ ተዛሪቡ።
እዚ ናይ ሕዚ ጸብጻብ ብዝምልከት፡ ቢቢሲ ርእይቶ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተርን ክልል ኣምሃራን ንምክታት ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይተሳኸዐን።
ውጽኢት እቲ ጸብጻብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክበጽሖ ከም ዝተገብረን፡ ምላሽ ከም ዘይሃበሉን ግና ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ይርከብ።




![ብርሃን [ሽማ ዝተቐየረ] ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብወተሃደራት ኤርትራን ኤትዮጵያን ተዓሚጻ። እዚ ስእሊ ብ27 ጥሪ 2021 ኣብ መቐለ ዝተወሰደ ኮይኑ እታ ግዳይ ኣብ ሕክምና ትርከብ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/9007/production/_118017863_gettyimages-1231606428.jpg.webp)

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







