ቅልውላው ኢትዮጵያ ትግራይ፡ ብኵናት ዝተገፍዑ ዶኳትር ሑመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ኵናት ምስ ተወለዐ፡ ኣብ ሑመራ ሕሙማት ካብ ሆስፒታል ከመይ ኢሎም ብትራክተርን ብተሳሓብቲ መካይንን ከም ዝወጽኡ ሓደ ዶክተር ንቢቢሲ ዘሰንብድ ትዕዝብቱ ኣካፊኢሉና ኣሎ።
ንሱ’ውን ካብቲ ዝትኮስ ዝነበረ ጠያይቲ ከመይ ኢሉ ሃዲሙ ከም ዝወጽአ ኣውጊዕና።
ዶክተር ቴድሮስ ተፈራ መጀመርታ ካብ ከተማ ሑመራ ሃዲሙ ናብ ከተማ ኣደባይ እዩ ኣትዩ፤ ኣብ ክልቲኡ ከተማታት ኩነታት ድሓን ስለ ዘይነበረ ግን ካብ ከተማ ኣደባይ’ውን ከም ዝሃደመ እዩ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ካልእ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ዶክተር’ውን ተመሳሳሊ ዛንታ እዩ ዘለዎ፤ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከብዳ ተሃሪማ፡ መዓናጡኣ ጠልጥል ኢሉ ብሞተር ብሽክለታ ኣምጺኦማ ቀዳማይ ረዲኤት ከም ዝገበረላ ይጠቅስ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈዴራል ኵናት ከፊቶም ብምባል 4 ሕዳር 2020 ናይ መሬትን ኣየርን መጥቃዕቲ ክፍኖ ኣዚዙ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ብ28 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ ቃል ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ኣብ ዝተተሓዘትሉ ዝሞተ ሰላማዊ ሰብ ከም ዘየለ እዩ ጠቂሱ።
ቅድም ኢሉ ህወሓት፡ መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ንሰራዊት ኣብይ ኣሕመድ ይሕግዙ ኣለዉ ብምባል እኳ ናብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ሚሳየል እንተተኮሰ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዶም ከም ዘይሓወሱ እዮ ዝሕብር።
ኣብቲ ናይ ኵናት ዞባ ዝኾነ ትግራይ መስመራት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ስለ ዝተቋረጸ ግን ጽሩይ ዝኾነ ሓበሬታ ምርካብ ኣሸጋሪ’ዩ።
እታ ኣስታት 300 ሽሕ ነበርቲ ዘለውዋ ከተማ ሑመራ፡ ሓንቲ ካብተን በዚ ኵናት ዝተሃሰያ ከተማታት ኮይ፡ ኣብታ ከተማ 8 ሕዳር እዩ እቲ ኵናት ጀሚሩ።

ምስክርነት ዶክተር ቴድሮስ
ኣብ መጀመርታ ብርቱዕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ነይሩ።
ኣብ ማእከል ዕዳጋ፣ ቤተ ክርስትያንን መስጊድን ከምኡ’ውን ኣብ ቀጽሪ ሕክምና ኸኣ ወዲቑ።
ኣብ ሓደ መዓልቲ 15 ሬሳታትን 75 ዝተወግኡን ሰላማውያን ሰባትን ተቐቢለ፤ እቲ ደብዳብ ምሸት'ውን ይቅፍል ነይሩ።
እታ ከተማ ካብ ሸነኽ ምብራቕ ካብቲ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ዝነበርዎን ብወገን ሰሜን ካብ ሸነኽ ኤርትራን እያ ትድብደብ ነይራ።
ሑመራ ናብ ዶብ ኤርትራ ኣስታት 200 ሜትሮ እዩ፤ እቲ ደብዳብ ከኣ ብርግጽ ብሸነኽ ኤርትራ ይመጽእ ነይሩ እዩ።
ኣብታ ካልኣይቲ መዓልቲ፡ እቲ ደብዳብ ብንግህኡ ጀሚሩ ከባቢ ሰዓት 11 ኣቓሪጹ።
ሽዑ’ውን 8 ሬሳታትን ብዙሓት ዝተወግኡ ሰባትን ተቐቢልና። ኣብ ከምዚ ኩነታት እንከለና፡ እቲ ቦታ ንዓናን ንተሓከምትን ድሑን ከም ዘይኮነ ተረዲእና።
ካብቲ ቦታ ክንግዕዝ ድማ ወሲንና፤ ነቶም ዝተወግኡ ሕሙማትና ኣብ ትራክተርን ዓበይቲ መካይንን ጽዒንና ናብ ኣደባይ ወሲድናዮም።
ከተማ ኣደባይ ካብ ሑመራ 30 ኪሎ ሜትር ኣቢላ ርሒቓ እያ እትርከብ።
ኣብ ኣደባይ ኵናት ድኣ ይንበር እምበር ደብዳብ ከቢድ ብረት ግን ኣይነበረን።
ኣብ ኣደባይ ኣብ ዘላ ክሊኒክ ኮይንና ውጉኣት ኣብ እንሕክመሉ ዝነበርና፡ ካብ ሑመራ ብዙሓት ዝተወግኡ ሰላማውያን ሰባት ይመጽኡና ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ነቶም ብኸቢድ ብረት ዝተወቕዑ ኢና ንሕክም ነይርና፤ ሰራዊት ፈደራል ንሑመራ ምስ ተቆጻጸርዋ ግን ካልእ ዓይነት ማህረምቲ ዘለዎም ሰባት ክመጽኡና ጀሚሮም።
ብኣባትር ከምዝተሃረሙ ዘርኢ ስምብራት ዘለዎም፣ ብበሊሕ ነገር ብኸቢድ ዝተሃረሙ፤ እቶም ብበሊሕ ነገር ዝተሃረሙ ማህረምቶም ካብ ናይ ካራ ማህረምቲ ዝዓበይን ዝዓሞቐን እዩ ነይሩ።
እቶም ዝተሃረሙ፡ ኣብ ኣፍልቦም ምልክት ናይ ሰራዊት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ዘለዎምን ስሩዕ ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ዘይብሎም ፋኖን ናብ ኣብ ሑመራ ከም ዘለዉ ነጊሮሙና።
ኣብ ዝተፈላየ ክፋላት ምዕራብ ትግራይ እዚ ዝስዕብ እዩ ኣጋጢሙ
- መጀመርታ ደብዳብ
- ካብኡ ወተሃደራት ፈደራል መጺኦም
- ነዚ ተኸቲሎም ፍሉይ ሰራዊት ክልል ኣምሓራን ፋኖን እዮም ናብቲ ቦታ ዝኣትዉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኣደባይ፡ ንኽልተ መዓልታት ዝተሃረሙ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ምሕካም ኣሕሊፍናዮ።
ብድሕሪ እዚ እቲ ኩናት እናበርተዐ መጺኡ፡ ናብቲ ንሕክመሉ ዝነበርና ክሊኒክ’ውን እናቐረበ መጺኡ።
ነቶም ንሕክሞም ዝነበርና ብደብዳብን ብበላሕቲ ነገራትን ዝተሃሰዩ ተሓከምቲ ብመካይን ናብ ካልእ ክፋል ትግራይ ከነግዕዞም ወሲንና፡ ንሕና ድማ ካብቲ ዝነበርናዮ ናብቲ ኣብ ከባቢና ዝነበረ ጫካ ብእግርና ከይድና።
ኣብቲ ኣእዋም ዝበዝሖ ቦታ ንኽልተ መዓልታት ተሓቢእና።
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ግን ኣብ ኣደባይ ብርቱዕ መቕተልትን ዕግርግርን ስለ ዝሰዓበ እቲ ቦታ ድሑን ከም ዘይኮነ ክርድኣና ክኢሉ።
ኣብ ከባቢና’ውን ብርቱዕ ቶኹሲ ይስምዓና ነይሩ።
እዚ ምስ ተበጽሐ፡ ናብ መሬት ሱዳን ዝኾነት ሓምዳይት ብእግርና ክንሃድም ወሲንና።
ሓምዳይት ካብቲ ዝነበርናዮ 50 ኪሎ ሜተር ኣቢላ እያ ትኸውን፤ እቶም ምልሻ ክሳብ ንሩባ ተከዘ ንሰግር ይስዕቡና ነይሮም።
ሕጂ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት እየ ዘለኹ፤ ኣብዚ’ውን ሕሙማት ኣብ ምሕካም እየ ዝሰርሕ ዘለኹ።
ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ትግራይ ዝመጽኡ ተሓከምቲ ይረክብ እየ።
ገሊኦም ካብ ዶብ ልዕሊ 300 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ካብ ዘለዎ ውሽጢ ትግራይ ዝመጽኡ እዮም።
እቶም ነዊሕ ዝተጓዓዙ ስደተኛታት ኣብ መንገዶም ሬሳታትን ዝተቃጸለ ኣባይትን እናርኣዩ ከም ዝምጽኡ እዮም ነጊሮሙኒ።
እዚ ኹሉ ብጉልባብ ጸላም እዩ ተኻይዱ፤ ኢንተርኔት ኣብ ዝተቋረጸሉ፣ መብራህቲ ኣብ ዘይነበረሉ፣ ባንክታት ኣብ ዝተዓጸወሉ፣ ብሓቂ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘጋጠመ ኩሉ ነገራት ዝፈልጥ ሰብ የለን።
ኣነ ነቲ ሓቂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ነቲ ዝርኣኽዎን ነቲ ዝሰማዕክዎን እየ ዝነግር ዘለኹ፤ ተስፋ እገብር ዘይሻራውያን ኣካላት ተሰዲዶም ነዚ ኹሉ ነገራት ከጻርይዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ዶክተር
ቅድሚ ክልተ፡ ሰለስተ መዓልታት ናይቲ ኣብ ሑመራ ዝተኻየደ ደብዳብ ብጥይት ዝተሃረሙ ሰላማውያን ሰባት ይመጽኡና ነይሮም፤ እቲ ቁጽሪ ግን ብዙሕ ኣይነበረን።
እቲ ደብዳብ ካብ ወገን ኤርትራን ሰራዊት ፈደራልን ኣብ ልዕሊ ሑመራ ምስ ተኻየደ ግን እቲ ቁጽሪ ወሲኹ።
ኣብ ቅድሚ እቲ ሆስፒታል’ውን ከቢድ ብረት ይዓልብ ነይሩ።
ሕጂ እቶም ተሃሪሞም ዝመጽኡና ዝነበሩ ብምሉኦም ሰላማውያን ሰባት እዮም።
ኣብታ ደብዳብ ዝተኻደትላ መዓልቲ ኣብቲ ኣነ ዝሕክመሉ ዝነበርኩ ‘ዋርድ’፡ ኣስታተ 200 ዝኾኑ ብኸቢድ ብረት ዝተሃረሙ መጺኦሙና።
ካብኦም እቶም ኣስታት 50 ኣብ ኢድና ከይበጽሑ ገሊኦም’ውን ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሑ ሞይቶም።
መንእሰያት ነቶም ብኸቢድ ብረት ዝተሃረሞ ብባጃጅ (ሰለስተ እግረን ከም ታክሲ ዘገልግላ ሞተር ብሽክለታ) ጽዒኖም እዮም ናብቲ ሆስፒታል ዘምጽእዎም ነይሮም።
ሕጽረት ዓራውቲ ስለ ዘጋጠመና ገለ ካብቶም ብደብዳብ ዝተሃረሙ ኣብ መሬት ነደቅሶም ነይርና፤ ኣብ ደገ ዝደቀሱ’ውን ነይሮም።
ቅድሚ እቲ ኵናት ኣስታት 200 ዝኾኑ ሕሙማት ነይሮሙና። ዝበዝሑ ካብዚኦም ዓራቶም ነቶም ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዝቆሰሉ ገዲፎምሎም ንዓና ኣብ ምሕጋዝ ኣትዮም።
ከም ዶኳትር ህይወት እቶም ዝተሃረሙ ንምድሓን ዋላ ሓንቲ ክንገብር ኣይከኣልናን።
ኣብ ባንኪ ደም ደም ኣይነበረናን፡ እቶም ብኸቢድ ብረት ተሃሪሞም ዝመጽኡና ኸኣ ብዙሓት እዮም።
ስለዚ እቲ መሰረታዊ ዝኾነ ቀዳማይ ረዲኤት ጥራይ ኢና ክንግብረሎም ንኽእል ነይርና።
ሰባት ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይሞቱ ነይሮም፡ ክሳብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ኸኣ ብኸምዚ ኣገባብ ቀጺልና።
እቲ ዝነበርናዮ ቦታ ድሑን ከምዘይኮነ ምስ ተረዳኣና ናብ ኣደባይ ክንከይድ ወሲንና። ገለ ድማ ኣብ ዘለውዎ ክጸንሑ ወሲኖም።
ኣነ ናብ ኣደባይ እየ ክኸይድ ወሲነ፤ መጓዓዝያ ኣዳሊና ንገለ ካብቶም ብኸቢድ ብረት ዝተሃረሙ ምሳና ወሲድናዮም።
ካብቶም ምሳና ናብ ኣደባይ ዝኸዱ ሽዱሽተ ዝተወግኡ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነይሮም።
ንጽባሓይቱ ካብ ንጉሆ ጀሚርና ኣብ ኣደባይ ዝርከብ ክሊኒክ ክንሕክም ምስ ጀመርና ካልኦት 10 ካብ ሑመራ ዝመጽኡ ሕሙማት መጺኦም።
ኣብዚ ግዜ፡ ካብ ሑመራ ወዳ ሒዝዋ ዝመጽአ ሓንቲ ኣደ ነይራ። ኣብ ከብዳ ተሃሪማ፡ ደም እናፈሰሳ መዓናጡኡ ንደገ ወጸኡ ጠልጠል ይብል ነይሩ።
ወዳ ብሞተር ብሽክለታ እዩ ሒዝዋ ናብ ኣደባይ መጺኡ፤ ቀዳማይ ረዲኤት ገይረላ፤ ሕጂ ግን ብህይወት ትሃሉ ኣይትሃሉ ዝፈልጦ ነገር የለን።
ነቶም ሕሙማትን ዝተሃረሙን ንሰለስተ መዓልታት ተኸናኺንናዮም። ብድሕሪ እዚ ግን ኣብ ኣደባይ ዝፍፈም መጥቃዕቲ በርቲዑ ክንሰርህ ኣይክኣልናን።
ሰራዊት ፈደራል'ውን ናብቲ ክሊኒክ መጺኦም ነቶም ንሕክሞም ዝነበርና ወተሃደራቶም ወሲደሞም።
እቶም ወተሃደራት ፈደራል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ነበርቲ ኣደባይ ክትኩሱ ጀሚሮም። እዚ ምስ ተጀመረ ሃዲምና ናብ ጥቃ ኣደናይ ናብ ዘሎ በረኻ ኢና ከይድና።
ናይ ምሸት ተሓቢእና እናኣተና ነቶም ሕሙማትን ብጥይት ዝተወግኡን ንሕክሞም ነይርና።
ኣብ ሓሙሻይ መዓልቲ፡ እቲ ኩነታት እናተረረ ስለ ዝኸደ ናብ ሱዳን ክንሰግር ተገዲድና፤ ነቲ ካብ ሑመራ ዘምጻእናዩ ጸረ ረኽሲ ነቶም ኣብ ኣደባይ ዝነበሩ ሰለስተ ሓካይም ገዲፍናሎም ናብ ሱዳን ሰጊርና።
‘ዝተቆረጸ ኢድ”
ገለ ሰባት ናብ ሱዳን ንኽሰግሩ ኣርባዕተ መዓልታት እዩ ወሲድሎም።
ኣነ ግን ዕድለኛ ኮይነ ሓደ ብዓል ሞተር ብሽክለታ ይፈልጥ ስለ ዝነበርኩ ንዓይን ንብዓልቲ ቤተይን ብሞተር ብሽክለታ ገይሩ ናብ ዶብ ሱዳን ኣብጺሕና።
ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልትን ፈረቓን ጉዕዞ ናብ ሓምዳይት በጺሕና።
ናብ ሓምዳይት ምስ በጻሕና፡ ሓደ ኢዱ ዝተቆረጸን፡ ኣብ ርእሱ ብኸቢድ ዝተሃረመን መንእሰይ ኣጋጢሙኒ።
እቲ መንእሰይ ነባሪ ማይ ካድራ ምዃኑ ነጊሩኒ (ማይ ካድራ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ጃምላዊ ቅትለት ተፊጺሙላ እትብሃል ከተማ እያ)፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ኸኣ መድሃኒት ሂበዮ።
ኣብዚ ቦታ ብዙሓት ሰባት እየ ርእየ።
ኩሎም ክኣ ትግራዎት እዮም፤ እቶም ከቢድ ማህረምቲ ዝነበሮም ከኣ ካብ ማይ ካድራ እዮም።
እንተኾነ እኹል ናውቲ ሕክማና ስለ ዘይነበረኒ ከምቲ ዝድለ ክሕግዞም ኣይክኣልኩን።
ሕጂ ናብ ኡም ሮኮባ ዝተብሃለ መዓስከር ስደተኛታት ግዒዘ ኣለኹ።
እዚ ቦታ ካብ ሓምዳይት ብመኪና ሸሞንተ ሰዓታት ይወስድ። ኣብዚ ንዝሓመሙ ሱዳናውያን ስደተኛታትን ይሕክም ኣለኹ።
እቶም ዝበዝሑ ተሓከምቲ ውጽኣትን ረክሲ ኣፍ ልብን እዩ ዘለዎም።
ከም በዓል ሞያ ሕክምና፡ ንህዝብና ክንሕክም ኢና ኢልና ኢና ቃል ኣቲና።
እቶም ኣብ ዓዲ ንድሕሪት ዝገደፍክዎም ተሓካምቲ ክዝክር እንከለኹ ግን ቃንዛ እዩ ዝገብረለይ።
ገለ ካብቶም ተሓከምቲ መዓልታዊ ሓገዝ ናይ ኦክስጅን ዘድልዮም ዝነበሩ እዮም፤ ገለ ብጥይት ዝተሃረሙ ጥዑይ ሕክምና የድልዮም ነይሩ።
ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ምስ ሞት ኢና ገዲፍናዮም መጺእና።
ኣብ ውሽጠይ ሕማቕ ይስምዓኒ ኣሎ፤ ዓቢ ጌጋ ዝፈጸምኩ ኮይኑ ይስምዓኒ፤ ዓቢ ጽቕጢ’ውን ፈጢርለይ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







