ኣብ ትግራይ 'ልዕልነት ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ክኽበር' ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ

ምንጪ ስእሊ, UNTV via AP

መግለጺ ስእሊ, ዋና ጸሓፊ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ከምዝተሻቀለ ብምግላጽ፡ ልዕልና ሕጊን ሰብኣዊ መሰላትን ክኽበር ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ፡ ”ልዕልና ሕጊ ብቕልጡፍ ናብ ዝነበሮ ክምለስ፤ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተኸበሩ ክረጋገጽ፤ ህዝባዊ ኣገልግሎታት መሊሶም ስራሕ ክጅምሩን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገለ ገደብ ክበጽሑን ኣለዎም” ኢሉ።

ማሕበራዊ ሓድነት ክጠናኸርን ንኹሉ ዘሳተፈ ዕርቂ ሰላም ክወርድ ከምዝግባእን ድማ ተማሕጺኑ።

ሕቡራት ሃገራት: ኣብ እዋናዊ ጎንጺ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝወስዶ ተበግሶ ንምድጋፍ ድልው ከምዝኾነ እቲ ዋና ጸሓፊ ኣረጋጊጹ’ሎ።

“ንስደተኛታት፣ ተፈናቐልትን ካልኦት ኣብ ሽግር ዝርከቡ ሰባትን ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሖም ኣብ ምትሕብባር ብምሉእ ዓቕምና ድልዋት ኢና” ክብል ድማ ኣፍሊጡ።

እቲ ዋና ጸሓፊ ምስ ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ዞባዊ መራሕትን ኣብ ዝገበሮም ዝርርባት ነዞም መልእኽትታት ከሕልፍ ምጽንሑ እቲ ትማሊ ዝተዘርግሐ ሓጺር መግለጺ የዘኻኽር።

ብተወሳኺ’ውን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ነዚ መልእኽቲ ከም ዘሕለፈ እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።

ምኽትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳን ወኪል ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳን ጆሴፍ ቦሬል ብወገኑ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ዝምችእ ኩነታት ክህሉ ጸዊዑ’ሎ።

ኣብቲ ክልል ስልክን ኢንተርኔትን ሓዊሱ ዝኾነ መገዲ መራኸቢ ምስተዓጽወ እንትኸውን፤ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዛጊድ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ከም ዝተመዛበሉ ይዝረብ።

ልዕሊ 50 ሽሕ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም።

ኩሎም እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ከምዝርከቡ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ ምርጫ ኣካይዱ።

ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።

ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ