'ህዝብና ካብቲ ዝተኣወጆ ኲናት ምክልኻልና ክንቅጽል ኢና' ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ፋንታ ማንደፍሮ

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ፋንታ ማንደፍሮ

ቢቢሲ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ፋንታ ማንደፍሮ፡ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ጻንሒት ገይሩ ኣሎ፡፡ እዚ ቃለ መሕተት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ''ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ክወስዱ መደብ ተሓንጺጹ' ዝብል መግለጺ ቅድሚ ምሃቡ እዩ ተኻይዱ፡፡

እቲ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝተፈናቐሉ ሰባት ከምዘለዉ ዝሓበረ ኮይኑ ማሕበረሰብ ዓለምን መራኸቢ ሓፋሽን ኣድልዎ ይገብሩ ኣለዉ ክብል ከሲሱ፡፡

ሙሉእ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ቢበሲ፡ እቲ ኲናት ኣብ ክንደይ ግንባራት እዩ ዝካየድ ዘሎ?

ዶ/ር ፋንታ፡ እቲ ኲናት ኣብ ኩሎም ንክልል ኣምሓራ ምስ ክልል ትግራይ ዘዋስኑ ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ናብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራ ኣትዩ እዩ ዝካየድ ዘሎ፡፡ ብኣንፈት ሰሜን ካብ ጸለምቲ ጀሚሩ ክሳብ ወሰን ዓፋር ይበጽሕ፡፡ ብዙሕ ኪሎሜትር ዝሽፍን ውግእ እዩ ዝካየድ ዘሎ፡፡

ቢቢሲ፡ ኩነታት እቲ ኲናት ከመይ ትገልጾ?

ዶ/ር ፋንታ፡ ህወሓት ሙሉእ ወራር እዩ ዝፍጽመልና ዘሎ፡፡ ብኹሎም ግንባራት ዘይተገደበ መጥቃዕቲ እዩ ዝፍጽም ዘሎ፡፡ ነቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ብዝቃረን መልክዕ እዩ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዘሎ፡፡ ዜጋታት ካብ ጎንጽን ሞትን ንምህዳም መዓልታዊ ይስደዱ ኣለዉ፡፡

ቢቢሲ፡ ሕጂ ውግእ ከምዘሎ ነጊርካና ኣለኻ፤ እቲ 'ተኹሲ ደው ምባል' ኣሎ ክንብል ንኽእል ዲና?

ዶ/ር ፋንታ፡ መጀመርታ መንግስቲ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ እዩ ገይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ህወሓት ብዘይምቁራጽ መጥቃዕትን ጨፍጫፍን እንትፍጽም ኣበይ እዩ ደው ዝብል? ዜጋታት ኣብ ጠላዕ ቀትሪ ይጭፍጨፉ ኣለዉ።

እቲ ደው ምባል ተኹሲ ክኽበር ነይሩዎ፡፡ መንግስቲ ናይ ምክልኻል ስራሕ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡፡ ዜጋታታትና ንከላኸል ኢና ዘለና፡፡ ከብኡ ዝበዝሕ ወይ ዝንእስ ነገር ኣይኮናን እንገብር ዘለና፡፡

ቢቢሲ፡ እዚ ዓይነት ኣካይዳ እንተቐጺሉ ዝቕየር ነገር ይህሉዶ? ምስ ህወሓት ንምልዛብ?

ዶ/ር ፋንታ፡ እቲ ለውጢ ክመጽእ እንጽበዮ ብወገን ህወሓት እዩ፡፡ ነቲ ተኹሲ ደው ምባል ከኽብር ኣለዎ፡፡ ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ንምዝርራብ እውን እንተኾነ መጀመርታ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ተኸቢሩ ናይ ሰላም ግዜ ክህልው ኣለዎ፡፡ ሰባት እናሞቱን እናተጨፍጨፉን ግን ከምኡ ክኸውን ኣይኽእልን፡፡

ናይ ምርኣይ ድልየት እንተሃልዩዎ ኣብዚ እዋን ኣደታት ኣብ ዝናብ እየን ዝወልዳ ዘለዋ፡፡ ከምዝርዳኒ ከማኹም ዓይነት ዓለም ለኻዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ድምጺ ንዘይብሎም ድምጺ ክኾኑዎም ይግባእ፡፡ ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ከምኡ ኣይንርእይን ዘለና፡፡ ብርግጽ እዞም ብራኸብቲ ብዙሃን ድምጾም ንዘስምዑ ጥራሕ እዮም ኮይኖም ዘለዉ፡፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝን ተግባር እዩ፡፡

ኣብዚ እንዘራረበሉ ዘለና እዋን ዜጋታት ብዘይ ምቁራጽ ካብ ከባቢኦም ይፈናቐሉ እዮም ዘለዉ፡፡ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ተፈናቐልቲ ኢና እነተኣናግድ ዘለና፡፡ ኣብቲ ከምብሓድሽ ዝተወለዐ ኲናት ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ካብ ትውልዲ ከባቢኦም ተፈናቒሎም እዮም፡፡ ስለዚ ዘተ ንምክያድ እውን እንተኾነ እቲ ብሕታዊ መንገዲ፡ ነቲ ዝተኣወጀ ተኵሲ ደው ምባል ምኽባር እዩ፡፡

ቢቢሲ፡ ህወሓት ዘቐመጦም ቅድመ ኩነታት እንድሕር ዘይተማሊኦም ተኹሲ ደው ከምዘየብል ገሊጹ እዩ፡፡ ንስኻትኩም መልስኹም እንታይ እዩ?

ዶ/ር ፋንታ፡ እቲ ዝሓተትካኒ ሕቶ ባዕልኻ መሊስካዮ ኢኻ፡፡ ዜጋታት እናተጨፍጨፉን እናተፈናቐሉን ስቕ ኢልና ተኹሲ ደው ከነብል ከምዘለና እትሓስብ ኣይመስለንን፡፡ እቲ ብሕታዊ መንገዲ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ነቲ ተኹሲ ደው ምባል ክቕበሉ ኣለዎም፡፡

ቢቢሲ፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ተፈናቐልቲ ከምዘለዉኹም ነጊርካና ኢኻ፤ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ትገብሩሎም ኣለኹም?

ዶ/ር ፋንታ፡ ምስ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘራረብ ኣለና፡፡ ትካላት ረድኤት ንተፈናቐልቲ ማዕረ ትኹረት ኣይህቡን ዘለዉ፡፡ ካብቲ ዘምህሮ ዝነበርኩን ዘለኒ ፍልጠትን ብዝቃረን መልክዑ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ኣድልዎ ይርእይ ኣለኹ፡፡

ተፈናቐልቲ ኣምሓራ ግቡእ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይበጽሖምን ዘሎ፡፡ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ እኹል ኣይኮነን፡፡ ረድኤት ምስዘቕርቡ ትካላት ተዘራሪብና ኢና፡፡ ፍትሓዊ ዝኾነ ቀረብ ከምዘየለ ኣረዲእናዮም ኢና፡፡ እንተኾነ ዛጊት ዝተቐየረ ነገር የለን፡፡ እዚ ክሳብ ዝስተኻኸል ንጽበ ኣለና።

ቢቢሲ፡ ብዙሓት መናእሰይ ናብ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ምክልኻልን ክጽንበሩ ንርእይ ኣለና፡፡ ብቑጽሪ ከንደይ ዝኣክል ክጽምበር ይኽእል? እዚ ኩነታትከ ኣብ ቅርጺ እቲ ኲናት እንታይ ለውጢ ከምጽእ እዩ?

ዶ/ር ፋንታ፡ ንመላእ ህዝብና ጸዊዕና እዩ፡፡ እዚ ነብሲ ወከፍ ዜጋ ንባዕሉ ክከላኸል ዝተገበረ ጻውዒት እዩ፡፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝኣወጀ ኲናት ኣይኮነን፡፡ ንባዕልኻ ናይ ምክልኻል ጻውዒት እዩ፡፡ ስለዚ ንሓድሕድ ዜጋ ጻውዒት ስለዝገበርና ክንድዚ ክብለካ ኣይክእልን፡፡ ምናልባት ብሚልዮናት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

ቢቢሲ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብፍላይ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ይውጽኡ ኢሎም እዮም፡፡ ናታትኩም ምላሽ እንታይ እዩ?

ዶ/ር ፋንታ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ኣምሓራ ሓይሊ ዝበሃል የለን፡፡ እቶም ዘለዉ ናይ መንግስቲ ፌደራል ሰራዊት ምክልኻልን ናይ ኣምሓራ ክልል ሓዊሱ ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ እዮም፡፡ ኣብ ኩሉ ከባቢ ዝተዋፈረ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ እዚ መንግስቲ ፌደራል ዝምራሕ እዩ፡፡

ቢቢሲ፡ እዚ ኲናት ኣዘራራቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ፡፡ ብፍላይ ዝተፈላለዩ ክሲታት ይቐርቡ እዮም እሞ ንማሕበረሰብ ዓለም እትብልዎ ነገር ኣሎዶ?

ዶ/ር ፋንታ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘለኒ መልእኽቲ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ መንነቶም ብዘየገድስ፡ ኣካል እቲ ኲናት ዘይኮኑ ግን ድማ ኣብ ከይዲ ዝጉድኡ ንጹሃት ዜጋታት ፍትሓዊ ሓገዝ ከቕርብ ኣለዎ፡፡ ናይ ሓደ ወገን ድምጺ ጥራሕ ሰሚዕካ ነገራት ካብ ምጉህሃር ናይ ኩሎም ኣካላት ድምጺ ምስማዕ ግቡእ እዩ፡፡

መንግስታት ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ክስምዑ ይግባእ፤ ካብ ጎንጺ ዝርከብ ትርፊ የለን፡፡ ስለዚ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ሓደ ኣካል እቲ ጎንጺ ጥራሕ ብምስማዕ ንኢትዮጵያ ክሕግዛ ኣይኽእልን፡፡ ማእከል ክሕዙ ኣለዎም፡፡ ድምጾም ንዘይስማዕ ሰባት ድምጺ ምዃን ኣድላዪ እዩ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ብጩቕ ኣይበለን፡፡ እዚ ከም ሰብ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡፡ ብህወሓት ተጨፍጪፎም እናሃለዉ ስቕ ክበሃሉ ዘሕዝን እዩ፡፡ ብዛዕባ ኣብ ሰሜን ወሎ፣ ሰሜን ጎንደር፣ ዋግ ኽምራን ክልል ዓፋርን ዝፈናቐሉ ዜጋታት ዝብልዎ ነገር የለን፡፡ እዚ እንታይ ማለት እዩ? ብሓቂ ንኢትዮጵያ ዝጭነቑ እንተኾይኖም ኣብቲ ዝህብዎ መግለጺታት ክጥንቀቑ ኣለዎም፡፡

ሓደ ሓደ ግዘ ብማሕበረ ሰብ ዓለምን መራኸቢ ብዙሓንን ዝወሃቡ መደምደምታታት ኣዝዮም ዘሕዝኑ እዮም፡፡ ምኽንያቱ ዝኾነ ዓይነት ምጽራይ እንተይገበሩ ናይ ባዕሎም ድምዳመ ይህቡ እዮም፡፡ እዚ ነቶም ግዳያት ካልእ ጉድኣት እዩ፡፡

ቢቢሲ፡ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ዜጋታት ካበይ ካበይ እዮም ተፈናቒሎም?

ዶ/ር ፋንታ፡ ኣብ ጸብጻብኩም ምክታቱ እኳ እንተዘይፈለጥኩ፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢትን ሚያዝያን ኣብ ሰሜን ሽዋን ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ኦሮሞን ሰባት ተፈናቒሎም እዮም፤ ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ጎጃም፣ ኣብ ደቡብ ጎንደር፣ ሰሜንን ደቡብን ወሎ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝለዓሎ ጎንጺታት ተፈናቒሎም ይርከቡ፡፡

እቲ ዘሕዝን ድማ ናይ ዕድል ጉዳይ ኮይኑ ማሕበረሰብ ዓለም ነዞም ወገናት ድምጺ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም በዚ ደረጃ ናይ ዝተመረጹ ወገናት ጥራሕ ድምጺ ምዃኑ የተሓሳስበኒ፡፡ እዚ ካብቲ ዝፈልጦን ብመንጽር መትከል ክኸውን ዝግበኦን 'ሎጂክ' እንክረአ ዘጨንቕ እዩ፡፡

ቢቢሲ፡ ኣብ ከባቢ ወልቃይት ተወለድቲ ትግራይ ተፈናቒሎም፣መጥቃዕቲ ይፍጸሞም እዩ ብፍላይ ተቐቲሎም ኣስከሬኖም ናብ ሩባ ተከዘ ተደርብዩ ዝብል ክሲ ይቐርብ እዩ፡፡ ምላሽኩም እንታይ እዩ?

ዶ/ር ፋንታ፡ (ህወሓት)ብከምዚ ዓይነት ድራማ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ናይ ባዕሉ ዜጋታት ብምቕታል ዝፍለጥን ዝሰልጠነን እዩ፡፡ ስለዚ እዚ ሓደ ኣካል እቲ ድራማ ከምዝኾነ እየ ዝጥርጥር፡፡

ቢቢሲ፡ እዚ ጎንጺ ካብ ዝጅመር ትሸዓተ ወርሒ ይገብር ኣሎ፡፡ ኣብ ብዙሕ ዓውዲ እውን ጽልዋ ነይሩዎ፡፡ እዚ ጎንጺ ኣብ ሓጺር እዋን ደው ዝብለሉ መንገዲ ኣሎ ኢልካዶ ትኣምን?

ዶ/ር ፋንታ፡ እንታይ ኮይኑ መፍትሒ ዘይህልዎ? ኣብ ዓለም ዘይከኣል ነገር የለን፡፡ ዘይከኣል እንገብሮ ተሳተፍቲ እቲ ጎንጺ ኢና፡፡ማሕበረ ሰብ ዓለም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቕረበት እንተሰሪሑን ህወሓት ሰላማዊ ኣማራጺታት ክርእይ እንተሓቲቱን እቲ ጸገም ዘይፍተሐሉ መገዲ ክህሉ ኣይኽእልን፡፡

እዚ ክኸውን ዝኽእል ማሕበረ ሰብ ዓለም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እንትሕግዝን ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝዓቕሞም ጸቕጢ ምፍጣር እንትኽእሉን እዩ፡፡ መጀመርታ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡ እውን ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ዝኣወጆ ኲናት ደው ከብል ኣለዎ፡፡ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ኩሉ ነገር ክንብር ኢና እዮም ዝብሉና ዘለዉ፡፡

ማሕበረ ሰብ ዓለም ግን እዚ እናረኣየ ስቕታ እዩ መሪጹ፡፡ ሕጂ ዘይዝክሮ ሓደ ዓለም ለኻዊ ትካል ኣብዚ ሰሙን ነቲ ሓቂ ተዛሪቡ እዩ፡፡ እዚ ጽቡቕ ጅማሮ እዩ፡፡ ካብ ጸገማት ዘውጸአና ብሕታዊ መንገዲ ሓቂ ጥራሕ እዩ፡፡

ቢቢሲ፡ ህወሓት ኣብ ቀረባ እዋን ተኹሲ ደው ኣቢሉ ናብ ዘተ ክመጽእ ይኽእል እዩ ኢልካ ትሓስብዶ?

ዶ/ር ፋንቱ፡ ኣብ ናይ ህወሓት ቦታ ኮይነ ክዛረብ ኣይክእልን፡፡ ህወሓት ብብግዚኡ እዩ ሓሳቡ ዝቐያይር፡፡ እዚ ናቶም ጉዳይ እዩ፡፡

ቢቢሲ፡ ህወሓት ውግእ እንተቐጺሉ እንታይ ኢኹም ክትገብሩ?

ዶ/ር ፋንቱ፡ ህዝብና ካብቲ ዝተኣወጆ ኲናት ምክልኻልና ክንቅጽል ኢና፡፡ ዘለና ብሕታዊ መማረጺ ንሱ እዩ፡፡ ዋላኳ ማሕበረሰብ ዓለም ስቕ እንተበለ፡ ህወሓት ኣብ ልዕሌና ኲናት ከምዝኣወጀ ዕላዊ ገይሩ እዩ፡፡

ህወሓት ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ክሳብ ሲኦል ከምዝኸይድ ነጊሩና እዩ፡፡ እዚ ስቕ ኢልና ኣይክንርእዮን፡፡ ንስኻኸ ከም ጋዜጠኛ በዚ መጠን ኣብ ልዕሊ ህዝብና መጥቃዕቲ ዝፍጽም፣ ዘፈናቕልን ዘይተገደበ ናይ ሕነ ምፍዳይ ድልየቱ ዝፍጽምን ኣካል እንታይ ክንብሎ ትሓተኒ ኣለኻ? እዚ ማሕረሰብ ዓለም ይግንዘቦ እዩ፤ ግን ምንም ኣይብልን፡፡