ትግራይ፡ ሳምንታ ፓወር ትካላት ረድኤት ዝሓዙዎ መግቢ ይውዳእ ከምዘሎ ኣፍሊጣ

ሬድኤት ዝጸዓና መኻይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓላፊት ትካል ረድኤት ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ሳማንታ ፓወር፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ትሸዓተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ትካላት ረድኤት ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ዘቕርቡዎ መግቢ ይውዳእ ምህላው ኣፍሊጣ።

ብሽም ሳማንታ ፓወር ዝወጽአ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብታ ኣማኢት ኣሽሓት ንሓደጋ ዓጸጾ ተቓሊዖምላ ዘለው ትግራይ ዘለው ትካላት ረድኤት ዩኤስኤይድን ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ትግራይ ዘሎ መኽዝኖም ጥርሑ ተሪፉ ክብሃል ኣብ ዝክእል ደረጃ በጺሖም ኣለው።

እዚ ሕጽረት ረድኤት፡ መግቢ ብዘይምህላዩ ዘጋጠመ ዘይኮነስ "መንግስቲ ኢትዮጵያ መገዲ ኣየርን ካልኦት መስመራትን ሓዊሱ ንሰራሕተኛታት ረድኤትን ቐረብን ብምትዕንቓፍ'ዩ" ተፈጢሩ ክብል እቲ መግለጺ ይኸስስ።

ስለ ዝኾነ ድማ ህይወት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንምድሓን ብቕልጡፍ ቀረብ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ መንግስቲ ብህጹጽ መገዲ ክፈቅድ ኣለዎ ክብል ሓቲቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ውሑድ መጠን ረድኤት ናብ ትግራይ ክአቱ ከም ዝተፈቕደ ዘዘኻኸረ እቲ መግለጺ፡ ሕጂ'ውን ረድኤት ዝጽዓና መካይን ኣብ ዓፋርን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ይጽበያ ምህላወን ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኮነ ኢሉ ሰብኣዊ ረድኤት ዓጽዩ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ።

ውሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብሌኔ ስዩም ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ዝጽዓና ሚካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ክፈቅድ ከምዝጸንሐ ብምሕባር ጉዳይ ጸጥታ ግን "ቀዳመነት ዝውሃቦን ሕድገት ዘይግበረሉን'ዩ" ኢላ።

እታ ውሃቢት ቃል ብምስዓብ "እቲ ከባቢ ተኣፋፊ ቦታ እዩ ኮይኑ ዘሎ ስለዚ [ኣብኡ] ቀጻሊ ናይ ፈታሽ መስርሕ ክህሉ እዩ" ኢላ።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጠለብ ሰብኣዊ ረድኤት ንምምላእ መዓልታዊ 100 መግብን ካልኦት ቐረባትን ዝጽኣና መካይን እንተዝኣትዋ ነይረን ኣብ ወርሒ ሓምለ ብጠቕላላ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ መካይን ክኣትዋ ምተገብረ ነይሩ ብምባል ክሳብ ሕጂ ግን 320 መካይን ጥራሕ ረድኤት ጽዒነን ከም ዝኣተዋ ሓቢሩ።

ሳማንታ ፓወር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሩት መጠን ዘለዎ ቐረብ መግቢ ንክጉዓዓዝ ብቕልጡፍ ክንቀሳቐስ ምግባሩ እወንታዊ ከም ዝኾነ ብምግላጽ እንተኾነ እቲ ቐረብ ኣዝዩ ውሑድን ዝዘንግዐን እዩ ኢሉ።

መንግስቲ አታ ሃገር ናብ ትግራይ ረድኤት ክኣቱ ምፍቃዱ ብተደጋጋሚ ክገልጽ እንከሎ ናብቲ ኣንጻር ሰራዊ መንግስገቲ ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ኣጽዋር ንከይኣቱ ዝዓለመ ጥቡቕ ክትትል ይገብር ምህላው ይገልጽ።

ኣብ ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ዝተላዕለ ኲናት ሕጂ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒኹ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እተን ክልላት ይካየድ ከም ዘሎ ይግለጽ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ክልቲአን ክልላት'ውን ብኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ክመዛበሉ እንከለው ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይፍጠር ተሰጊኡ ይርከብ።

ሳማንታ ፓወር'ውን ኣብ መግለጺኣ ሓይልታት ትግራይ ዝፍጽሙዎ ዘለው መጥቃዕቲ ጠጠው ኣቢሎም ካብቶም ዝኣተውሎም ክልላት ክወጽኡ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን'ውን ካብ ዝሓዙዎም ከባቢታት ትግራይ ክወጽኡ ሓቲታ ኣላ።

እታ ሓላፊት ኣብዚ ወርሒ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምዝታይ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብምኻድ ምስ ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝተዘራረበት ይዝከር።

line

እቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜን እዝ ምጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ፤ ንዕኡ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ወፍሪ ሕጊ ምክባር ዝበሎ ወተሃደራዊ መፍሪ ብእዋጁ ኣብታ ክልል ዝጀመረ ኵናት ኣብዚ እዋን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ይርከብ።

ቅድሚ እቲ ኵናት ምጅማሩ ኣብ ሞንጎ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ንዝቀጸለ ኣስታት 30 ዓመታት ህወሓት ንውድብ ኢህወደግ ብላዕለዋይ ኢድን ብዓብላልነትን ዝመርሖ ዝነበረ ውድብ እዩ። ኣብ 2018 ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ሓይሊ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ተደሪቱ ተሪፉ።

ኣብ 2019 ሽልማት ኖብል ሰላም ዝተሸለመ ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ዘካይዶ ዝነበረ ለውጢ ብወገን ህወሓት ዕንቅፋት የጋጥሞ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ።

ድሕሪ ምጅማር ኵናቶ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ እዩ ኣእትይዎ። ህወሓት ግን ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተመረጸ ሕጋዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።