ስርዓታት ስለምንታይ እዮም ግን ኣብ እዋን ኵናት ንሰላማውያን ሰባት ግዳይ ዝገብሩዎም?

ዶብ ዛለበሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላውን ዝሰዓበ ተረኽቦን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ዓሌታዊ ጸቕጥን መጥቃዕትን ይበጽሓና ኣሎ ይብሉ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ኣስገዳድ ሽርበት ፈጺሞም ክትብል ዳይረክተር ሂዩማን ራይት ዎች ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲትያ ባደር ገሊጻ ነይራ።

"መንግስቲ [ፈደራል] ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዓሌታዊ ጥርጣረ ዘካይዶ ዘሎ ማእሰርትን ሽርበትን ደው ከብሎን ሃለዋት ናይቶም ሒዙዎም ዘሎ ግዳያት ክገልጽን ይግባእ" ከኣ ኢላ።

በዚ መሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃለዋት ናይቶም ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ከፍልጥን እቶም ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ዝተኣሰሩ ክፍትሑን ሓቲታ።

ብዛዕባ እዚ፡ ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ ነይሩ እዩ።

ይኹን'ምበር መንግስቲ ብምኽንያት መንነቱ ዝተኣሰረ ይኹን ምክልባት ዘጋጠሞ ሰብ ከምዘየለ ብምግላጽ እቶም ዝተኣሰሩ "ናይቲ ዓማጺ ጉጅለ ህወሓት ዕላማ ብምድጋፍ ኣብ ዝተፈላለየ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክንቀሳቐሱ ዝተረኸቡ'ዮም" ብምባል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ግጭታት ኣብ ዝልዓልሉ ብተደጋጋሚ መንነት ዕላማ ዝገበረ ምክልባታት ክረአ ምጽንሑ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት "ካብ ካልእ ክልላት ዝመጽኡ" ኣብ ዝብሃሉ ዜጋታት ብጉጅለ፡ ብውቀሰባት ሓደ ሓደ ግዜ'ውን ብኣካላት ጸጥታ መንግስቲ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትታት ብተደጋጋሚ ዝርአ ክስተት እዩ።

በዚ ምኽንያት ሓያለ ሰባት ተቐቲሎም፡ ንብረቶም ተዘሚቱን ተፈናቒሎምን እዮም።

እዚ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ህወሓት ብዝመርሖ ምሕደራ ኢሂወደግ ተወጺዕናን ተወጊንናን ዝብል ስምዒት ዘሕደሩ መንእሰያት ቄሮን ፋኖን፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝወደቡሉ እዋን ከምዝጀመረን ብዙሓት ተጋሩ፡ ክነብርሉ ኣብ ዝጸንሑ ክፋላት ኢትዮጵያ ግዳይ ከምዝኾኑን ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ዶክተር ኣቢይ ኣብ ኣደራሽ መቐለ 'ቂምን ጽልእን፡ ብዕርቅን ፍቕርን ክድበስ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ሰቡ ኣይረብሐን። ብዝሓለፈ ከይተጸባጸብና ሕጂ ንኢትዮጵያ ንምህናጽ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና' ምስበለ እቲ ኣበየ ቦትኡ ተጓሃሂሩ ዝነበረ ዓሌታዊ ግጭት ክሃድእ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዝሓደሮ ዶክተር ጋይም ይዛረብ።

እንተኾነ ኣብ መንጎ ህወሓትን ዶክተር ኣቢን ዝነበረ ዝምድና እናሓርፈፈ መጺኡ፡ 'ብኹሉ ሸነኽ ንኽበብ ኣሎና' ዝብል ስምዒት ዘሕደረ ህወሓት ብ04 ሕዳር ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ምስ ከፈተ እቲ ኩነታት ዝያዳ ተጓሃሂሩ።

ብድሕሪኡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ዝጸንሑ ተወለድቲ ትግራይ መኮንናት ካብ ስርሖም ኣልዩ፡ ንገሊኦም ኣሲሩ፡ ንዝተረፉ ከኣ ዕጥቆምን መዓርጎምን ኣረኪቦም ኣኣብ ቤቶም ክጸንሑ መምርሒ ኣመሓላሊፉ።

ካብ ሽዑ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባን ዝርከቡ ተጋሩ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ የጋጥሞም ከምዘሎ ብምግላጽ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣድህቦ ክገብረሎም ኣቤት ይብሉ ኣለው።

ስለምንታይ እዮም ግን ስርዓታት ኣብ እዋን ኵናት ንሰላማውያን ሰባት ግዳይ ዝገብሩዎም?

ኣብ ኵናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ 1998 - 2000 ልዕሊ 75 ሽሕ ምስ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ኢትዮጵያ፡ ተጋሩ፡ ኣምሓሩን ኦሮሞን ተዋሲቦም ቖልዑ ወሊዶም ንልዕሊ ሰለስተ ወለዶ ኣብ ኢትዮጵያ ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ንዓመታት ዘጥረዩዎ ሃብትን ንብረትን ተሓዲጎም ብጃምላ ተሰጒጎም።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ - ኢትዮጵያ ሓዳር መስሪቱ ንብረት ኣጥርዩ: ክነብር ዝጸንሐ ወናኒ ፋርማስን ምሁር ስነ ቅመማን ዳንኤል ተኽለ፡ ነቲ ሃንደበታዊ ናይ ምስጓግ ፍጻሜ ብሓዘን ይዝክሮ። ኣብታ "ዝናን ባህታን ናጽነትን ስቕታን" እትብል መጽሓፉ ከኣ ነቲ ፍጻሜ ብዝርዝር ሰኒዱዎ ይርከብ።

ዝናን ባህታን ናጽነትን ስቕታን እትብል መጽሓፉ

ምንጪ ስእሊ, Daniel Tekle

"ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ እዮም መጽኢሙና" ይብል ዳንኤል። "ማዕጾ ካንሸሎ ብሓይሊ ተዃሕኲሑ ምስከፈትኩዎም ኣባላት ጸጥታ ምዃኖም ዝሓበሩ ወተሃደራት ክሳብ መደቀሲየይ ደድሕረይ ኣትዮም፡ ሓደ ክልተ ቅያር ክዳን ክሕዝ ነጊሮሙኒ። ንእሽቶ ጓለይ ደቂሳ ስለዝነበረት ተንሲኣ ከይትስንብድ ብማለት ከምታ ዝበሉኒ ቅያር ሒዘ ክወጽእ ክብል ጓለይ ተንሲኣ ስድራ እናነብዓ ገዲፈየን ምሰኦም ከይደ" ክብል ነቲ ፍጻሜ ይዝክር።

ንጽባሒቱ ነቶም ኣብ ሓደ ኣደራሽ ዝኣከቡዎም ኤርትራውያን ክምዝግቡዎም ውዒሎም። እቲ ንዳንኤል ዝመዝገበ ኣባል ጸጥታ፡ "የማናይ ኢድና ቆሪጽና ንድርቢ ከምዘለና ይርድኣና እዩ። ሕልናይ ክቕበሎ ኣይከኣለን፡ ግን ስራሕ ኮይኑ መዝግብ ስለዝተበሃልኩ እምዝግብ ኣለኹ" ብምባል በቲ ተግባር ሕጉስ ዘይምዃኑ ከምዝሓበሮ ይዛረብ።

ንጽባሒቱ ኣብ ልዕሊ 30 ኣውቶቡሳት ተሰቒሎም ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኤርትራ ክነቕሉ እንከለው፡ ኣብቲ ጎደናታት ዝተሰርዑ ስድራ ቤትን አዕሩኽትን ተደናገጽትን፡ ኪኖ እቶም ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ወተሃደራት ኮይኖም ገሊኦም እናበኸዩ፡ አእዳዎም እናወዛዙ ተፋንዮሞም።

ኣብ ደሴ ምስኣተው ህዝቢ እታ ከተማ ነቶም ዝስጎጉ ዝነበሩ ምድንጋጹ ንምግላጽ ብእኽለ ማይ ተቐቢሉዎም። ግን ኩሉ ሰብ ካብ ስድራ ቤቱ ተፈልዩ ንብረቱ ዛሕ ዛሕ ኣቢሉ ይስጎግ ስለዝነበረ፡ ብኽቱር ሕርቃን ናብ እኽለ ማይ ዘድህብ ኣይነበረን።

ካብ ደሴ ንመቐለ ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ፡ እታ ዳንኤል ዝነበራ ኣውቶቡስ ኣብ ኣጻድፍ ኣላማጣ ምስ በጽሐት ባሌስትራ ስለዝሰበረት፡ ሓደጋ ከየጋጥም እቲ ኣውቲስታ ክዝውራ ከምዘይክእል እኳ እንተገለጸ ኣባላት ጸጥታ ናይ ግድን ስለዝበሉዎ ግን ብኽንደይ ግድል ነተን ኣብ መቐለ በጺሐን ዝጽበያ ዝነበራ ኣውቶቡሳት ኣርኪባተን።

ዳንኤል፡ ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣብ ጎደናታት ተሰሪዑ፡ ነቲ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝፍጽም ዝነበረ ታሪኻዊ በደል ይዕዘብ ከምዝነበረ ይዝክር። ኣብ ዓድዋ ንክልተ ለይቲ ክሓድሩ እንከለው ገለ ዓበይቲ ዓዲ "እንታይ ግብሪ እዩ ዝግበር ዘሎ፡ ነዚ ህዝቢ ጽልኡ ኣይትትከሉሉ፡ በጃኹም ድሕሪ ሕጂ በዚ ኸተማና ሰላማውያን ሰባት ኣይትስጎጉ" ኢሎም ዝብል ወረ ከምዝበጽሖም ይዝክር ዳንኤል።

"ኣብ ጉዕዞና እንተስ ንጽቡቕ እንተስ ንሕማቕ ካብ መንጎና ተተጸዊዖም ዝኸዱን ዘይተመልሱን ሰባት እውን ነይሮም እዮም" ይብል ዳንኤል ነቲ ኣብ መጽሓፉ ብዝርዝር ዘስፈሮ ዘሕዝን ዝበሎ ፍጻሜ ክትርኽ እንከሎ።

ብድሕሪኡ ብራማ ገይሮም ሩባ መረብ ሰጊሮም ንኤርትራ ምስ ኣተው፡ "እንቋዕ ደኣ መሬት ሃገርና ረገጽና እምበር ደጊም ሞት ከም ኣዳም" ኢሎም ኣብ ፈቐዶ ኣግራብ ሩፍ በሉ። ካብኡ ኣስማቶም ተመዝጊቦም፡ ብድሕሪኦም ዝገደፉዎም ቖልዓ ሰበይትን ንብረትን ኣመዝጊቦም፡ ነናብ ቤተሰቦም ናብ ከተማታት ዓዲዃላን መንደፈራን ኣስመራን ደቀምሓረን ካልእን ተጓዕዙ።

ካብ መንግስቲ ኤርትራኸ እንታይ ሓገዝ ተገይሩሎም

ነብሲ ወከፍ ተሰጒጉ ዝኣተወ ሰብ ድስቲ ኵስኩስትን 1,500 ናቕፋ ይወሃብ ነይሩ። ኩሉ እቲ ዝተሰጐ፡ መንግስትን ፋይናንሲያዊ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን፡ ንመትከሊ እግሪ ዝኸውን ልቓሕ ክህቡና እዮም ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበሮም ከም ዝሓሰቡዎ ኣይኮነሎም።

ሓደ መዓልቲ ይብል ዳንኤል፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ንኹሎም እቶም ዝተሰጐግና ኣብ ኣደራሽ ምምሕዳር ከተማ ኣኪቦም "ኣብ ኢትዮጵያ ብስራሕኩም ኣመስኪርኩም ኢኹም። ኣብዚ እውን ብስራሕኩም ከምእትዕወቱ እምነት ኣሎና። እንተኾነ መንግስቲ ካልእ ቀዳምነት ስለዘለዎ ክሕግዘኩም ኣይክእል እዩ" ብማለት ቁርጾም ከምዘፍለጡዎም ይዛረብ።

ድሕሪኡ፡ ፍቓድ ንግድ ኣብ ምውጻእ ንዘጋጠሞ፡ "ንመን ትፈልጥን መን ይፈልጠካን" ዝዓይነቱ ርኡይ ብልሽውና ብዙሕ ከምዘድከሞ፡ ፍቓድ ንግድ ተዋሂቡ ፋርማሲ ምስ ከፈተ ኣብ ዑቕር ሰራዊት ክኸትት ተጸዊዑ ኣብ ሃገራዊ ግዴታ ዘሕለፎ ከቢድ እዋን ኣይረሰዖን ዳንኤል። ዕድል ገይሩ ግን ብፋሕተርተሩ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ምስ ረኸበ፡ ካብ ሃገር መውጽኢ ቪዛ ንኽረክብ ንኣዋርሕ ኮለል ድሕሪ ምባል ተፈቒዱሉ ካብ ኤርትራ ወጺኡ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ምስ ስድራ-ቤቱ ይነብር ኣሎ።

እቲ ትማል ንሱ ዝሓለፎን እዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ነናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይነት እኳ እንተለዎ፡ ኣብ ልዕሊ ታጋሩ አሕዋት ይኹን ማንም ካልእ ዓሌት ዝኾነ ይኹን ግፍዒ ከጋጥም የብሉን። "ኣብ ዝኾነ ቦታን ክልልን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህዝብን ቖልዓ ሰበይትን ዘጋጥም ግፍዒ ክውገዝ እዩ ዝግበኦ" ይብል ዳንኤል።

ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ሽግራትን

ዶክተር ጋይም እውን፡ ኣብ ኵናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ 1998-2000 ብዙሓት ሰብ ሃብትን ጸጋን ኤርትራውያን፡ ገሊኦም ቅያር ክዳን ከየልዓሉ፡ ከካብ መዳቕሶም ተገፊፎም ንዓመታት ጽዒሮም ርሂጾም ዘጥረዩዎ ንብረት ከይወገኑ ካብ ደቆምን ኣንስቶምን ተፈልዮም ተሰጒጎም። ኣብ ሓደ ወጋሕታ ከኣ ካብ ሃብታማት ምንም ናብ ዘይብሎም በተኻት ተቐይሮም፡ ናይ ጥዕና ጸገም ኣስዒቡሎም ብብስጭት ዝሞቱ ውሑዳት ኣይኮኑን። ይኹን እምበር ኣብዚ ቅልውላው እዚ ኣንጻር ተጋሩን ካልእ ዓሌትን ዓመጽን በደልን ክፍጸም ኣይግባእን።

"እቲ ዝፍጸም በደልን ግፍዕን ኣብ ልዕሊ መን ተፈጺሙ ዘይኮነስ፡ ብመሰረቱ፡ እቲ ተግባር እዩ ክዅነን ዘለዎ" ክብል ከኣ የስምረሉ።

ብመሰረቱ ይብል ዶ/ር ጋይም፡ እቲ ጸገም መራሕቲ ዝፈጥርዎ እምበር እቲ ህዝብስ ተዋሲቡ ብሰላም ይነብር እዩ" ይብል። ነቲ ድሕሪ ምዝላቕ ወጥሪ ዶባት ምስተኸፍተ ኣብ ጎረባብቲ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ዝተራእየ ፍቕርን ምትሕቑቛፍን ከም ኣብነት ብምቕራብ።

ክልተ መሓዙት ድሕሪ 20 ዓመት ዝተራኸባ

እቲ ብብዙሓት መሳርሕቱ ኣንጻር ኵናት ምንባሩ ዝንገረሉ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ፡ ንጉዳይ ምስጓግ ኤርትራውያን ብዝምልከት፡ 'ኤርትራዊ ይኹን ካልእ ዓሌት፡ 'ሕብሪ ዓይንኻ ኣይማእማኣናን' እንተይልናዮ ክወጽእ ጥራሕ እዩ ዘለዎ' እትብል ዘረብኡ ክሳብ ሕጂ ከም መዘከሪ እቲ ግፍዒ ስለእትረአ መራሕቲ፡ ሕጂ እውን ኣብ አህዛብ ጽልእን ቅርሕንት ካብ ዝፈጥር ዘረባ ንኪቑጠቡ የዘኻኽር ፕሮፌሰር ጋይም።

ብዙሓት ኣብ ኤርትራ ክነብሩ ዝጸንሑ ተጋሩ እውን ኣብ ኵናት ዶባት 1998-2000 መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ ብግፍዒ ከምዝሰጎጎም ይዛረቡ እዮም። ገሊኦም እውን ክስዕብ ካብ ዝኽእል ዓሌታዊ ሓደጋ ነብሶም ከድሕኑ ብፍታዎም ብቐይሕ መስቀል ተመዝጊቦም ናብ ዓዶም ዝተመልሱ ተጋሩ ምንባሮም ንሰነዳት ታሪኽ ብምጥቃስ "መን ኣበይ ገይሩዎ ብዘየገድስ፡ ኣንጻር ዓሌት ዝፍጸም በደል ክዅነን ኣለዎ" ይብል ዶክተር ጋይም።

ዳንኤል እውን፡ ኤርትራውያን ምስ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ሱዳንን ጂቡቱን ኩሎም ጎረባብትና፡ ኣብ ሓደ ጂኦግራፍን ከባብን ስለዘለና ንኹላትና ዘዋጽእ ሰላምን ምክብባርን እዩ። ብስደት ኣብ እንነብረሉ ሃገረ ኣመሪካ፡ ኤርትራውያን ድዮም አትዮጵያውያን ዋላ ካልእ ዓሌት ከም መሳርሕትን አዕሩኽን ብሓንሳብ እናነበርና ስለምንታይ ኢና ብኩናትን ግጭትን መመሰሊ ድሕረት ንኸውን?" ይብል።