ቅልውላው ኣፍጋኒስታን፡ ሩስያ ምስ ጣሊባን ሓቢራ ክትሰርሕ ትሕልን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ንዜጋታቶምን ንመሳርሕቶምን ኣፍጋኒስታናውያን ካብ ካቡል ንምውጻእ ኣብ ዝጓየዩሉ ዘለው እዋን ሩስያ ብዙሕ ሸቐልቀል ኣይበለትን። እኳ ደኣ ሩስያውያን ዲፕሎማሴኛታት እቶም ኣብ ከተማ ካቡል ዝረኣዩ ዘለው ሓደስቲ ሰባት "ተራ ሰባት" ምዃኖም ብምግላጽ፡ ጸጥታ እታ ርእሰ ከተማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ንላዕሊ ርጉእ ከምዘሎ ይምጕቱ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ትማሊ ዓርቢ፡ ነቲ ክውንነት ተቐቢልካ ምስ ጣሊባን ምስራሕ እዩ እቱ ዝሓሸ ኣማራጺ ክብል ተዛሩቡ።
ብዙሓት ሩስያውያን ነቲ ኣብ 1980 ኣብ ካቡል ዝነበረ ኮምኒስታዊ መንግስቲ ንምሕጋዝ ንተሽዓተ ዓመት እተገብረ ሓደገኛ ውግእ ይዝክርዎ እዮም ።
ምዉቕ ቃላት ንጣሊባን
ሩስያ ዘይከምተን ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ዝርከባ መብዛሕትአን ናይ ወጻኢ ኤምባሲታት ፡ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾኣ ገና ክፉት ከም ዘሎን፡ ነቶም ኣጋይሽ ብምዉቕ ቃላት ከም ዝተቐበለቶምን እያ ትገልጽ። ሩስያዊ ኣምባሳደር ዲሚትሪ ዘሂርኖቭ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ምስ ወኪል ጣሊባን ከምዝተራኸበን ኣብታ ከተማ ዝተፈጸመ ቅትለት ኰነ ዝወረደ ዓመጽ ምንም መርትዖ ከም ዘይረኸበ ሓቢሩ ።
ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሞስኮ ቫሲሊ ነበንዚያ ብወገኑ፡ ጐደናታት ካቡል ናብ ንቡር ክምለስን እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ብሃገራዊ ዕርቂ ክዛዘምን ብሩህ መጻኢ ከምዝረኣዮ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሚስተር ዛሚር ካቡሎቭ ካብቲ ምስቲ "ኩርኩር መንግስቲ ኣሽራፍ ጋኒ" ምስ ጣሊባን ምዝርራብ ይቐልል ኢሉ።
ሞስኮ ምስቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣርባዕተ ማካይንን ሄሊኮፕተርን ምሉእ ጥረ ገንዘብ ሒዙ ዝሃደመ ኣሽራፍ ጋኒ ብዙሕ ርክብ ከምዘይነበራ ትገልጽ፡ እቲ ፕረዚደንት ግን እቲ ክሲ ሓሶት ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
ናይ ሩስያ ናይ ዝምድና ምምሕያሽ ውጥን
ሩስያ፡ ንጣሊባን ከም ገዛእቲ ኣፍጋኒስታን ኣፍልጦ ክትህቦም እኳ እንተዘይተቐዳደመት ግን እቲ ንጣሊባን ክወሃብ ዝጸንሐ ስያመ እናተቐየረ ይመጽእ ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ታስ፡ ኣብቲ ንጣሊባን ዝምልከት ጸብጻባ፡ ነታ "ግብረ-ሽበራውያን" እትብል ቃል ፡ "ሱር በተኻዊ" ብዚብል ቃል ተኪኣታ ኣላ።
ሞስኮ ዋላኳ ንጣሊባን ካብ 2003 ኣትሒዛ ኣብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራውያንን እተኣገዱን ውድባት እንተቕረበቶም፡ ወከልቲ እቲ ጕጅለ ግን ካብ 2018 ኣትሒዞም ዝርርብ ንምክያድ ናብ ሞስኮ ክኣትው ጸኒሖም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, LOS ANGELES TIMES/GETTY
እቲ ብምዕራባውያን ዝድገፍ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፡ እቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ፕረዚደንታዊ ልኡኽ ፡ ርኡይ ደጋፊ ጣሊባን ብምዃኑ ንሰለስተ ዓመት ከም ዘግለሎን ይኸሰስ።
ሚስተር ካብሎቭ ግን ሓቅነት የብሉን ክብል ነቲ ክሲ ይነጽጎ። ይኹን እምበር ይብል ካብ 2015 ንደሓር ግን ጣሊባን ኣንጻር እስላማዊ መንግስቲ (ISIS) ክቃለሱ ምስ ጀመሩ ረብሓታት ሩስያ ምስ ጣሊባን ከምዝተዛመደ ይሕብር።
እንተኾነ ኣመሪካ እውን ከየስተብሃትሉ ኣይተረፈን። ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ረክስ ቲለርሰን፡ ሩስያ ኣብ ነሓሰ 2017 ንጣሊባን ኣጽዋር ተዕጥቖም እያ ክትብል እኳ እንተኸሰሰት ሩስያ ግን "ዜደንጹ" እዩ ክትብል ነቲ ክሲ ትነጽጎ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሞስኮ፡ "ንኣመሪካውያን መሳርሕትና መርትዖ ከቕርቡልና ሓቲትናዮም ኢና፣ ግናኸ ኣየቕረቡን። ንሕና፡ ንጣሊባን ዝዀነ ደገፍ ኣይሃብናን" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ለካቲት ናይዚ ዓመት ሚስተር ካቡልቭ፡ ነቲ ኣብ ደውሓ ዝተበጽሐ "ዘይግብራዊ" ስምምዓት ንጣሊባን ወዲሶም ንመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ከም ዓንቃፊ ብምኽሳሶም ከምዘቖጠዖ ይኸስስ።
ኣድህቦ ኣብ ዞባዊ ጸጥታ
ሞስኮ ዋላ'ኳ ነቲ ምዕባለታት እናተኸታተለት ፡ ምስ ጣሊባን ጥቡቕ ርክብ'ኳ እንተገበረት፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ጕጅለ ካብቲ ናይ ሽበራ ዝርዝራታ ኣየውጽኣቶን ። ፕረዚደንት ፑቲን፡ ጣሊባን ከምቲ ዝተመባጸዖ ሰላምን ርግኣትን ጸጥታን ከስፍን ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ ። "ኣሸበርቲ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንከይሰግሩ ምቁጽጻር ኣገዳሲ እዩ" ኢሉ ።
ቀንዲ ረቛሒታት ጉዳያት ፖሊሲ ወጻኢ ሩስያ፡ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሳቐያ ታሪኽ ተዓጽዩ ዞባዊ ርግኣትን ቅሳነትን ምህላው እዩ። ሩስያ፡ ኣብ ማእከላይ እስያ ንዝርከባ መሻርኽታ ውሑስ ዶባት ክህልወንን፡ ንግብረ-ሽበራን ንግዲ ሓሽሽን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ምክልኻልን ምግታእን እዩ ቀንዲ ድላያ።
ሩስያ፡ ድሕሪ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 11 መስከረም፡ ኣመሪካ ንጣሊባን ዒላማ ንምግባር ምስ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዝነበራ ሃገራት እቲ ከባቢ ወተሃደራዊ መዓስከር ምስ ገበረት፡ ሩስያ ፈለማ ነቲ ስጕምቲ ብሓጐስ እያ ተቐቢላቲ ነይራ። ነዊሕ ኸይጸንሐ ግና ፡ እቲ ርክብ እናላሕለሐ ከይዱ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሩስያ ኣብ ኡዝበኪስታንን ታጂኪስታንን ወተሃደራዊ ልምምድ ብምግባር ንመሻርኽታ ንሃገራት ማእከላይ ኤስያ ንምውሓስ ምዃኑ ሓቢራ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሩስያ፡ ጣሊባን ንመስመር ጋዛት ሩስያን ዞባዊ መሻርኽታ ከምዘየስግኡን ንዕጡቓት ኣይ.ኤስ ከም ዝዋግኡን መረጋገጺታት ረኺባ ነይራ'ያ ።
ናይ ሩስያ ተዘክሮ መሪር ውግእ
ሩስያ ናብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራት ክትልእኽ ድሌት ከም ዘይብላን ስለምንታይ ከምኡ ከምዝወሰነት ከኣ ንምርድኡ ከምዘየጸግምን ትገልጽ። ኣብ 1980ታት ምስ ኣፍጋኒስታን ዳሕራይ ትርጉም ኣይነበሮን ዝተባህለ ደማዊ ውግእ ኣካይዳ እያ።
እቲ ብ1979 መሻርኽቲ ሞስኮ ንዝነበረ ስርዓት ኣፍጋን ንምድጋፍ ሩስያ ንትሽዓተ ዓመት መሪር ውግእ ኣካይዳ ልዕሊ 15,000 ህይወት ከኣ ከፊላ።
ብሳዕቤኑ ከኣ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ኣብ 1980 ኣብ ሞስኮ ክካየድ ዝነበሮ ዓለማዊ ኦሎምፒክ ስለዝተሓሰሞኦ ንሕብረት ሶቭየት ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣስዒቡላ።
ኣብ 1979 ሕብረት ሶቭየት ኣብ ካቡል ነቲ ብባብራክ ካርማል ዝምራሕ መንግስቲ ክትድግፍ እንከላ፡ ኣመሪካ፡ ፓኪስታን፡ ቻይና፡ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን፡ ነቲ ኣንጻር ባብራክ ዝዋጋእ ዝነበረ ኣፍጋናዊ ሓይሊ ሙጂሃዲን ኩሉ ዓይነት ሓገዛት የፍስሳ ነበራ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ኵናት ኣፍጋን ዝተቐትሉ ሶቬታውያን መንእያት እዮም ነይሮም። ስለዝኾነ እቲ ስዕረት መሰጋጠመ ኣብ ህዝቢ ሩስያ፡ ሰበ-ስልጣን ሶቭየት፡ ብዛዕባ ህዝቦም ብዙሕ ተገዳስነት ከም ዘይነበሮም ዘርኢ እዩ ዝብል ስምዒት ኣለዓዒሉ።
እቲ ውግእ ፡ እንተ ወሓደ ንሓድነት ኅብረት ሶቭየት ከም ዘጥፍኣ እዩ ዝእመነሉ ፣ እዚ ከኣ ንገዛእቲ ሶቭየት ከም ዘጕሃዮም እዩ ዝንገር ።
እቲ ውግእ ኣብ ለካቲት 1989 ብሕማቕ ወተሃደራዊ ስዕረት ተዛዘመ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስግኣትን ፍርሕን ብዛዕባ መጻኢ
ሩስያ፡ ጣሊባን ስልጣን ከምዝሕዙ ብሓሳብ ተዳልያ ከምዝጸንሐት ከምስሉ እኳ እንተፈተኑ፡ ሓያሎ ወተሃደራዊ ክኢላታት ግና፡ ሞስኮ ንባዕላ እውን በቲ ቅልጡፍ ገስጋስ ጣሊባን ከም እተገረመት እዮም ዝኣምኑ።
ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኣፍጋኒስታን ዘጽንዕ ማእከል መጽናዕቲ ሩስያ ኣንድረይ ሰረንኮ፡ "ብዛዕባ ናይ ሞስኮ ስትራቴጂን ስልትን ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና" ይብል። ብምቕጻል፡ "ሞስኮ፡ ብዛዕባ እቲ ሓዲሽ ዝምዕብል ዞባዊ ቅርጽን ዝምድናታትን ስግኣት ኣለዋ" ኢሉ።
ካልኦት ኣብ ሞስኮ ዝነብሩ ሰባት እውን ምሕደራ ጣሊባን እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ሓርቢትዎም ኣሎ ።
ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሩስያ ኣንድሬይ ኮሮኖቭ፡ ባይቶ ምሁራት ሩስያ፡ ጣሊባን ንመላእ እታ ሃገር ፡ ብፍላይ ከኣ ንሰሜናዊ ክፋል ክቆጻጸሩ ከምዝፍትኑን እዚ ድማ ንሩስያን ንጎረባብታን ሓደጋ ከምዝኾነ ይኣምኑ።
"ምናልባት ገለ ዋህዮታት ናይቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓስኪሩ ዝርከብ ኣል-ቃዒዳን ምናልባት እውን ኣይሲስ፡ ኣብ ማእከላይ እስያ ገለ ተግባራት ዕንወት የኸትሉ ይዀኑ" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ ።
ምናልባት እውን እዚ ኩነታት ኣብ ቁጠባ ኣፍጋኒስታንን ዓቢ ቅልውላው ከኸትልን ነቲ ፖለቲካዊ ህይወት ከይበላሽዎን ብግደኡ ዝያዳ ቅጽበታዊ ሓደጋ ከየስዕብን ስክፍትኡ ይገልጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







