ዩኤስኤኣይዲ ንወተሃደራት ትግራይ ናይ መግቢ ሓገዝ ምግባሩ ንዝገልጽ ክሲ ነጺጉ

ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ ምህላው ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ ምህላው ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ

ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ንወተሃደራት ትግራይ ናይ መግቢ ሓገዝ ይህብ እዩ ንዝብል ክሲ ከም ዘይቕበሎ ኣፍሊጡ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ: እቲ ትካል ዝገብሮ ዕደላ መግቢ ንጽጉማት እምበር ንዕጡቓት ከም ዘይኮነ ንምርግጋጽ ከም ዝከታተሎ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዓለምለኻዊ ትካላት ረድኤት ንህጻናትን ኣዴታትን ተባሂሉ ዝመጽእ ሓይሊ ዝህብ መግብታት ንዕጡቓት ህወሓት ይህቡ ኣለው ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪበን ነይረን።

ኣብ ኲናት ከም ዝተማረኸ ዝተገለጸ ሓደ ኣባል ህወሓት ብዩኤስኤኣይዲ ዝወሃብ ሓይሊ ዝህብ ብሽኮቲ ሒዙ ከም ዝተረኸበ'ውን እቲ ጸብጻብ ይነግር።

እቲ ጸብጻባት ንኣመራርሓ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋ ብምጥቃስ እቶም ትካላት ኣንጻር እቲ ደው ዝበሉሉ ዕላማ ነቲ ጉጅለ ይሕግዙ ኣለው ዝብል ክሲ ኣቕሪቦም።

ዩኤስኤኣይዲ ንዕጡቓት ረድኤት ይህብ ኣሎ ንዝብል ክሲ እኳ እንተነጸጎ፡ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ናይ ግጭት ከባቢታት ዕጡቓት ረድኤት ካብ ህዝቢ ከም ዝሰርቑ ኣፍሊጡ።

ዩኤስኤኣይዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓበየ ለጋሲ ናይ ህይወት ኣድሕን መግብን ምክንኻንን ምዃኑ ብምዝኽኻር ኣብዚ እዋን ኣብ ኩሉ ክፋላት እታ ሃገር ካብ ዘሎ ህዝቢ ን 7 ሚኢታዊት ህዝቢ ኢትዮጵያ ይምግብ ምህላው ገሊጹ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣብዚ ቅንያት ሓላፊት እቲ ትካል ሳማንታ ፓወር ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ካብ ዝነበሩ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ንፈለማ እዋን ትካላት ረድኤት ንህዝቢ ዘቕርብዎ መግቢ ክውዳእ ምዃኑ ገሊጻ ነይራ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ኣብ ዝርከቡሉ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ዘለው ትካላት ረድኤት መኽዝናት ዳርጋ ጥርሖም ምህላዎም ተገሊጹ።

እዚ ሕጽረት መግቢ ዝተኸሰተ ምግቢ ብዘይምህላው ዘይኮነ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናይ ኣየርን ናይ ጽርጊያን መስመራት ምቕራብ ረድኤት ከምኡ'ውን ንቀረብ ረድኤትን ንሰራሕተኛታት ረድኤትን ብምትዕንቓፉ እዩ" ክብል እቲ መግለጺ ከሲሱ።

በዚ ድማ ብሚልዮናት ናይ ዝቑጸሩ ሰባት ህይወት ንምድሓን፡ ምቕራብ ረድኤት ብቕልጡፍ ናብ ክልል ትግራይ ክቐርብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ከፍቅድ'ውን ሓቲቱ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይበጽሕ ይኽልክል ኣሎ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ።