ሳማንታ ፓወርን ኦሊሶጉን ኦባሳንጆን ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ዘትዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ (USAID) ሳማንታ ፓወር ምስ ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ቐርኒ ኣፍሪቃ ፕሬዝደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሶጉን ኦባሳንጆን ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ዘትያ።
ሳማንታ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓጺር ሓበሬታ ነቶም ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናተጓሃሃረ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ጸገም ዝአተዉ ሰላማውያን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዛት ብቕልጡፍ ክበጽሕ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ከም ዝተሰማምዑ ኣፍሊጣ።
ንሳ ምስ መራሒ ናይጀርያ ነበር ኦሊሶጉን ኦባሳንጆ ተራኺባ ዘተ ምግባራ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከም ዝኾነ ወሲኻ ገሊጻ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም፣ ድሕነትን ፖለቲካዊ ዘተን ንምምጻእ ብዝብል ንፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሉሳጎን ኦባሳንጆ ላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ከም ዝሸሞ ይፍለጥ።
ኦባሳንጆ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ቀንዲ ተሳተፍትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዝርራብ ቀጻሊ ዝኾነ ሰላምን ምርግጋእን ንምፍጣር ከም ዝሰርሕ ተሓቢሩ’ሎ።
ንሱ ብዙሕ ፖለቲካዊ ተሞክሮ ከምኡ’ውን ኣብ ፓን ኣፍሪቃኒዝም (ኣፍሪቃዊ) ዝተመስረተ ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎ ዝተገለጸ ኮይኑ፤ ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዘለዎ ግንዛበ ድማ ዝለዓለ’ዩ ተባሂሉ።
ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ናብቲ ዞባ ከም ዝመጽእ ተፈሊጡ።
ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን
እቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዝተወለዐ ኲናት 10 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኮይኑ፤ ኣብዚ እዋን ከኣ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ስለ ዝተላብዐ ኣብቶም ከባብታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ኣመዛቢሉ’ሎ።
ኣብ ክልል ዓፋር ጥራይ ልዕሊ 120 ሽሕ ከም ዝተመዛበሉ ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም የመልክት።
ኣብ ትግራይ ኣስታት 900 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ጥምየት ከም ዝርከቡን ካልኦት ኣስታት 5 ሚልዮን ነበርቲ እቲ ክልል ከኣ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮምን ዩኤስኤኣይዲ ይሕብር።
ኣብ ትግራይ ካብ 24 ጥቅምቲ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ብዝተወለዐ ኲናት ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባትን ቁጽሮም ብወግዒ ዘይፍለጥ ተዋጋእትን ከምዝሞቱ ይግለጽ።
ቅድሚ ኣዋርሕ መንግስቲ ፌደራል በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምእዋጅ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከም ዘውጽአ’ኳ እንተፍለጠ፤ ሓይልታት ትግራይ ግን ንመቐለ ብወተሃደራዊ ዓወት ከም ዝተቖጻጸሩ ምዝራቦም ይዝከር።
ነቲ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ዝተቓወመ ህወሓት ኣብ ስምምዕ ዝተመስረተ ምቁራጽ ኲናት ከም ዝቕበል ብምሕባር ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን መሊኦም ካብ ትግራይ ይውጽኡ ዝብል ሓደ ካብ ሞንጎ ከም ቅድመ ኩነት ዘቕመጦም ነጥብታት’ዩ።
ሓይልታት ትግራይ ካብቶም ዝኣተውሎም ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡ'ውን ተደጋጋሚ ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ።
ኣብ እዋን ኲናት ኣብቲ ክልል ተፈጺሞም ዝባሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረዩ፤ ከምኡ’ውን ናይ ቴሌኮም፣ መብራቲ፣ መጓዓዝያን ካልኦት ዝተቛረጹ ኣገልግሎታትን ክጅመሩ ሓቲቱ።
ኣብዚ እዋን ካብ ኩሉ ኣንፈት ኣዋጅ ክተት ይቐርብ ብምህላዉ፡ እቲ ኲናት ሓድሽ መልክዕን ናብ ዝበለጸ ደም ናይ ምፍሳስ ምዕራፍን ክሰግር ከም ዝኽእል ተሰጊኡ’ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







