ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ቀረባት ረድኤት ይዘምቱ ኣለዉ - ዩኤስኤኣይዲ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዛት መንግስቲ ኣሜሪካ ዘሚቱ ክብል ሓላፊ ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ኣብ ኢትዮጵያ ከሲሱ።
እቲ ሓላፊ ምስ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ቃል-መሕተት፡ ሓይልታት ትግራይ መግብን ካልኦት ቀረባትን ብምውሳድ ንመኽዝናት ጥርሖም ከም ዘትረፉ ተዛሪቡ።
ብዛይካ’ዚ መኻይን ከም ዝወሰዱ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ዝበጽሕዎም ከባብታት ድማ “ከቢድ ዕንወት” ከምዘውረዱ ኣመልኪቱ።
ነቲ ክሲ ግብረመልሲ ዝሃበ ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ግን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝምታ ብናጻ ኣካል ክምርመር ከምዝድግፍ ብትዊተር ገሊጹ'ሎ።
"ዋላ'ኳ ብዛዕባ ዝኾነ ዘይቅቡል ስነምግባር ካብ መስመር ዝወጸ ተጋዳላይ ክንዛረብ እንተዘይክኣልና፡ እቲ ዝምታ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ከምዝፍጸም ጭብጢ ኣለና። መርገጺና፡ እዚ ብናጻ መርመራ ተራእዩ'ዩ ክፍታሕ ዘለዎ" ኢሉ።
ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓይልታት ትግራይ 40 ሰባት ከም ዝቐተሉ ከምኡ’ውን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን ካልኦት ትካላትን ከም ዘዕነዉ ከሲሶም ነይሮም።
እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት፡ ሕጂ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከም ዝልሓኸ ይፍለጥ።
ሓይልታት ትግራይ ድማ ኣብዞም ዝኣተውሎም ከባቢታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽሙ፣ ንብረትን ትካላትን ህዝብን መንግስትን የዕንውን ይዘምቱን ኣለው ዝብል ተደጋጋሚ ክሲ ይቐርበሎም ኣሎ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልዕሊ 500 ሽሕ ህዝቢ ከም ዝተመዛበለ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ይገልጽ።
ኣብዚ ሰሙን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብሰንኪ እቲ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝልሑክ ዘሎ ኲናት ትግራይ ልዕሊ 7 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ገሊኦም ድማ ብኸፊል ከም ዝዓነዉ ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተምሃሮን ልዕሊ 48 ሽሕ መምህራንን ካብ ምምሃር ምስ ትምሃር ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ ኣብ ክልል ዓፋር "88 ሽሕ ተምሃሮ ዝመሃሩሎም ዝነበሩ 455 ኣብያተ ትምህርቲ ብህወሓት ዓንየን" ኢሉ ምዝራቡ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።
ሓይልታት ትግራይ ነቲ ሕጂ ዝኽሰስሉ ዘለው ተግባራት ዝሃቡዎ ምላሽ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ነቲ ተግባራት ከም ዘይፈጸሙ ግን ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም።
እቶም ሓይልታት ንዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ይዋግኡ ኣለው።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







