ዲፕሎማስያዊ ርክባት ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እንታይ ዝዓለመ'ዩ?

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪን ፕሬዝደንት ሙሴቪኒን

ምንጪ ስእሊ, @KagutaMuseveni

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪን ፕሬዝደንት ሙሴቪኒን

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ ሰሙን ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዲፕሎማስያዊ ዑደት ከም ዘካየደን ምስ ካልኦት ድማ ኣብ ክልትኣውን ኣህጉራውን ጉዳያት ብስልኪ ከም ዝዘተየን ተሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ዝዝተየ ኮይኑ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቶም ጉዳያት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ፕሬዝደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ክልቲኣዊ፣ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ኣትኲሮም ከም ዝዘተዩ ብትዊተር ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ካምፓላ ቀጺሉ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ ብምምራሕ ምስ ፕረዚደንት ፖል ካጋሜ ተመሳሳሊ ርክብ ኣካይዱ።

ምስ ፕረዚደነት ካጋሜ፡ "ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ዘለዎም ክልቲኣውን ኣህጉራውን ጉዳያት ጽቡቕ ዘተ ኣካይድና" ድማ ኢሉ።

ቅድሚ ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ምምርሑ፡ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣብ ኣዲስ ኣባባ ተራኺቦም 'ኣብ ህንጸት መሰረተ ልምዓትን ቁጠባዊ ምትሕብባራትን' ከም ዝዘተዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ሰኑይ 17 ነሓሰ 2013 ዓ.ም (2021) ድማ ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናፍታሌም ቤኔት ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡ ተሓቢሩ ነይሩ።

ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስ ልዑል ስዑዲ ዓረብ ሞሐመድ ቢን ሳልማን ቢን ዓብዱል አዚዝ ብስልኪ ምዝርራቦም፡ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር እንተጸብጸባ'ኳ ዛዕባ እሰ ጉዳይ ከም ዝተዘራረቡ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተረኽበን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድማ ናብ ቱርኪ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕሬዝዳንት ረሲፕ ታይፕ ኤርዶዋን ዝተዘራረበ ኮይኑ ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ስምምዓት ከም ዝተፈራረማ ይዝከር።

ቅድም ክብል፡ ገለ ጸብጻባት ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳር ቱርኪ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ተዋጋእቲ ነፈርቲ [ድሮን] ሂባ ተባሂላ ክትክሰስ ቐንያ፤ መንግስቲ ቱርኪ ነቶም ጸብጻባት ከም ዝነጸጎም ዝዝከር እዩ።

ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝዛ ዘሎ ኲናት ትግራይ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዘሎ ኲናት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 26 ነሓሰ ዝርርብ ኣካይዱ እዩ።

እቲ ባይቶ፡ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ብተደጋጋሚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዕጽውን ክፉትን ዝርርብ ምግባሩ ይዝከር።

እዚ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን 'ውን ብክፋል ክፉት ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ዙር እቲ ዝርርብ ዕጽው እዩ ነይሩ።

ኣመሪካ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትን ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰባ፤ ኩሎም ሓይልታት ተኹሲ ደው ከብሉ፣ መንግስትን ህወሓትን ንቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ከፍቅዱ፣ ኣብ ዘተ ዝተመርኮሰ ተኹሲ ደው ምባል ክግበርን ሓይልታት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክወጽኡን ሓቲታ።

ሃገራት ህንዲ፣ ሩስያን ቻይናን ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድግፍ ቅዋም ዘሰጎማ ኾይነን 'መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዓቕሚ ኣለዎ' ብዝብል ናይ ደገ በይነኣዊ ኢድ ምትእትታው ከይገብራ ተቓውመአን ኣስሚዐን።

ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝቐረበ ኬንያዊ ኣምባሳደር ብወገኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ንዘሎ ኲናት ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ንዘተ መገዲ ንምኽፋት ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ንህወሓት ኣሸባሪ ዝበለሉ ውሳነ ከልዕልን ኩሎም ወገናት ንዘተ ፍቓደኛታት ክኾኑን ሓቲቱ።

እንተኾነ ግን ሕብረተ ኣፍሪቃ ነቲ ኲናት ኣብ ምፍታሕ ቀዳምነት ወሲዱ ክሰርሕ ኣባል ሃገራት ተማሕጺነን ነይረን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቦመንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም፣ ድሕነትን ፖለቲካዊ ዘተን ንምምጻእ ብዝብል ንፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሉሳጎን ኦባሳንጆ ላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ከም ዝሸሞ ይፍለጥ።

ድሕሪ ሹመት እቲ ልኡኽ ርኢይቶ ዝሃበ ውድብ ህወሓት ግን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ዘይሻራዊ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ኣንጸባሪቑ።

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ''ናይታ ሃገር ሓድነትን ምርግጋእን ንምውሓስ ተባዕ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ'' ድሕሪ ምባሉ ካብ ብዙሓት ወገናት ነቐፌታታት ክበጽሖ ጸኒሑ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብዪ ኣብዚ ሰሙን ናብ ገለ ወሰንቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገበሮ ዘሎ ጽዑቕ መገሻታት፡ ገለ ተዓዘብቲ ምስ'ዚ ምዕባለታት ኲናት ትግራይን ድጋፍ ንምጥራይ ዝዓለመ ገይሮም የዛመድዎ።

ካልኦት ድማ፡ ምስ ወጥርታት ዓብይ ግድብ ሕዳሰን እናሓርፈፈ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን ርክብ ከይሃለዎ ኣይተርፍን ክብሉ ይእምቱ።