ኣግነስ ሲትሆሌ፡ ኣንጻር ንጾታዊ ማዕርነት ዘየኽብር ሕጊ ሓዳር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተቓለሰት ሰበይቲ

ኣግነስ ሲትሆሌ

ምንጪ ስእሊ, Agnes Sithole

ኣግነስ ሲትሆሌ እቲ ን50 ዓመታት ምስኣ ኣብ ሓዳር ዝጸንሐ ውልቀሰብ ንመንበሪ ገዝኦም ክሸይጥ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ብዝፈጸመቶ ሓደ ተግባር ንብዙሓት መርኣያ ዝኾነት ጅግና ክትበሃል በቒዓ።

በዚ ውሳነኣን ተግባራን ከኣ ኣማኢት ኣሽሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ደቂኣንስትዮ ከም ጅግና ክቖጽረኣ ጀሚረን።

በዓል ቤታ ብሓባር ንዘጥረይዎ መንበሪ ገዛ ብዘይፍቓዳ ክሸጦ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን ከምቲ ልሙድ ስቕ ክትብል ኣይመረጻትን።

ኣብ መበል 72 ዓመት ዕድሚኣ ነቲ ካብ እዋን ኣፓርታይድ ዝጀመረን ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረን ሕጊ ብምቅዋም ናብ ቤት ፍርዲ ከይዳ።

ኣግነስ ነቲ ኣብ 1972 መማህርታ ዝነበረ ጌዲኦን ክትምርዓዎ ብምውሳን ሓደር መስሪቶም። ግን ከኣ ነዊሕ ከይጸንሑ በዓል ገዝኣ ናይ ጥልመት ወይ ዘይተኣማንነት ተግባራት ክፍጽም ጀሚሩ።

“ምስ ካልኦት ርክባት እናጀመረ ይመጽእን ይኸይድን ነይሩ፤ እዚ ግን ንመንበሪ ገዛና ክሸይጥ ክሳብ ዝሓሰበሉ ኣብ ሞንጎ 2016ን 2017 ዝነበረ እዋን ንዓይ ዝጸለወኒ ኣይነበረን” ትብል።

“ንሱ ኩል ግዜ ዝህበኒ መልሲ ሓደ ዓይነት እዩ። እቲ ገዛ ናቱ ንብረት ከም ዝኾነን ኣነ ዋላ ሓደ ከም ዘይብልይን ይነግበረኒ” ብምባል ወሲኻ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ተረድእ።

ገዝኣ ዝሰኣነት ኣግነስ ግን ስቕታ ኣይመረጸትን፤ ኣብ 2019 ንበዓል ገዝኣ ኣብ ኣብያተ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ደው ክተብሎ መረጸት።

እዚ ውሳነኣ ግን ኣብ መዋእላ ብጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ደቂኣንስትዮ ዘይተፈተነን ዘይሕሰብን ነይሩ።

“ሽዑ ዕድመይ 72 ዓመት ነይሩ። ናበይ ክኸይድ? ካብ እንታይኸ ክጅምሮ? ስለዚ ዝነበረኒ እንኮ ኣማራጺ ምቅላስ ወይ በዚ ዕድመይ ናብ ጎደና ምውጻእ። ስእነት ክነቅሕ ዝገበረኒ ይመስለኒ። ስእነት እንተዘይህልው ነይሩ ነዚ ተግባር ኣይምፈጸምክዎን ነይረ” ትብል።

ኣግነስን በዓል ቤታን ኣብ መርዕኦም

ምንጪ ስእሊ, Agnes Sithole

መግለጺ ስእሊ, ኣግነስ፡ መማህርታ ንዝነበረ ጌዲኦን ብ1972 ዓ.ም ተመርዒዋቶ

‘ደቂኣንስትዮ ኣማራጺ ኣይነበረንን’

ኣግነስ፡ ኣብቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዕብለላ ውሑዳን ጸዓዱ ትምረሓሉ ዝነበረት እዋን ሓዳር ዝገበረት ኮይና፤ ሽዑ ጸለምቲ መጻምዲ ‘ካብ ማሕበረሰባዊ ንብረት ወይ ሃብቲ ወጻኢ’ ብዝብል ስርዓት ሓዳር ክምስርቱ ይግደዱ ነይሮም።

እዚ ስርዓት ከኣ ኩሉ መሰላት ዋንነት ንብረት ንደቂተባዕትዮ ይህብ።

“ኣብቲ ሽዑ ደቂኣንስትዮ ዝኾነ ኣማራጺ ኣይወሃበንን ነይሩ። እንተደልያ በቲ ስርዓት ትምርዖ ወይ ከይተመርዓወት ትተርፍ” ክትብል ተረድእ።

ኣብ 1988 ዝጸደቐ ንጉዳይ ንብረት ሰብ ሓዳር ዝምልከት ሕጊ ቁሩብ ነቲ ዝጸንሐ ስርዓት ዝቕይርን ንደቂኣንስትዮ ማዕረ መሰል ዋንነት ዘፍቅድን ነይሩ።

እንተኾነ ብቕልጡፍ ዝፍጸም ኣይነበረን። ጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ካብ ሰብኡተን ፍቓድ ክረኽባ ግድን ነይሩ።

ብዘይካ’ዚ ንመፈጸሚኡ ዝኽፈል ክፍሊታት እውን ነይሩ።

“እቲ ሕጊ ከም ዝተቐየረ ፈሊጥና፤ ንኹሉ ለውጢ ከም ዘምጽእ ድማ ሓሲብና። ደሓር ግን እቲ ሕጊ ከም ዘጭበርበረኒ ፈሊጠ፤ ካብ ሽዑ ክቃለስ ከም ዘለኒ ተገንዚበ” ክትብል ትገልጽ።

‘ደፋእፋእ በሃሊት እየ’

ንሳ ካብ ድኻታትን ኣብ መዓልታዊ ሸቕሊ ዝተዋፈሩን ስድራ ዝተረኸበት ኮይና፤ ወለዳ ንደቆም ኣብነታውያን ከም ዝነበሩ ትዛረብ።

ምስ ጌዲዮን ሓዳር ቅድሚ ምምስራቶም ነርስ ንምዃን ስልጠና ወሲዳ ነይራ።

እንተኾነ ናብ መሸጣ ክዳውንቲ’ያ ተዋፊራ። ናብቲ ዝደለየቶ ንምብጻሕ ተስፋ ብምግባር ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ እናተቖጸረት ሰሪሓ።

“በዓል ገዛይ ውጽእ እትው የብዝሕ ብምንባሩ ኹሉ ነገር ባዕለይ ከማልእ ከም ዘለኒ ንምፍላጥ ጊዜ ኣይወሰደለይን” ትብል ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ኣግነስ።

ኣግነስ [ጸጋም] ቅድሚ ምምርዓዋ ነርስ ኯይና ሰሪሓ

ምንጪ ስእሊ, Agnes Sithole

መግለጺ ስእሊ, ኣግነስ [ጸጋም] ቅድሚ ምምርዓዋ ነርስ ኯይና ሰሪሓ

“ካብ ስራሕ ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ ክዳውንቲ ምስፋይ እጅምር። ክዳውንቲ እገዝእን እሸይጥን። ደቀይ ካብ ትምህርቲ ክተኣጓጎሉ ከም ዘይብሎም ስለ ዝወሰንኩ ብዙሕ ስራሕ እሰርሕ ነይረ” ክትብል ዛንትኣ ትትርኽ።

“ብተፈጥሮይ ደፋእፋእ በሃሊት እየ። ምሉእ ዕድመይ ደፋእፋእ እብል ነይረ። ሰባት ዝኾነ ነገር ክገብሩለይ ኣብ ክንዲ ምድላይ ነቲ ነገር ባዕለይ ክፍጽሞ እመርጽ” ትብል።

እቲ ንዓመታት ተጻዊራቶ ዝመጽአት ሓዳር ቅድሚ ትሸዓተ ዓመታት’ዩ ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ወዲቑ።

ሓደ ምሸት ስራሕ ኣምሲያ ናብ ገዛ ምስኣተወት ጌዲዮን ዝኾነ ምኽንያት ከየቕረበ መደቀሲኡ ናብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ገዝኦም ቀይሩ ጸንሓ።

ክልቲኦም መጻምዲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ገዛ ግን ከኣ ዘይራኸብ ህይወት እናመርሑ ተቐመጡ።

“ኣብ ኮሮዲዮ (መተሓላለፊ)፣ መደያይቦ ወይ መኪና ደው ክነብል ንራኸብ፤ ግን ዋላ ሓንቲ ቃል ኣይንለዋወጥን” ትብል ብተዘክሮ።

ጌዲኦን ብዛዕባ መሸጣ እቲ ገዛ ንበዓልቲ ገዝኡ ዝተዛረባ ነገር ኣይነበረን።

“[ዓደግቲ] ነቲ ገዛ ክገዝኡ ኣብ ዝመጽኡሉ እዋን ሰንቢደ” ትብል።

ገዛ ኣልቦ ኮይና ከም እትተርፍ ምስ ተገንዘበት ድማ ኣብ 2019 ‘ፋይናንሳዊ ጥቕዓት’ ብዝብል ክሲ መስሪታ።

ኣብ ምጥንኻር እቲ ገዛ ኮነ ምውላል ሃብቲ ማዕረ ብጽሒት ከም ዝነበራ ብምግላጽ ክትካታዕ ጀሚራ።

ብድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ሕገመንግስታዊ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን፡ እቲ ዝጸንሐ ሕጊ ንጸለምቲ መጻምዲ ብፍላይ ንጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘግለለ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

እዚ ከኣ ንኹሎም ቅድሚ 1988 ዝተመስረቱ ሓዳር ካብቲ ዝጸንሐ ስርዓት ክወጽኡን ደቂኣንስትዮ ኣብ ዋንነት ንብረት ማዕረ መሰል ክህልዎምን ዝገበረ ኮይኑ።

ኣግነስን ጓላን ነቲ ምምሕያሽ ሕጊ ኣብ ገዝአን ኮይነን’የን ተኸታቲለንኦ።

ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ ከም ዝተዓወተት ግን ጠበቕኣ ስልኪ ደቂሉ ክሳብ ዝነግራ ኣይትፈልጥን ነይራ።

“ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ግርታ ጸኒሕና። ከብደይ ጽቡቕ ስምዒት ይስምዓኒ ኣይነበረን። ፈሪሐ ነይረ ግን ከኣ እምነት ነይሩኒ” ክትብል ነቲ ስምዒት ትገልጾ።

ኣግነስ፣ በዓል ቤታን ሰለስተ ደቆምን

ምንጪ ስእሊ, Agnes Sithole

መግለጺ ስእሊ, ኣግነስን ጌዲኦንን ንኣስታት 50 ዓመታት ኣብ ሓዳር ጸኒሖም

ኣብ ኩሉ ነገራት ንነብሳ ኪኢላ ክትነብር ከም እትመርጽ ብምግላጽ “ኣብ ባህልና ዘይተለመደ ከም ዝኾነ ርግጸኛ እየ፤ ብፍላይ ኣብ ናተይ ወለዶ ንዘለዋ ደቂኣንስትዮ። ነዚ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ብዓወት ክዛዝሞ ምኽኣለይ ኣብ ህይወት ካብ ዝረኸብክዎም ብሉጻት ነገራት ሓደ እዩ” ትብል።

ኣግነስ ሎሚ ንበዓል ገዝኣ ጌድዮን ይቕረ ኢላትሉ’ላ፤ ንሱ ግን እቲ ጉዳይ ገና ኣብ ቤት ፍርዲ እናሃለወ’ዩ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ሞይቱ።

ቅድሚ ሞቱ ኣብ ዝነበራ ክልተ መዓልቲ ከኣ ነቲ ዝሓለፈ ብምልዓል፡ ንበዓልቲ ገዝኡ ምስ ደቂኣንስትዮ ደቁ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ኣግነስ ሓዳራ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ሓዳሮም ዘፍረይዎ ገዛ’ውን ብስም ካልእ ሰበይቲ ተዘዋዊሩ ምጽንሑ ክትፈልጥ ኪኢላ’ያ።

ብውሳነ ቤት ፍርዲ ግን ድልየታ ተፈጺሙ።

“ይቕረታ ገይርናሉ ኢና፤ ኣነ’ውን ኣብ ሰላም ኣለኹ። ኣነ ዝጠዓሰሉ ዋላ ሓደ ነገር የለን፤ እቲ ቀንዲ ነገር ክሳብ መወዳእታ ኣብ ሓዳረይ ተኣማኒት ኮይነ ምጽንሐይ እዩ” ክትብል ትዛረብ።

“ናቱ ካብ ዝኾነ ነገር ዋላ ሓደ ዝደልዮ የብለይን፤ ንሱ ግን ናተይን ሰሪሐ ንዘጥረኽዎን ከይተረፈ ንኹሉ ነገር ክወስድ ድልየት ነይርዎ። እዚ እየ ዘይፈትዎ ዝነበርኩ” ኢላ።