ታይላንድ፡ ንንጉሳዊ ስድራ ብምንቃፋ ን43 ዓመታት ክትእሰር ዝተፈረደት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓንቲ ታይላንዳዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ንንጉሳዊ ስድራ ብምንቃፋ ን43 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ።
እዛ ኣንቻን ዝተብሃለት ሰራሕተኛ ነቲ ንንጉሳዊ ስድራ ዝነቅፍ ብድምጺ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ'ያ ዘርጊሓቶ።
እዛ ጓል 63 ዓመት ኣንቻን፡ ነቲ ድምጺ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምቅልሓ ዝኾነ ካልእ ተወሳኺ ርእይቶ ኣይሃበትሉን።
ኣብ ታይላንድ ሕጊ 'ለሰ ማጀስተ' ሓደ ንንጉሳዊ ስድራ ዝከላኸል ሕጊ ኮይኑ፡ ንንጉሳዊ ስድራ ዝዘለፈ ወይ ዝጸረፈ ካብ ዓለም ዝኸበደ መቅጻዕቲ እትኽተል ሃገር እያ።
ታይላን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነቲ ሕጊ ዝቃወሙ ሰባት ሰለማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምግባሮም፡ እቲ ንንሳዊ ቤተሰብ ዝከላኸል ሕጊ 'ለሰ ማጀስተ' ክትክልሶ ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ።
ኣንቻን በቲ ኣብ ዩትዩብን ፌስቡክን ካብ 2014 ክሳብ 2015 ዝዘርገሓረቶ ድምጺ 29 ክስታት ከምዝቐረበላ ጠበቃኣ ንሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣንቻን ኣብ መጀመርታ ን87 ዓመታት ክትእሰር እኳ ፍርዲ ተዋሂብዋ እንተነበረ ፡ ጠበቃኣ ይግባይ ኢሉ ስለዝረተዐ እቲ ፍርዳ ናብ 43 ዓመታት ጎዲሉ።
ኣንቻን ሓንቲ ካብቶም ብሕጊ 'ለሰ ማጀስተ' ዝተፈረዱ 14 ሰባት እያ።
እቶም ኣንቻን ትርከቦም ጉጅለ፡ ኣብ ፖድካስት፡ ፌስቡክን ዩትዩብን እቲ ንጉዳዊ ቤተሰብ ብብዙሕ ገበናት ክሕተት ኣለዎ ዝብል ትሕዝቶ እዮም ዘቅርቡ ነይሮም።
ነቲ መደብ ዘቅርብ ዘነበረ ሓደ ውልቀ ሰብ'ውን ምስኦም እኳ እንተተኣሰረ ክልተ ዓመታት ድሕሪ ምእሳሩ ግን ነጻ ተባሂሉ።
እቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ ኣብ ዕጽው ማዕጾ እዩ ተኻይዱ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ክሱሳት ዝቐረበ መርትዖታት ኸኣ ንሃገራዊ ጸጥታ ኣስጋኢ እዩ ብምባል ብምስጢር ከምዝተሓዝ እዩ ተገይሩ ዘሎ።
ነቲ ኩነታት ብቀረባ ዝከታተልዎ ሰባት ግን፡ ካልኦት ሰባት ነቲ ንጉሳዊ ስድራ ካብ ምንቃፍ፣ ምዝላፍን ምጽራፍን ንኽቁጠቡ መልእኽቲ ንምስዳድ እዩ ፍርዲ ኣንቻን ክሳብ ክንድዚ ከምዝተርር ተገይሩ ይብሉ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብተማሃሮ ዝተገበረ ተቃውሞ እቶም ሰልፈኛታት ንጉስ ታይላንድ ቫጂራሎንኮርን ዘለዋ ሃብቲ፡ ፖሎቲካዊ ተራን ውልቃዊ ኣነባብራን ክሕተት እዮም ሕቶ ኣቕሪቦም።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ልዕሊ 40 መንእሰያት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሕጊ 'ለሰ ማጀስተ' ተኸሲሶም ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም።
እቲ ሕጊ ዘይፍትሓዊ እዩ ብምባል ሕቡራት ሃገራት ኮኒንዎ እዩ።
ንጉስ ታይላንድ'ውን ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠሞ ከቢድ ተቃውሞ እቲ ሕጊ ንዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ተወንዚፉ ክጸንሕ ውሳነ ኣሕሊፉ ነይሩ።
ሕጂ ግን እቲ ኣወንዚፍዎ ዝነበረ ሕጊ 'ለሰ ማጀስተ' ዳግማይ ዝጀመሮ ይመስል።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







