ታይ፡ ንጉስ ታይላንድ ቫጂራሎንግኮርን፡ ንሓላዊቱ ብምምርዓው ናብ ንግስቲ ቐይርዋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንጉስ ታይላንድ፡ ምኽትል ሓላፊት ውልቃዊ ደሕንነቱ ዝነበረት ብምምርዓው፡ ንግስቲ ከም ዝገበራ ተገሊጹ።
እዚ ኣገራሚ ሓበሬታ ወጺኡ ዘሎ፡ ዕለተ ቐዳም ንግስንኡ ንምቕባል ምድላው ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን'ዩ።
ወዲ 66 ዓመት ንጉስ ማሃ ቫጂራሎንግኮርን፡ ኣብ 2016 ንዝሞተ ወላዲኡ ዝተክአ ሕገ መንግስታዊ ንጉስ ታይላንድ'ዩ።
እዚ ንጉስ ቅድሚ ሕጂ፡ ሰለስተ ግዜ ተመርዕዩን ዝተፋተሐ ኮይኑ ፡ ካብ ቀዳሞት ኣንስቱ ሸውዓተ ቆልዑ ኣለዉዎ።
ንጉስ ቫጂራሎንግኮርን፡ "ጀነራል ሱቲዳ ቫጂራሎንግኮርን ና ኣዩድህያ፡ ንግስቲ በዓልቲ ቤቱ ክትኸውን ዝወሰነ ኮይኑ፡ ንግስቲ ሱቲዳ ናይቲ ንጉሳዊ ስድራ ደረጃ ክውሃባ'ዩ" ይብል እቲ ንጉሳዊ መግለጺ።
ንግስቲ ሱቲዳ፡ ንነዊሕ ዓመታት ሓላዊት ንጉስ ቫጂራሎንግኮርን ኮይና ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣብ ቀረብኡ ክትርአ ዝጸንሐት እንትኾን፡ ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ርክብ ወግዓዊ ከይኾነ'ዩ ጸኒሑ ተባሂሉ ይውጋዕ።
ንግስቲ ሱቲዳ፡ ቅድም ኢሉ መተኣናገዲት መንገዲ ኣየር ታይላንድ ዝነበረትን፡ ምክትል ኮማንደር ጉጅለ ሓለዋ እቲ ንጉስን ኮይና ዝጸንሐትን'ያ።
ኣብ 2016 ዝሞተ ንጉስ ብሁሚቦል ኣዱልያጅ ን70 ዓመት ብንግስና ታይላንድ ክመርሕ ዝጸንሐን ኣብ ዓለም ነዊሕ ዓመት ንግስና ዝሓዘን'ዩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







