ንጉስ ስዋዚላንድ፡ 'ሃገረ ስዋቲኒ' ክብል ሰይሙዋ

ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ ኣብ በዓል

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

ኣብዚ ዓለም ሽም ሓንቲ ሃገር ክቕየር ዝደልዩ ሰባት ብዙሓት የለዉን። ንጉስ ምስዋቲ ግና፡ ሓደ ካብቶም ዉሑዳት ንጉሳት ዓለም'ዩ።

ንጉስ ምዋስቲ ሳልሳይ ስዋዚላንድ ትማሊ መበል 50 ዓመት መዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር እንትኽበር፡ "መንግስቲ ስዋቲኒ" ኮይና ከምእትቕጽል ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እቲ ምድላዉ መበል 50 ዓመት ልደት እቲ ንጉስ'ዉን ኣኽቢሩ'ዩ።

እቲ ንስዋዚላንድ ዝተዉሃበ ሓዱሽ ሽም ስዋቲኒ "መሬት ስዋዚላዉያን" ዝብል ትርጉም ዝሓዘ ኮይኑ፡ እቲ ለዉጢ ሽም እታ ሃገር ትጽቢት ዘይተገበሮ ከምዝኸነን ይግለጽ።

እቲ ንጉስ ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣብ 2014 ድማ ኣብ መኽፈቲ ፓርላማ ሃገሩን እዚ ሽም ዝተጠቐመሉ እንትኾን፡ ምኽንያት መቐየሪ ሽም እታ ሃገር ናብ ወጸኢ ሃገራት እንትንኸይድ ሰባት ስዋዚላንዳዉያን እናመሰልናዮም ኢና ክብል ገሊጹ ኣሎ።

በዓል ዓልቲ ናጽነት ስዋዚላንድ

እዚ ለዉጢ ሽም ግና ዉሑዳት ከምዘቖጠዐን እቲ ንጉስ ዝተሃሰየ ቑጠባ እታ ሃገር ትኹረት ክገብር ከምዘለዎን'ዮም ዝገልጹ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር፡ መሪሕነት ስዋዚላንድ ፖለቲካዊ ዉድባት ብምኽልኻልን ደቂ ኣንስትዮ ብምድኻምን ክወቕሱዎ ጸኒሖም።

ስዊዝላንድ

•ኣብ ኣፍሪቃ እታ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ ዝተረፈት

•ወደብ ዘይብላ ሃገር

•ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ 15 ኣንሽቲ ኣለዉኦ

•እታ ሃገር ኣብ ዓለም ዝለዓለ ዝርግሐ ኤች ኣይቪ፣ ዝተሓተ ዕድመ መነባብሮ ድማ ኣለዋ