ኬቲ ሆቹል - ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት ኒውዮርክ መን እያ?

ኣመሓዳሪት ኒውዮርክ ኬቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኬቲ ሆቹል፡ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩዋሞ ብምኽንያት ጾታዊ ትንኮያ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ምስ ገለጸ ንዕኡ ንምትካእ ዝተመዘዘት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት እታ ግዝኣት እያ።

ኣንድሪው ኩዋሞ፡ እቲ ብብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝቐርበሉ ዘሎ ክሲ ጾታዊ ትንኮያ ኣይቕበሎን።

ኒውዮርክ፡ ኣብ ኣመሪካ ብብዝሒ ህዝባ ራብዐይቲ ኮይና ሜቲ ሆቹል ላዕለወይቲ ፖለቲከኛ እዛ ገዛፍ ግዝኣት ኮይና ኣላ።

ንምዃኑ ኬቲ ሆቹል መን'ያ? ዝብል ክንሕብረኩም።

Short presentational grey line

ኣንድሪው ኩዋሞ፡ "በላሕን ተወዳዳሪትን" እያ ክብል ዝገለጻ ጓል 62 ዓመት ማእከላይ መርገጺ ዘለዋ ዴሞክራት ኮይና ኣብ ኒውዮርክ ከተማ ቡፋሎ'ያ ዓብያ።

ብ2014 ዓ.ም ናብ ምምሕዳር ኒውዮርክ ክትጽምበር እንከላ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግዝያዊት ኣመሓዳሪት እታ ግዝኣት ኮይና ትርከብ።

ወለዳ ኣብ ስራሕቲ ሓጺነ መጺን ዝተዋፈሩ ኮይኑ፡ ኣቦሓጎታታን እኖ ሓጎታታትን ብምኽንያት ኣብ የርላንድ ዝነበረ ድኽነት ናብ ኣመሪካ ዝተሰደዱ'ዮም።

ወለዳ ንዓኣ ሓዊሱ ሽዱሽተ ቖልዑት ኣፍሪዮም። ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲሪከስ ቐዳማይ ዲግሪ ክትውድእ እንከላ፡ ኣብ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ብሕጊ ዲግሪ ተመሪቓ።

ናብ ኮንግረንስ ቅድሚ ምምራጻ ኣብ ህንጻ ካፒቶልን ከባቢኡን ተሓጋጋዚት ኮይና ብምስራሕ እያ ጀሚራ።

ኣብ ስርሓ፡ ንመሰል ግዳያት ዘቤታውን ጾታውን ዓመጻት ክትቃለስ ጸኒሓ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ነቲ ኣንጻር ኣንድሪው ኩዋሞ ኣብ ልዕሊ መሳርሕቱ ከይተረፈ ፈጺሙዎ ዝተባህለ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምቅዋም "ይኣክል ማለት ይኣክል'ዩ" ብዝብል ዝተኻየደ ጎስጓስ መሪሓቶ።

ብ2006 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ምስ ኣዲኣን ሓትንኣን ብምዃን ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝጸንሓሉ ገዛ ከፊታ።

ብ2008 ድማ፡ ኣብቲ ግዜ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ዝነበረ ኢሎት ስፒትዜር ንዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ፍቓድ መግንሒ መኪና ክህብ'የ ንዝብል መደቡ ብምቅዋም ኣዘራራቢት ኮይና ነይራ።

ነዚ ኣመልኪቱ ድሕሪ 10 ዓመት ኣብ ዝሃበቶ ርኢይቶ "ሽዑ ግዝኡ ካልእ'ዩ ነይሩ" ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቶም ኣብ ልዕሊ ኣንድሪው ኩዋሞ ነቐፌታ ዘቕርቡ ዘለው ፖለቲከኛታት ክትጽምበር እንከላ፡ ንሱ ካብ ስልጣን ክወርድ ምውሳኑ "ትኽክለኛ'ዩ" ብምባል ተግባራቱ "ዘይሕጋውን ጸያፍን" እዩ ክትብል ኮኒና።

ብወገና፡ ህዝቢ ንምግልጋል ድልውቲ ምዃና ሓቢራ።

ቅድሚኡ እቲ ኣመሓዳሪ ብዛዕባ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጉዳይ እትፈልጦ ጉዳይ ከም ዘይነበረት ዝገለጸት ኬቲ፡ ምስኡ "ዝበዝሕ ግዜ ብኣካል ይኹን ካልእ" ዝቐርቦ ኣይነበረን ኢላ።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራ "ዘይምቹእ" ኩነታት ስራሕ ከም ዘይህሉ ከኣ ተመጻቢዓ።

ኣንድሪው ኩዋሞ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩዋሞ ንሱ ብምኽንያት ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ሳልሳይ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ'ዩ።

ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት ኣብ ዘካየዶ ዘይሻራዊ ምጽራይ፡ ወዲ 63 ዓመት ኩዋሞ ንሰራሕተኛታት ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 11 ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ኢሉ።

እቲ ኣመሓዳሪ ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ድልየት ዘይተመስረተን ምትንኻፋት ፈጺሙን ብዙሓት ጽዩፋት ዘረባታት ተዛሪቡን እዩ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ።

ኣመሓዳሪ ኩሞ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ'ታ ዘመሓድራ ግዝኣት ንኮሮረናቫይረስ ብዝነበሮ ኣተሓሕዛ ይውደስ ነይሩ።

ኬቲ፡ "ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መንግስቲ ዘገልገልኹ ሰብ ስለ ዝኾንኩ፡ ሕጂ ድማ መበል 57 ኣመሓዳሪት ኒውዮርክ ኮይነ ክሰርሕ ድልውቲ'የ" ክትብል ኣብ መግለጺኣ ሓቢራ።