ቶኪዮ ኦሎምፒክ፡ ሲፋን ሓሰን ናብ ኢትዮጵያ ዘይምምላሰይ ኣየጣዕሰንን ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ሰለስተ ሜዳልያ ዝተዓወተት ኣትሌት ሲፋን ሓሰን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ "ነታ ሃገር የዕንዋ'ዩ ዘሎ" ብምባል በዚ ምኽንያት እታ ሃገር ኣትሌታታ ካብ ምስኣን ንምውሓስ ምምርቓሕ ስልጣን ክህሉ ጸዊዓ።
ቅድሚ 14 ዓመት ካብ ኢትዮጵያ ዝወጸት ሲፋን፡ ኣብቲ ኣብ ቶኪዮ ዝተኻየደ ውድድር ነታ እትወዳደረላ ሃገረ ኔዘርላንድስ ብ5ሽሕን 10 ሽሕን ሜትሮ ወርቂ ሜዳሊያ፤ ብ1500 ሜትሮ ድማ ሜዳሊያ ነሓስ ተዓዊታ እያ።
እታ ጓል 28 ዓመት ኣትሌት፡ ተወላዲት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዓመታት ዓብዪ ርእሰ ምሕደራ ካብ ዝጠልብ ብብዝሒ ህዝቢ ዝዓበየ ዝኾነ ብሄር ኦሮሞ ኮይና፡ ኣብቲ ክልል ክሳብ "ናጽነት" ዝበጽሕ ጠለብ ዘለዎም ሓይልታት ይንቀሳቐሱ'ዮም።
ቅድም ኢሉ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ዘመዝገበቶ ክብረ ወሰን ዓለም ኣብ ውሽጢ መዓልታት ብኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ተሰይሩ ነይሩ።
ለተሰንበት፡ ተወላዲት እታ ንትሸዓተ ወርሒ ኲናት ዝካየደላ ዘላ ክልል ትግራይ ኮይና ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ውድድራት ኣትሌቲክስ ክትሳተፍ ጸኒሓ።
ሲፈን ሓሰን ምስ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት፡ ኣብ ኦሮሚያ ዝፍጠር ዘሎ ኩነታት ልቢ ዝሰብር እዩ ብምባል ገሊጻቶ።
"ካብታ ሃገር ብምውጽአይ ፈጺመ ኣይጥዓስን፤ ክምለስ'ውን ኣይደልን። ኣዝዩ ዘሕምም ነገር'ዩ፤ ብዛዕብኡ ክሓስብ ከለኹ የሕመኒ'ዩ" ኢላ።
ንሳ፡ ክሳብ 2007 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዝብሃል ናይ ቑልዕነት ግዜ ከም ዝነበራ ተዛሪባ።
![[ጸጋም] ኣትሌት ቃልኪዳን -ባሕሬን፣ [ማእከል] ኣትሌት ሲፈን -ኔዘርላንድ፣ [የማን] ኣትሌት ለተሰንበት - ኢትዮጵያ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/081E/production/_119887020__119892443_10000mpodium_getty_1234536483.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ኣብ ቶኪዮ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ዝተወዳደራ ሰለስቲአን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን'የን።
እንተኾነ እታ ካልኣይቲ ዝወጽአት ኣትሌት ቃልኪዳን ገዛሀኝ ንባሕሬን ክትውክል እንከላ፡ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ጥራይ እያ ንኢትዮጵያ ብምውካል ተወዳዲራ ሜዳሊያ ነሓስ ኣምጺኣ።
እታ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝባ ካልአይቲ ምዃና ዝንገረላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ታሪኻ ዓሌታዊ ምትፍናናት ክርኣያ ዝጸንሐት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣትሌት ሲፈን እዚ ኩነታት እታ ሃገር ተስፋ ዝግበረሎም ኣትሌታት ክትስእን ምኽንያት ይኸውን ኣሎ'ዩ ክትብል ነቒፋ።
"ኣብ ሕሉፍ እቲ መንእሰይ ነንሕድሕዱ ክፋቶ እየ ዝፈልጥ ነይረ፤ ሕጂ ግን ብጽልኢ ተዋሒጡ ኣሎ። ከምዚ ኢሎም ንርእሶም ኢትዮጵያውያን ኢሎም ይጽውዑ፤ ኣብዚ ሰዓት ግን ብዙሓት ተጋሩ ንርእሶም ኢትዮጵያውያን ኢሎም ከም ዘይጽውዑ ርግጸኛ እየ" ኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ሲፋን ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ክትሰብሮ እንከላ፡ ብዙሓት እቲ ሓድሽ ክብረወሰን 'ብትግራወይቲ እምበር ብኢትዮጵያዊት ኣይኮነን ተመዝጊቡ' ኢሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይጽሕፉ ነይሮም።
ኣብዚ ወርሒ፡ ኤጀንሲታት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኦሮሚያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣለው ክብሉ እንከለው፡ ኣብ ትግራይ ሚልዮናት ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮም ይገልጹ።
"ኣዝዩ ዘሰክፍ'ዩ" ዝበለት ኣትሌት ሲፋን፡ "ለተሰንበት እትነኣድ ኣትሌት እያ፤ ካብቲ ዝመጽአትሉ ክልል ግን ብዙሓት ንኣሽቱ ቖልዑት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኮይነን'የን። ክንደይ ዝኣኽላ . . . ምናልባት ከማይ ዓቢ ሕልሚ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ፡ ከም ዝተዓመጻ ትፈልጥ ዲኻ?" ኢላ።
እተን ኣብ ኦሎምፒክ ዓለም ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ዝተራእየ ሰለስተ ተወለድቲ ኢትዮጵያ ጎየይቲ ንዝተፈላለያ ሃገራት ክዕወታ እንከለዋ ምርኣይ፡ እቲ ሕብረተሰብ ናብ ሓደ ከምጽእ እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ'ዩ ብምባል እቲ ህዝቢ ዚያዳ ዓርሰ ምሕደራ ዝጠልብ ምዃኑ ዘርኢ'ዩ ኢላ።
እቲ ኣብ 2018፡ ናብ ስልጣን ዝደየበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድማ "ስልጣን ናብ ማእከል ናይ ምጥቕላል ድልየት እዩ ዘለዎ" ክትብል ነቒፋ።
"ኣነ እንተዝኸውን ነይረ፡ ስልጣነይ ምገደፍኩ። ህዝቢ ድማ ድልየቱ ክመርጽ ምገበርኩ" ኢላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







