ንጀርመን ወኪሉ ኣብ ኦሎምፒክስ ዝሳተፍ ዘሎ ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ መን’ዩ?

ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ (ጸጋም)

ምንጪ ስእሊ, Aman Petros

መግለጺ ስእሊ, ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ (ጸጋም)

ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ 1995 ኣብ ኤርትራዊት ከተማ ዓሰብ ዝተወለደ ኣማኑኤል ጴጥሮስ፡ ኣብ ክልተ ዓመቱ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ትግራይ ከይዱ፡፡ ክሳብ 16 ዓመቱ ድማ ኣብታ ኣብ መንጎ ከተማታት መቐለን ዓዲግራትን እትርከብ ከተማ ውቕሮ ዓብዩ፡፡

ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ጉያ ዝነጥፍ ዘሎ ኣትሌት ኣማን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድድራት ብምስታፍ ብዘምዘገቦም ዓወታት ካብቶም ጽቡቕ ሽም ዘለዎምን ዝያዳ ትጽቢት ዝግበረሎምን መንእሰይ ኣትሌታት ሓደ እዩ፡፡

ብፍላይ ኣብ ሻምፒዮና ጀርመን ብዙሓት መዳልያታት ዝዓተረ ኣማን ጴጥሮስ፡ በቲ ኣብ 2020 ኣብ ቫለንሺያ ዘመዝገቦ ሰዓት፡ ናይ ሃገረ ጀርመን ክብረ ወሰን ማራቶን ሒዙ ይርከብ፡፡

ኣብዚ እዋን ድማ ካብቶም ንሃገረ ጀርመን ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ብማራቶን ዝውክሉ ኣትሌታት ሓደ ኮይኑ፡ ብርቱዕ ምድላው ይገብር ከምዘሎን ተዓዋቲ ሜዳልያ ንምዃን ከምዝጽዕርን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ገሊጹ፡፡

ብሕታውነት ዝወለዶ ጉዕዞ ህይወት ኣትሌቲክስ

እዋን ቁልዕነቱ ኣብታ ብዙሓት ስነ ጥበባውያንን ስፖርተኛታትን ዝወጹላ ምዉቕቲ ከተማ ውቕሮ ዘሕለፈ ኣትሌት ኣማን፡ ንሱ እውን ንጸወታታት ኩዕሶ እግሪ፣ ጉያን ቴንስን ፍቕሪ ነይሩዎ፡፡ ኮይኑ ግና ከም ሞያ ወሲዱ ኣብ ስፖርት ክነጥፍ ሓሳብ ኣይነበሮም፡፡

ኣብ መበል 16 ዓመቱ ብስደት ናብ ሃገረ ጀርመን ምስ ከደ እዩ፡ ምስ ኣትሌቲክስ ሃንደበት ጎፍ ንጎፍ ዝተራኸቡ፡፡ ኣብቲ ናብታ ሃገር ዝኣተወሉ 2012፡ ናይ ቀረባ ዘመድን መቕርብን ስለዘይነበሮ ብሕታውነት ይስመዖ ነበረ፡፡ ካብ ብሕታውነቱ ንምህዳም ድማ ናብ ኣትሌቲክስ ተጸገዐ፡፡

‘‘ኣብ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርቲ እናተምሃርና፡ ኣብቲ ዝነበርናሉ ቦታ፡ ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረቡ ወይ ኣዕርኽቲ ስለዘይነበሩኒ፡ ዝፈጠርክዎ ሜላ እዩ’’ ይብል፡፡

እቲ ካብ ብሕታውነት ንምህዳም ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣብቲ ዓውዲ ምስዝነጥፉ ሰባት ክላለን ብቐሊሉ ቋንቋን ባህልን እቲ ሓድሽ ዓለም ክፈልጥን ከምዝሓገዞ ዝዝክር ኣማን፡ ብኣትሌቲክስ ‘‘ኣብዚ ሕዚ በጺሐዮ ዘለኹ ደረጃ ክበጽሕ እየ ዝብል ዓላማን ግምትን ኣይነበረንን’’ ክብል ይገልጽ፡፡

እንተኾነ እቲ ጅማሮ ዕሽሽ ዝበሃል ዘይኮነስ ኣብ ከባቢኡ ናይ ዝነበሩ ሰባት ‘‘ እሰይ! የዕብየለይ’’ ተወሲኽዎ፡ ከም መገዲ ህይወቱ ነኺሱ ሒዝዎ፡፡

ንምዝንጋዕ ከይዱ፡ ሜዳልያ ሒዙ ዝተመለሰሉ ኣጋጣሚ

ኣብ መወዳእታ 2012፡ ኣማንን መማህርቱን ምስ መምህራኖም ካብ ዝነብሩሉ ካበቢ ርሕቕ ኢሎም ናይ መዘናግዒ ጉዕዞ ገይሮም፡፡ ኣብቲ ዝኸዱዎ ከባቢ ናይ ኣትሌቲክስ ውድድር ስለዝነበረ ድማ ወዝቢ ከይዱ ተመዝጊቡ፡፡

‘‘እቶም ምሳይ ዝነበሩ ይስሕቑን ይዋዘዩለይን ነይሮም፤ ከም ቁም ነገር ገይረ ዝወስዶ ኣይመሰሎምን ነይሩ’’ ክብል ይዝክር፡፡

ኮይኑ ግና እታ ፈላመይቲ ውድድሩ መገዲ ህይወቱ ዝቕይር ሓቦን ባህግን ኣስኒቓቶ፡፡

ኣማን ጴጥሮስ

ምንጪ ስእሊ, Aman Petros

‘‘ናይ 10 ኪሜ ውድድር እዩ፡፡ ናይቲ ከባቢ ክብረ ወሰን ሰይረ ቀዳማይ ብምውጻእ ናይ መጀመርታ ሜዳልያ ዝረከብኩላ እያ ነይራ፡፡ እታ መዓልቲ ንሳ ኣይርሳዓን፤ ንሳ እያ ናብዚ ኣብጺሓትኒ፡፡ በታ ሓንቲ ሜዳልያ ዝረኸብክዎ ድጋፍ ብቃላት ክገልጾ ኣይክእልን፡፡’’

‘‘ተዘናጊዕና ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደ ዓብዪ ታሪኽ ሒዝና ተመሊስና፡፡’’

ኣማን ድሕሪ እዚ ብኣጋጣሚ ዝተረኸበ ዓወት፡ ናብ ኣትሌቲክስ ክኣቱ ወሲኑ፤ ብተበግሶኡ ዝተሓጎሱ ሰባት ድማ ሙሉእ ዕጥቂ ክረክብን ኣብ ክለባት ተሓቚፉ ክነጥፍን ሓጊዞምዎ፡፡

ካብ ሻምፒዮና ጀርመን ክሳብ ንግስና ክብረ ወሰን ማራቶን ሃገረ ጀርመን

ኣብ መወዳእታ 2012 ኣብ ፈላማይ ውድድሩ ብዝረኸቦ ዓወት ውህብቶኡ ዘለለየ ኣማን ጴጥሮስ፡ ምስ ኣትሌቲክስ ማይን ጸባን ኮይኖም። መድረኻት ኣትሌቲክስ ጀርመንን ዓለምን ድማ ብውድድራት 5 ሽሕ ሜትር፣ 10 ሽሕ ሜትርን ማራቶንን ድማ ሽም እዚ ኣትሌት ክጽውዑ ግድን ኮነ፡፡

‘’ኣብ ምድብ ዕድመ ትሕቲ 23 ን ልዕሊ 23 ን ዓመት ሻምፕዮንሺፕ ጀርመን፡ 13 ጊዜ ክዕወት ክኢለ እየ’’ ዝብል ኣትሌት ኣማን፡ ኣብ ሻምፒዮንሺፕ ኣውሮጳን ዓለምን እውን ብዝርክት ዝበሉ ሜዳልያታት ከምዝተዓወተ ይገልጽ፡፡

‘‘ጠቕላላ ኣትሌቲክስ ካብ ዝጅምር፡ ከባቢ 103 ሜዳልያታት ኣለዉኒ፡፡’’

ኣማን ጴጥሮስ

ምንጪ ስእሊ, Aman Petros

ካብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ናብዚ ድማ ካብቲ ቅድም ክብል ዝነጥፈሉ ዝነበረ ርሕቐት 5 ሽሕን 10 ሽሕን ናብ ማራቶን ገጹ ብምዛር ኣብ ኣትሌቲክስ ጀርመን ሓድሽ ታሪክ ምጽሓፍ ክኢሉ እዩ፡፡

ኣብ ታሕሳስ 2020 ኣብ ስፔን ቫለንሽያ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ማራቶን 2፡ 07፡ 18 ብዝኾነ ሰዓት ብምዕዋት ሓድሽ ክብረ ወሰን ማራቶን ሃገረ ጀርመን ኣመዝጊቡ፡፡

እቲ ኣብ ቫለንሽያ ዘመዝገቦ ዓወት፡ ‘‘ዓብዪ ትርጉም ዝህቦን ህይወተይ ዝቐየረን’’ ክብል እዩ ዝገልጾ፡፡

‘‘ዓለም ለኸ ተፈላጥነት ክህልወንን ናብ ቅድሚት ከምጸአንን ዝኸኣለ ውጽኢት እዩ፤ በዚ ምኽንያት ናይ ኦሎምፒክ ተሳታፊ እየ፡፡ ፈላማይ ናይ ኦሎምፒክ ውድድረይ እዩ፤ ሓጎሰይ ክገልጾ ኣይክእልን፡፡’’

ኣትሌት ኣማኤል ነቲ ኣብ ታሪኽ ኣትሌቲክስ ‘‘ማርሺ ቐያራይ’’ ብዝብል ዝፍለጥ፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ 1980 ኣብ ሞስኮ ብጉያ 5 ሽሕን 10 ሽሕን ሜትር ንሃገሩ 2 ወርቂ ሜዳልያታት ዘምጸአ ኣትሌት ምሩጽ ይፍጠር፡ ኣዝዩ ከምዘድንቖን መርኣይኡ ከምዝኾነን ይገልጽ፡፡

ንድሕሪ ሕዚ ኣብ ኦሎምፒክን ሻምፒና ዓለምን ሜዳልያታት ንምርካብ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ዝገልጽ ኣትሌት ኣማን፡ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ዘሎን ንሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ወኪሉ ክወዳደር ዝተሓረየሉን ኦሎምፒክ ሜዳልያ ንምርካብ ከምዝጎዪ ይገልጽ፡፡

‘‘ቀንዲ ዕላማይ ናይ ሜዳልያ ተዓዋቲ ምዃን እዩ፤ ንዕኡ እየ ድማ ቀትርን ለይትን ዝጽዕር ዘለኹ፡፡ እዚ ፈላማይ ኦሎምፒክ ልምዲ ዝደሊ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ግን ድማ ናይ መወዳእታ ኦሎምፒክ ኣይኮነን፡፡’’

ዜግነቱ ጀርመናዊ ዝኾነ ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ፡ ኣብታ ብስደት መጺኡ ጎበዝ ኣትሌት ንምዃን ዝበቐዐላ ሃገር ጽቡቕ ዕድል ከምዝረኸበን ነታ ሃገር ወኪሉ ክጎዪ ምኽኣሉ ሕጉስ ምዃኑን እዩ ዝገልጽ፡፡

‘‘ካብ መሬት ኣልዒሎም ከተስኡኒ ዝኸኣሉ ቤተሰብ ወይ ኣዕኽቲ ነይሮምኒ፤ ዘይሓስብከዎ ሕልመይ ተግባራዊ ክገብርዎ ክኢሎም፡፡ ዝገበሩለይ ውዕለታ ቃላት ዝገልጾ ስለዘይኮነ፡ ንሃገረ ጀርመን ወኪለ ክጎዪ ዘገድደኒ ብዙሕ ነገር ነይሩ፡፡ (ንጀርመን) ብምጉያየይ እውን ብጣዕሚ ሕጉስ እየ፡፡’’

ኣማን ጴጥሮስ

ምንጪ ስእሊ, Aman Petros