ኦሎምፒክ ቶክዮ፡ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ወርቂ መዳልያ ብጉያ እግሪ ዓቲራ

ምንጪ ስእሊ, WORLD ATHLETICS
ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ኣብቲ ኣብ ጃፓን ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኦሊምፒክ ቶክዮ ወርቂ መዳልያ ተዓዊቱ።
እቲ ኣብ ናይ 10,000 ሜትሮ ጉያ እግሪ ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተ ኣትሌት፡ ኣብ መወዳእታ ብዘርኣዮ ቅልጣፈ መወዳድርቱ ከርክብዎ ኣይክኣሉን።
ሰለሞን፡ 27፡43፡22 ግዜ ብምምዝጋብ፡ ኣሰር ናይቲ ክብረወሰን ዓለም ዝወነነ ጆሽዋ ቼፕተገይ ተኸቲሉ'ዩ ውድድሩ ዛዚሙ ዘሎ።
ዓወት ናይቲ ኢትዮጵያዊ፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ኢትዮጵያውያን ኣዝዩ ከምዘሐበኖም ጸብጻባት ሓቢሮም።
ብዙሓት ካብኦም፡ ክስዕስዑን ክደርፉን ተራእዮም።
እቲ ወዲ 21 ዓመት ዝተጓናጸፎ ዓወት ኣብዚ ውድድር ኢትዮጵያ ዝረኸበቶ ቀዳማይ ወርቂ መዳልያ እዩ።
ፕረዚደንት ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ደራርቱ ቱሉ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ናይቲ ትካል ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን "እንቋዕ ደስ በለና" ኢላ።
ደራርቱ ቱሉ ሓንቲ ካብ ፍሉጣትን ዕዉታትን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ምዃና ይፍለጥ።
"ንመላእ ህዝብታት ሃገርና፡ ብስመይን ብስም ፈጻሚ ስራሕን ኣካያዲ ኮሚተን ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ፡ ኣሰልጠንቲ፡ ሰብመዚን ሰራሕተኛተትን ደጊመ እንቋዕ ደስ በለና እናበልኩ፡ ንኹልኹም እቶም ኣብቲ ዝሓለፈ ሸሞንተ ናይ ምድላው ኣዋርሕ ኣብ ጎንና ዝነበርኩም ምስጋናይ ልዑል'ዩ። ዓወት ክቕጽል'ዩ" ኢላ።
ኣብዚ ውድድር ዓቢ ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ፍሉጥ ኬንያዊ ኣትሌት ጆሽዋ ቼፕተገይ ብሩር ክዕወት እንከሎ፡ ኡጋንዳዊ ጃኮብ ኪፕሊሞ ድማ ነሓስ መዳልያ ብምውሳድ ተኸታቲሎም ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ።
ኣብቲ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት በሪሁ ኣረጋዊ 4ይ ከምኡ'ውን ዮሚፍ ቀጄል 8ይ ከምዝወጹ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







