ቶኪዮ ኦሎምፒክ፡ ኣብ ታሪኽ ፈላማይ ወርቂ ሜዳሊያ ኦሎምፒክ ዝተዓወተት ንኡሽቶ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
63 ሽሕ ብዝሒ ህዝቢ ጥራይ ዘለዋ ቤርሙዳ ኣብ ዓለም ፈላመይቲ ወርቂ ሜዳሊያ ኦሎምፒክ ዝተዓወተት ዝነኣሰ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ።
ኣብ ቶክዮ ይካየድ ኣብ ዘሎ ውድድር ኦሎምፒክ 2020፡ ኣትሌት ፍሎራ ዱፊ ትማሊ ንሃገራ ወኪላ ተወዳዲራ።
ኣብቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ ውድድር ትራይትሎን [ሰለስተ ዓይነታት ስፖርት ዘጣመረ ውድድር] ድማ ወርቂ ሜዳሊያ ተዓዊታ።
ውድድር ትራይትሎን 51 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን እዩ። ቤርሙዳ ከኣ ካብ ኒውዮርክ ብ15 ዕጽፊ ዝነኣሰት'ያ።
እዚ ማለት እታ ሃገር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተደሚራ 40 ኪሎ ሜትሮ እያ።
እዛ ጓል 33 ዓመት ኣትሌት ንራብዓይ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ ክትሳተፍ እንከላ፡ እቲ ብሰሉስ ዝነበረ ውድድራ ብሓደ ሰዓት 55 ደቒቕን 36 ካልኢትን ዛዚማ።
ካብ መወዳድርታ ኢንግሊዛዊት ጆርጂያ ታይለር ብራውንን ኣመሪካዊት ኬቲ ዛፈሬስን ብልዕሊ ሓደ ደቒቕ ቐዲማ እያ ኣትያ።
እዚ ውጽኢት ሓንቲ ካብተን በቲ ዓውዲ ብሉጽ ውጽኢት ዘለወን 56 ደቂ ኣንስትዮ ዝገብራ ኮይኑ ኣሎ።
ሃገራ ቤርሙዳ ድማ ኣብ ታሪኽ ኦሎምፒክ ፈላሚ ወርቂ ሜዳሊያ ዝረኸበት ዝነኣሰ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ክትኸውን ኣኽኢሉዋ።
"ንሓሙሽተ ዓመታት ብዙሕ ጸቕጢ ነይሩ። ሕጂ መላእ ቤርሙዳ ሕጉስ ከም ዝኾነ ይግምት። ነዚ'ዩ እቲ ውጽኢት ንዓይ ፍሉይ ዝገብሮ፤ ሕልመይ'ውን ነይሩ" ኢላ ፍሎራ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ1976 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ተወዳዳሪ ጉስጢት ክላረንስ ሂል ንሃገሩ ነሓስ ኣምጺኡ ነይሩ።
ፍሎራ ቆልዓ እናሃለወት ንብሪጣኒያ ወኪላ ክትወዳደር ዝነበራ ድልየት ተቐባልነት ብዘይምርካቡ እቲ ዕድል ተነፊጋ ነይራ።
ብ2018 ግን፡ ቤርሙዳዊት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቻምፒዮን ጸወታታት ኮመንዌልዝ ተባሂላ ኣብ ታሪኽ ሽማ ኣጽሒፋ'ያ።
"ሕጂ ድማ ንቤርሙዳ ወርቂ ሜዳሊያ ዘምጽአት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ምዃነይ የሐብነኒ። ንኻልኦት ብዙሓት ከተባብዕ'የ ኢለ ኸኣ ተስፋ ይገብር" ኢላ።
ኣብ ቶክዮ ክሃርም ዝሓደረ ዝናብ እቲ ውድድር ዝጅመረሉ ሰዓት ብ15 ደቓይቕ ክዝንግዕን ሸታሕታሕ ዘብል ኩነታት ክፍጠርን'ኳ እንተገበረ፡ ፍሎራ ድሕሪ ሓደ ግዜ ዘጋጠማ ምንሽርታት ንድሕሪት ከይተመልሰት ውድድራ ብዓወት ክትዛዝም ክኢላ።
"ኣብ ጫፍ መገዲ ንበዓል ቤተይ ርእየዮ፤ ኣሰልጣንየይ'ዩ። ቁሩብ ክምስታ ኣርእዩኒ፤ ድሕሪኡ ኩሉ ስምዒታተይ ክእከብ ገይረ" ኢላ።
እዛ ኣትሌት ብ2008ን 2012ን ኣብ ኦሎምፒክስ ተሳቲፋ ነይራ እያ።
እንተኾነ ብ2016 ኣብ ሪዮ ኣብ ዝነበረ ውድድር ሜዳሊያ ንምርካብ ዓሊማ'ኳ እንተኸደት ውድድራ ሻምነይቲ ኮይና ዛዚማ።
ድሕሪኡ፡ ንሓደ ዓመት ካብ ስፖርታዊ ውድድራት ክትርሕቕ ዝገብራ መጉዳእቲ እግሪ ኣጋጢሙዋ። ብ2018-2019 ከምኡ'ውን 2020 ኣብ ጸገም ከም ዝጸንሐት ተዛሪባ።
"ሕጂ ወርቂ ሜዳሊያ ክዕወት ምኽኣለይ ንኹሉ ዝሓለፍኩዎ መጉዳእቲ፣ በዳሂ እዋናትን ሓዘንን ዝድብሶ ኮይኑ'ዩ" ብምባል ዝተሰምዓ ሓጎስ ገሊጻ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







