ኣብ ቶክዮ ኦሎምፒክ 2020 ትጽቢት ዝግበረሉ ንሕንሕ ለተሰንበትን ሲፈንን

ኣትሌት ሲፈንን ለተሰንበትን

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL STEELE/GETTY IMAGES

ብናይ ክልተ መዓልታት ኣፈላላይ ክብረ ወሰን ዓለም ከመሓይሻ ዝኽኣላ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይን ሲፈን ሓሰንን ዳግም ኣብቲ ዓብዪ መድረኽ ኣትሌቲክስ ዝኾነ ኦሎምፒክ ቶክዮ ን10 ሽሕ ሜትሮ ክነሓንሓ እየን።

እዘን ኣትሌታት ኣብዚ መድረኽ ንኻልኣይ ግዜ’የን ዝራኸባ ዘለዋ።

ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ናይ ዓለም ክብረወሰን ብምምሕያሽ ሜዳሊያ ወርቂ ዝወሰደት ኣልማዝ ኣያናን ኣብቲ እዋን ተነሓናሒት ዝነበረት ቪቪያን ቺርዮትን ኣብቲ ኦሎምፒክ ተሳተፍቲ ስለ ዘይኮና፡ መጻኢ ቀዳም ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍጻመ 10 ሽሕ ሜትሮ እቲ ሜዳሊያ ወርቂ ካብ ለተሰንበት ግደይ ወይ’ውን ሲፈን ከም ዘይወጽእ ትጽቢት ይግበር።

ኣብዚ ውድድር ካልኦት ኣብ መሐለውታ ዘለዋ ተወዳደርቲ ጽጌ ገብረሰላማን ጸሃይ ገመቹን ንኢትዮጵያ ክውክላ እየን፤ ኬንያዊት ሄለን ኦቢሪ’ውን ሓንቲ ካብኣተን እያ።

ኣትሌታት ለተሰንበትን ሲፈንን፡ ብ2019 ኣብ ቀጠር ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ሻምናይ ኦሎምፒክ ኣትሌቲክ ዝተራኸባ ኮይነን፡ ሲፈን ወርቂ ክትወስድ እንከላ ለተሰንበት ካልኣይቲ ኮይና።

ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሳተፈሎም ውድድራት፡ ኔዘርላንዳዊት [ትውልደ ኢትዮጵያዊት] ቀንዲ ተነሓናሒት ምዃና ገሊጹ። ሲፈን ብ1500 ሜትሮ፣ 5ሽሕን 10 ሽሕን ወርቂ ሜዳሊያ ንምውሳድ ኒሕ ሒዛ ኣላ።

ኣብ ናይ 5ሽሕ ሜትሮ ውድድር እቲ ባህጋ ከተዐውት እንከላ፡ ኣብ መጻረዪ ውድድር 1500ሜትሮ’ውን ሓሊፋ። ብዙሕ ልምዲ ዘጥረየት ጓል 28 ዓመት ሲፈን ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ታሪኽ ክትሰርሕ መደብ ኣለዋ።

ብኻልእ ወገን ጓል 23 ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ውድድር ኦሎምፒክ ናይ መጀመርትኣ’ኳ እንተኾነ ሕጂ ዘለዋ ቑመና ኣብ ግምት ብምእታው ክትዕወት ከም እትኽእል ብዙሓት ግምቶም ይህቡ።

ብ1992 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ኣብ ኦሎምፒክ ባርሴሎና ዝተሳተፈት ጓል 23 ዓመት መንእሰይ ዝነበረት ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ወርቂ ረኺባ ነይራ።

ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት’ውን ኣብ ኦሎምፒክ ሲድኒ ተመሳሳሊ ዓወት ኣመዝጊባ እያ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኦሎምፒክ ቶክዮ፡ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ንለተሰንበት ዓብዪ ድጋፍ ትገብረላ ኣላ።

“ክልቲኤን ኢትዮጵያውያን’የን፤ ከም ዜጋ ግን ለተሰንበት ክትዕወት ትጽቢት ንገብር። ንለተሰንበት ኢና ንድግፍ። ሲፈን’ውን ናትና ስለ ዝኾነት ግን ንሕበነላ ኢና” ትብል።

ለተሰንበትን ሲፈንን

ለተሰንበት ግደይ፡ ተምሃሪት እናሃለወት ኣብ ናይ ስፖርት ክፍለ ጊዜ ‘ኣይጎይን’ ብምባላ መምህራ ወላዲ ከተምጽእ ሓቲቱዋ ነይሩ።

ሕጂ ግን፡ ለተሰንበት ብጉያ ኣብ ካልእ ዓለም እያ ዘላ። ናይዚ እዋን ክብረ ወሰን 10 ሽሕ ሜትሮ ወኒናቶ’ያ።

ሲፈን ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ብ1500ን 10 ሽሕን ሜትሮ ክልተ ወርቂ ብምውሳድ ታሪኽ ሰሪሓ ነይራ።

እዛ ንኔዘርላንድስ እትጎዪ ኣትሌት ኣብ ኦሎምፒክ ምስታፍ ፋልማያ ኣይኮነን። ኣብ ሪዮ አፐሎምፒክ ብ800 ሜትሮ ውድድር 5ይ ደረጃ ሒዛ ወዲኣ።

መጻኢ ቐዳም ኣብ ዝካየድ ውድድር፡ ለተሰንበት ብ10 ሜትሮ ንኢትዮጵያ ከተጸውዕ ትጽቢት ተገይሩላ ኣሎ፤ ሲፈን ድማ ኣብ ሓደ መድረኽ ኦሎምፒክ ሰለስተ ወርቂ ናይ ምርካብ ሕልማ ክተዐውት ክትጎዪ’ያ።

ሲፈን ንለተሰንበት ተስግኣ ድያ?

“እወ የተሓሳስበና’ዩ፤ ኣይኮነን ኣብ ዓለም ቑጽሪ ሓደ ተባሂላ እትጽዋዕ ኣትሌት ንኻልእ’ውን ክንንዕቖ የብልናን። ስለዚ ጥንቃቐ የድሊ’ዩ። ለተሰንበት እኹል ውድድር ገይራ’ያ፣ ጥዕንኣ ጽቡቕ’ዩ፣ ኣእምሮኣዊ ድልውነታ’ውን ጽቡቕ’ዩ፤ ኣቐዲምና ብዝግባእ ክትዳሎ ገይርና ኢና” ትብል ደራርቱ ቱሉ።

ንሻድሻይ ጊዜ ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፍ ዘሎን ብዋናነት ንለተሰንበት ዘሰልጥንን ኣሰልጣኒ ኮማንደር ሑሴን ሸቦ፡ ብዓቕማ’ኳ እንተዘይተጠራጠረ ሲፈን ጠንካራ ተነሓናሒት ከም እትኾና ይኣምን።

“ኣብ 5 ሽሕን 10 ሽሕን ብዘለዋ ልምዲ [ሲፈን] ጠንካራ ተነሓናሒት ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን” ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ሲፈን ኣብ መወዳእታ ዙርያ ብፍጥነት ናይ ምጉያይ ልምዲ ከም ዘለዋ ይዛረብ።

“ሲፈን ኣብ ናይ ወመዳእታ ውድድር ካብ ለተሰንበት ዝበለጸ ፍጥነት’ዩ ዘለዋ። ከም ታክቲክ ግን ለተሰንበት፡ ንሲፈን ከየርሓቐት እቲ ውድድር ክልተ ዙርያ ክሳብ ዝተርፎ ብማዕረ እንተጎየን ሲፈን ክትፍተን ትኽእል’ያ” ኢሉ።