ሳማዋ፡ ቃለ መሓላ ክትፍጽም ባይቶ ዝተዓጸዋ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር

ፊያሜ ናኦሚ ማታፋፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሽም እዛ ደሴታዊት ሃገር ክንደየናይ ሰሚዕኹምዎ ከይትኾኑ። ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ህዝቢ ጥራሕ'ዩ ኣብዛ ንኡሽቶ ደሴት ፓስፊክ ዝነብር።

እዛ ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ደሴት ሃገር ሳማዋ እያ እትበሃል።

እምብኣርከስ እዛ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝተዓወተት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ትማሊ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን ቃለ መሓላ ክትፍጽም ነይሩዋ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝግብኦ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን ከሊኡዋ። ንሱ፡ 'ካብ ስልጣነይ ኣይወረድን' ስለ ዝበለ ንባይቶ እታ ሃገር ዓጽዩዎ ውዒሉ።

ኣማራጺ ስለ ዘይነበራ ከኣ፡ ኣብ ቐጽሪ እቲ ባይቶ ኣብ ዘሎ ናይ ኣትኽልቲ ቦታ ኣብ ዝተሰርሐ ድንኳን ቃለ መሓላ ፈጺማ።

ፊያሜ ናኦሚ ማታፋፋ፡ ኣብ 20 ዓመት ንፈለማ እዋን ነታ ሃገር ክትመርሕ ዝተመረጸት ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እያ።

ቱይላፓ ሳሌሉ ማሊኤለጋዮይ፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ነዛ ብማይ ዝተኸበበት ሃገር ክመርሕ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ።

ቤት ፍርዲ 'ብድምጺ ስለ ዝተስዓርካ ደጊምስ ካብ ስልጣንካ ውረድ' እንተበሎ'ውን 'ኣይፋለይን' ኢሉ ሓንጊዱ ኣሎ።

ካብዚ ዝነቐለ እታ ሃገር ኣብ ኢድ መን እያ ክትጸንሕ? ዝብል ሕጂ'ውን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ሓጺር ብዛዕባ ፊኣሚ ናኦሚ

ፖለቲካዊ ብቕዓት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊያሜ ናኦሚ ማታፋፋ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን።

ካብ መፋርቕ 1980ታት ጀሚራ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ክትነጥፍ ዝጸንሐት ጓል 64 ዓመት ፊያሚ፡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይና ከተገልግል ጸኒሓ።

ኣብቲ ዞብኣ ከኣ ካልኣይቲ ዝለዓለ ስልጣን መንግስቲ ዝሓዘት ጓል ኣንስተይቲ እያ።

"ኣብ መትከላ ጽንዕቲ'ያ፤ ብዙሓት ከሲርናዮ ዝበሉዎ ፖለቲካዊ ክብሪ'ውን ዝመለሰት ተባዕ መርኣያና'ያ" ክብል ተኸታታሊ ፖለቲካ ሳማዋ፡ ሳፒር መየሮን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ፊያሜ ናኦሚ፡ ትማሊ ንጉሆ ቃለ መሓላ ክትፍጽም ናብ ባይቶ ሃገራ እንተኸደት ግን 'ሓዲኣ ክትፍጠር እምበር ካብ ስልጣነይስ ኣይወርድን' ብዝበለ ሰብ ተዓጽዩ ጸኒሑዋ።

ብቐንዱ'ውን ናብቲ ቅድም ኢሉ ቃለ መሓላ ዝፍጸመሉ ቦታ ከይትኣቱ ተኸልኪላ እያ ነይራ።

እንተ ንሳ ግን፡ ደገፍታ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቀጽሪ እቲ ባይቶ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣትኽልቲ ቦታ 'ሃገረይ ብተኣማንነት ከገልግል እየ' ኢላ ምሒላ።

ተዓዋቲ ፓርቲ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኩል ግዜ ዴሞክራሲ ክህሉ ኣለዎ። ካብ መሰረታዊ መትከላትና ፈንተት ክንብል የብልናን" ይብል።

ይኹን'ምበር ስልጣነይ ኣይለቅቕን ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን እቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ሕግን ስርዓትን ዘይተኸተለ ክብል ነቒፉዎ።

ቱይላፓ ሳሌሉ ማሊኤለጋዮይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቱይላፓ ሳሌሉ ማሊኤለጋዮይ

ኣርፒፒን ፋስትን

እቲ ታሪኽ ከምዚ'ዩ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ሳማዋ ታሪኻዊ ዝተባህለ ብርቱዕ ውድድር መረጻ ተኻይዱ።

ካብ ስልጣን ኣይወርድን ዝበለ ማሌኣጋዋይ ዝውክሎ ሰልፊ 'ኣርፒፒ' 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን'ኳ እንተጸንሐ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝቕጽለሉ ድምጺ ግን ኣይረኸበን።

ስለ ዝኾነ ድማ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እትውክሎ ሰልፊ ኤፍኤኤስቲ [ፋስት] ተዓዊቱ።

ቅድም ኢሉ ኣብቲ መረጻ ክልቲኦም ውድባት ማዕረ ወንበር እንተረኸቡ'ውን፡ ሓደ ዘይሻራዊ ኣባል ባይቶ ድምጹ 'ንፋስት' ስለ ዝሃበ እቲ ፓርቲ ክዕወት ክኢሉ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ድማ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ከም ዝተዓወተት ኣጽዲቑ።

በዚ ምኽንያት ንሰሙናት ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ክቕጽል እንከሎ መረጻ ዳግም ንክካየድ ሕቶ ይቐርብ ነይሩ።

ፊያሜ ናኦሚ፡ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝነውሐ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር እያ ስዒራ።

ንሱ ካብ 1998 ጀሚሩ በትረ ስልጣን እዛ ንኡሽቶ ሃገር ብሒቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ይመርሕ ነይሩ። ኣብ ሳማዋ ዴሞክራሲያዊ መረጻ ሓድሽ እዩ ምባል ኣይክኣልን፤ ብዙሕ'ውን ርእሰ ዜና ዓለም ኮይና ኣይትፈልጥን።

ክሳብ ቀረባ ግዜ፡ እቲ ኤችኣርፒፒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብሕታዊ ሰልፊ'ዩ ንብሕቱ ተወዳዲሩ ንኣርባዕተ ዓሰርታት ዓመታት ስልጣን ሒዙ ጸኒሑ።

ኣብዚ'ውን ሓደ ሰብ ጥራሕ ጎሊሑ ዝወጽእ፤ ንሱ'ውን እቲ ሕጂ ካብ ስልጣነይ ኣይወርድን ዝብል ዘሎ ቱይላፓ ሳሌሉ ማሊኤለጋዮይ እዩ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ፖለቲካዊ ስርዓት እታ ሃገር ለውጢ ከርኢ ጀሚሩ።

መጀመርታ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ሰልፊ ካብቲ ውድብ ወጺኦም እቲ 'ፋስት' ዝተባህለ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውድብ ኣጣይሾም።

ምክትሉ ዝነበረት ፊያሚ ናኦሚ ከኣ ሓንቲ ካብቶም ነቲ ሓድሽ ሰልፊ ዝመስረቱ ኮይና፤ ቀልጢፋ ንቕድሚት ክትወጽእ ዝኸኣለት ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናሽናል ኣውስትራሊያን ክኢላ ጉዳያት ፓስፊክ ኬሪን ባከር፡ ሽመት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር "ንሳማዋ ዓብዪ እምነ ኩርናዕ'ዩ" ክትብል ትገልጻ።

"ንደቂ ኣንስትዮ ሳማዋ መርኣያ'ያ ነይራ፤ ሕጂ ኸኣ ካልእ ማሕለኻ ሰይራ ወጺኣ ኣላ"።

ኣብቲ መረጻ ንምስታፍ እተካይዶ ዝነበረት ጎስጓስ'ውን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ሓድሽ ባህሊ'ዩ ፈጢሩ። ምይይጥን ክትዕን ንምክያድ ሰባት ናብ ገዝኣ ብምዕዳም እያ ጀሚራቶ።

ቅድሚ ኢሉ ተገይሩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ናብ መላእ እታ ሃገር ብምንቅስቓስ'ውን ምስ መረጽቲ ብቐጥታ ትራኸብ ነይራ።

መወዳእትኡ'

ኣብ ከባቢ ወርሒ ሚያዚያ ድምጺ ምሃብ ክጅመር እንከሎ፡ እቲ እትመርሖ ሰልፊ ፋስቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ድምጺ ክረክብ ኣኽኢላቶ እያ።

እቲ ሰልፊ 25 መናብር ኣውሒሱ። 10 ሚእታዊት ኣባላት እቲ ባይቶ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ኣለወን ዝብል ባህጊ ነይሩዋ።

እንተኾነ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ'የ ተመሪጸን፤ ካብ ጠቕላላ 51 መናብር ከኣ 9.8 ሚእታዊት ጥራሕ እየን ዝሕዛ።

ሳማዋ፡ ድሕረ ባይትኣ ካብ ንጉሳዊ ስድራ ቤት ዝምዘዝ ኮይኑ፡ ኣቡኣ ፈላሚ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነይሩ።

"ደረጃ ስልጣናን ውርሻ ስድርኣን በሪ ከፊቱላ ክኸውን ይኽእል። ግን ድማ ፎቖዶ ገጠር እናኸደት ንህዝቢ ትሓትት፣ ተተባብዕን ዘለዎም ማሕበራዊ ሕቶታት ትሰምዕን ስለ ዝነበረት፡ ጽቡቕ ተቐባልነት ክትረክብ ኣኽኢሉዋ እዩ" ትብል ኬሪን።