ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እንታይ ተባሂሉ?

ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ

ምንጪ ስእሊ, © Evan Schneider

ትማሊ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝተጋበአ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከምዘይበጽሐ ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ምንጭታቱ ጠቒሱ ጸብጺቡ’ሎ።

እቲ ባይቶ ኣብ ስምምዕ እንተዝበጽሕ ነይሩ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ረቒቕ መግለጺ ከጽድቖ ምንባሩ’ውን ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

እቲ ወኪል ዜና፡ ነቲ ከይጸደቐ ዝተረፈ ረቒቕ መግለጺ ከምዝረኸበ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሉዕላውነት ኢትዮጵያ ብዘረጋገጸ መልክዕ፡ ኣብ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበርን ጎንጺ ደው ክብልን ዝጽውዕ መግለጺ እዩ ነይሩ ይብል።

እንተኾነ፡ ካብተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዝኾናን ድምጺ ብድምጺ ክስዕራ ዝኽእላን ሃገራት ሩስያን ቻይናን ነቲ መግለጺ “ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ምእታው እዩ” ብዝብል ከምዝተቓወመኦ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ህንዲ ድማ፡ ንገለ ኣብ’ቲ መግለጺ ዝተጠቀሱ ጉዳያት ዝተሰማመዐት ኮይና፡ ንሙሉእ እቲ መግለጺ ግን ከይደገፈቶ ተሪፋ’ላ።

ኤኤፍፒ ከምዝበሎ፡ ኣብ’ዚ እዋን ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዝኾና ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ዝተዳለወ መግለጺ ደጊፈንኦ እየን።

እዚአን ድማ ኬንያ፣ ኒጀርን ቱኒዝያን እየን።

እዚ ናይ ትግራይ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ክረኣይ ከም ኣጀንዳ ዘቕረበቶ ሃገር ኣየርላንድ እያ።

ኣየርላንድ፡ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ሕቡራት ሃገራት ብሓደ ድምጺ ክዛረብ ኣለዎ እንተበለት’ኳ፡ ባይቶ ጸጥታ ግን ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ኣይከኣለን።

ኣየርላንድ፡ ነቲ “ዘሻቕል” ዝበለቶ ጉዳይ ትግራይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዝወሰደቶን፡ ናይ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ኖርዌይን ኢስቶንያን ድጋፍ ከምዝረኸበትን ገሊጻ ነይራ።

ረድኤት ዝቕበሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣባላት ባይቶ ጸጥታ መነመን እየን?

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት 15 ኣባል ሃገራት ኣለውኦ።

ካብተን 15፡ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣን (ቬቶ) ዘለወን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ኣለዋ። እተን ዓሰርተ ድማ በብዓመቱ ዝለዋወጣን ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ዓቕሚ ዘይብለንን ሃገራት እየን።

እተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት፡ ኣመሪካ፣ ሩስያ፣ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳይን ቻይናን እየን።

ኢስቶኒያ፣ ህንዲ፣ ኣየርላንድ፣ ኬንያ፣ ሜክሲኮ፣ ኒጂር፣ ኖርዌይ፣ ሴንት ቪንሰንት ኤንድ ዘ ግሬናዲንስ፣ ቱኒዚያ ከምኡ’ውን ቬትናም ድማ ኣብ’ዚ እዋን ኣባላት እቲ ባይቶ ጸጥታ እየን።

ትማሊ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ እንታይ ተባሂሉ?

ኣተሓባባሪ ህጹጽ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንባይቶ ጸጥታ መብርሂ ከምዝሃበ ተገሊጹ’ሎ።

ማርክ ሎውኮክ ኣብ ትግራይ 4.5 ሚልዮን ሓገዝ ዝደሊ ህዝቢ ከምዘሎን፡ ሕዚ’ውን ናብ መብዛሕትኡ ህዝቢ ሓገዝ ክበጽሕ ከምዘይከኣለን ነቲ ባይቶ ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ቀረብ ጽሩይ ማይን ኣገልግሎት ጥዕናን ተቛሪጹ ብምህላዉ፡ ለበዳ ክኽሰት ከምዝኽእል ምዝራቡ’ውን ውሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ኣብ’ታ ክልል ካብ ዝርከባ 205 ትካላት ጥዕና እተን 22 ምኢታዊት ጥራይ እየን ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ ዝበለ ማርክ ሎውኮክ፡ ስግኣት ለበዳ ማይ ወለድ ሕማማት፣ ንፍዮን ኮሮናቫይረስን ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት ብምውፋር፣ ኣገልግሎታት ቴሌኮምን ባንክን ብምጅማር ከምኡ ድማ ተወሰኽቲ ሓገዛት ብምትእኽኻብ፡ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክውስኽ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ማርክ ሎውኮክ ወሲኹ፡ ኣብ ትግራይ ዝዋጋእ ዘለዉ ሓይልታት ናይ ኩናት ገበናት ፈጺሞም ክኾኑ ይክእሉ እዮም ንዝብል መግለጺ ሚሼል ባቸለት ብምጥቃስ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ተዛሪቡሉ።

ሚሼል ባቸሌት፡ እዞም ጥሕሰታት ዘይሻራዊ ተቖጻጸርቲ ከጻርዩዎ ምጽወዓ ዝዝከር እዩ።