ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ 'ኩሎም ሓይልታት ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕግታት ፈጺሞም'

ወተሃደር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

ኣብ'ታ ብጎንጺ ተሃስያ ዘላ ክልል ትግራይ ዝዋግኡ ዘለዉ ኩሎም ሓይልታት፡ ጥሐሰት ዓለምለኻዊ ሕግታት ከምዝፈጸሙ ዘርእይ ኣፈናዊ ትንታነ ከምዘለዎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝበሎ፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ህወሓት፣ ሰራዊት ኤርትራ ከምኡ ድማ ክልላዊ ሓይልታት ኣምሓራን ሚሊሻታቶምን፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕግታት፡ ምናልባት'ውን ገበናት ኩናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዘርእይ ሓበሬታታት ከምዘለዎ እዩ ገሊጹ።

ሓላፊት እቲ ቤት ጽሕፈት ሚሼል ባቸሌት፡ እዞም ጥሕሰታት ብዘይሻራዊ ተቖጻጸርቲ ከጻርዩዎ ጸዊዓ።

ኣብ'ቲ ጎንጺ ብዙሓት ተሳተፍቲ ምህላዎምን፡ ንዝተፈጸሙ ጥሕሰታት "ምክሓድን ምጥቕቓንን" ይረኣይ ብምህላዉ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ፡ ዘይሻራውን ናጻን ትካላት ከጻርዩዎ ጸዊዓ።

"ናተይ ቤት ጽሕፈትን ካልኦት ናጻ ተቖጻጸርትን ናብ ትግራይ ክኣትዉ ከፍቅደሎም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ የተሓሳስብ" ኢላ ሚሼል ባቸሌት።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሓሙስ ኣማስዩ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ክጋባእ መደብ ኣብ ዝሓዘሉ መዓልቲ እዩ እዚ መግለጺ ተዋሂቡ ዘሎ።

ጾታዊ ዓመጻት ኣብ ትግራይ

ሚሼል ባቸሌት፡ ከቢድ ጸብጻባት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን መጥቃዕትታትን ይበጽሓ ምህላዉ ገሊጻ።

ካብቶም ግህሰታት ድማ "ኣዝዩ ዘሻቕል ጸብጻባት ጾታዊ መጥቃዕትታት" ከምዝርከቦ ኣብ'ቲ መግለጺ ሓቢራ'ላ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስን ጥርን ጥራይ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት 136 ጉዳያት ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተመዝገበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ'ሎ።

እዚ ድማ ኣብ ሆስፒታላት መቐለ፣ ዓይደር፣ ዓዲግራትን ዉቕሮን እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰሉ ተሓቢኦም ዝተረፉን ዘይተመዝገቡን ጉዳያት ጾታዊ ዓመጽ ክህልዉ ከምዝኽእሉ'ውን ተገሊጹ'ሎ።

'ኣብ ትግራይ ውግኣት ይቕጽል ኣሎ'

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ካብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን ጀሚሩ፡ እቲ ጎንጺ ከምዘብቀዐን ብዓወት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተዛዘመን ገሊጹ እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ገና ውግኣት ይቕጽል ምህላዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዝበጽሕዎ ገሊጹ እዩ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ክፋል ትግራይ ውግኣት ይካይድ ምህላዉ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ብዕለት 09 ለካቲት ከምኡ'ውን 10 ለካቲት ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ሽረን ውቕሮን ሸሞንተ ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐተሉ ካብ "ዝእመኑ ምንጭታት" ሓበሬታ ከምዝረኸበ'ውን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ከተማታት መቐለ፣ ሑመራን ዓዲግራትን ብኣልማሚት ከምዝተደብደባ፣ ኣብ ኣክሱምን ደንገለትን ድማ ጃምላዊ ቅትለታት ብሓይልታት ኤርትራ ከምዝተፈጸመ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

'ግዳያት ከይተሸቑረሩ ክዛረቡ ይግባእ'

ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሚሼል ባቸሌት፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ትግራይ ንዓለምለኻ ሚድያታት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታትን ተርጎምትን ምእሳሮም ከምዘሻቐላ'ውን ገሊጻ።

ጋዜጠኛ ቢቢሰ ግርማይ ገብሩ፣ ጋዜጠኛ ታምራት የማነ ከምኡ'ውን ከም ተርጎምቲ ኮይኖም ምስ ፋይናንሻል ታይምስን ኤ-ኤፍ-ፒን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣሉላ ኣካሉን ፍጹም ብርሃነን ኣብ ከተማ መቐለ ብወተሃደራት ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ረቡዕ እዮም ተፈቲሖም።

እቶም ጋዜጠኛታት እንተተፈትሑ'ኳ፤ ሓደ በዓል መዚ መንግስቲ "ንዓለምለኸ ሚድያታት ዘጋግዩ ሰባት ስጉምቲ ክውሰዶም እዩ" ምባሉ ዘሻቕል ምዃኑ እዩ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን መጥቃዕትታትን ዝረኣዩ ግዳያትን መሰኻኽርን ከይፈርሑ ምስክርነቶም ክህቡ ይግባእ ድማ ኢላ ሚሼል ባቸለት።