ውድብ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፡ ካብ መረጻ ኢትዮጵያ “ተደፊአ ወጺአ” ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, OFC
ውድብ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ካብ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ተደፊኡ ክወጽእ ከምዝተገበረ ጸሓፊ እቲ ውድብ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ውድብ ዝተኣሰሩ ኣመራርሕኡ ክፍትሑ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮምያ ዝተዓጸዉ ኣብያተ ጽሕፈቱ ክኽፈቱን ተኣማንነት ዘለዎ መረጻ ንምክያድ ዘኽእል ሃገራዊ ዘተ ክግበርን ዝጽውዑ ተደጋጋገምቲ መግለጺታት ኣውጺኡ ነይሩ እዩ።
ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 2004 ዓ/ም ፌደራሊስት ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኦሮሞን ብሄራዊ ኮንግረስ ኦሮሞን ተወሃሂዶም ዝፈጠርዎ ውድብ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ(ኦፌኮ) ካብ መረጻ እንትግለል ንመጀመርታ ግዘ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሓለፍቲ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ምዝገባ ተወዳደርቲ ኣመልኪቶም ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ከምዝተሳተፉ ዝገልጽ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ፡ ኦፌኮ ዘቐመጦ ቅድመ ኩነት እንተዘይተማሊኡ ሕጹያት ከምዘየመዝግብን ኣብቲ መረጻ ክሳተፍ ከምዘይክእልን ንምርጫ ቦርድ ኣፍሊጥና ኢና ኢሉ።
ብተወሳኺ ምህዳር ፖለቲካ ምጽባቡን ኣብቲ መረጻ ሃገራዊ ምርድዳእ ዘይምህላዉን፡ ነቲ መረጻ ፍትሓውን ተኣማንን ከይከውን ከምዝገብሮ ኣብቲ ኣኼባ ምግላጾም ተዛሪቡ።
እንተኾነ ነቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ ይኹን ሕቶ መልሲ ከምዘይተውሃቦም እቲ ጸሓፊ ጠቒሱ።
በዚ ምኽንያት እዞም ሕቶታት ኣብዘይተመለሱሉ እቲ ውድብ ኣብ መረጻ ምስታፍ ከምዘይክእል ኣቶ ጥሩነህ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኦሮምያ ዝነበሩ ቤት ጽሕፈታት እቲ ውድብ ክሳብ ሕዚ ተዓጽኦም ከምዘለዉ ዝገልጽ እቲ ጸሓፊ፡ መረጻ ከፈጽሙ ካብ ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ካብ ዝተልኣኹ ሓሙሽተ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ከምዝተኣሰሩ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, BBC
ስለዚ " ካብዚ መረጻ ዝወጻና ተደፊእና ከምዝኾንና ህዝብናን ማሕበረሰብ ዓለምን ክፈልጠልና ይግባእ" ኢሉ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣምራርሓ ኦፌኮ፡ ምክትል ኣቦ መንበር ኣቶ በቀለ ገርባ፣ ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ኣቶ ደጀኔ ጣፋ ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብቲ ውድብ ዝተጸምበሩ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ሐምዛ ኣዳነን(ቦረና) እዮም።
"ሓደ ውድብ ኣብ መረጻ ንክሳተፍ እንተወሓደ ነጻ ኮይኑ ክንቀሳቐስ ኣለዎ፤ ንሕና ግን ኣብ ኣባላትና፣ ኣብ ወረዳን ዞባን ዘለዉ ኣመራርሓና፣ ሕጹያት ተወዳደርትን ተዓዘብትን ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዘለዉ። ስለዚ ክንሳተፍ እኳ እንተበልናስ ክንሳተፍ ኣይንኽእልን። ተገዲድና ኢና ኣብቲ መረጻ ከይንሳተፍ ወሲንና" ብምባል ኣቶ ጥሩነህ ተዛሪቡ።
ካልእ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ( ኦነግ) ኣምራርሕኡ ከምዝተኣሰሩን ኣብያተ ጽሕፈቱ ከምዝተዓጸዉን ብምግላጽ ኣብቲ መረጻ ንምስታፍ ከምዝጽገም ቅድሚ ሕዚ ንቢቢሲ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ብመሰረት ሰለዳ ግዘ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ምዝገባ ሕጹያት ሎሚ ዝዛዘም ኮይኑ፡ ኦፌኮ ግን ክሳብ ትማሊ ዝኾነ ሕጹይ ከምዘየመዝገበ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኮይኑ ግና ኦፌኮ ምፍታሕ መራሕቱ ሓዊሱ ዘልዓሎም ሕቶታት እንተተመሊሶምን ምዝገባ ሕጹያት እንተተናዊሑን ኣብቲ መረጻ ክሳተፍ ከምዝኽእል ጸሓፊ እቲ ውድብ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ተዛሪቡ።
ብተመሳሳሊ ቅድሚ ሕዚ መራሕቲ ኦፌኮን ኦነግን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዘራሪቦምኳ እንተነበሩ፡ ዝኾነ ምምሕያሽ ከምዘይተገበረ እዩ ዝሕብር።
ኣብዚ ጉዳይረ ካብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ምላሽ የለን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







