ዛዕባ ምንዋሕ መረጻ፡ ንኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብኣሉታ ክጸልዎ'ዩ- ሙዲስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብምኽንያት ምንዋሕ መረጻ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ኣብ ልዕሊ ውሳነታት ኢንቨስትመንት እታ ሃገር ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝክእል ሙዲስ ዝተባህለ ትካል ኣመሪካ ሓቢሩ።
ሙዲስ፡ ኣብ ጉዳያት ፋይናንስን ቑጠባዊ ዕብየትን ምርምር ብምክያድ ዝፍለጥ ትካል ኮይኑ ደረጃ ምሃብ ልቓሕ ሃገራት'ውን የውጽእ።
ኣብዚ ዓመት ክካየድ ዝነበረ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ኳ እንተተናውሐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ኣብ ትግራይ ክልላዊ መረጻ ተኻይዱ'ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ መረጻ "ዘይሕጋዊ" እዩ ክብል እንከሎ፡ ባይቶ ፌደሬሽን'ውን ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ገሊጹ።
እዚ ምስ ምንዋሕ መረጻ ተኣሳሲሩ ዝፍጠር ዘሎ ዘይምርድዳእ፡ ድማ ንኢንቨስትመንት እታ ሃገር ብኣሉታ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ሙዲስ ኣጠንቂቑ።
ካብዚ ብዝብገስ ሙዲስ ከም ዝበሎ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዘስዓቡዎም ጎንጽታት ፖለቲካዊ ስግኣት ኢትዮጵያ ክብ ክብል ገይሩ'ዩ።
ሙዲስ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ነጥቢ፤ ካብ ቢ1 ናብ ቢ2 ኣውሪድዎ-ይብል።
ናይዚ ምኽንያት ዝበሎ ድማ እታ ሃገር ካብ እትረኽቦ ሸርፊ ወጻኢ ክትኸፍሎ ዝግባእ ዕዳ ሓፍ ምባሉ'ዩ።
ኮቪድ-19 ለበዳ ኣብ ዓውዲ ሕርሻን ኣገልግሎትን ዘሕደሮ ጸቕጢ ከምኡ'ውን ምንካይ ኣታውን ምውሳኽ ወጻኢ መንግስትን ተደሚሩ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣሉታዊ ግምት'ዩ ተዋሂቡዋ።
ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ስምምዕ ከይበጽሐት'ውን ኣብ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ከም ዝጀመረት ተጠቒሱ ኣሎ።
ኣድላዪ ጥንቃቐ ከይተገብረ ማይ ምምላእ ምጅማር ድማ ኢንቨስትመንት ሃገራት ወጻኢ ክንኪ ከም ዝገብር ሙዲስ ይገልጽ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ቅድም ኢሉ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ክትህባ ዝተሓስበ ሓገዝ ገንዘብ ደው ክብል ከም ዝገበረት ይዝከር።
ሙዲስ፤ ኣብ ዓለም ዓብዪ ተቐባልነት ምስ ዘለወዎም ሰለስተ ተመሳሰልቲ ትካላት ፋይናንስ ዝስራዕ ኮይኑ፡ መዋእለ ንዋየን ዘውፍራ ሃገራት፡ እዞም ትካላት ፋይናንስ ብዘውጽኡዎ ትንታነን ደረጃን ተደሪከን እየን ናብ ውሳነ ዝበጽሓ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







