ውናት፡ ብውሽጣውን ግዳማውን ምኽንያታት ኣብ መረጻ ክዕወት ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ

ኣመራርሓ ውናት ዶ/ር ደጀንን ወልደኣብርሃን
መግለጺ ስእሊ, ኣመራርሓ ውናት ዶ/ር ደጀንን ወልደኣብርሃን

"መረፃ ትግራይ 2012: ንህልውናን ንምርግጋፅ ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ: እሞ ድማ ብትግራዋይ ቅዲ: ስርዓትን ትካላትን ዝተኻየደ ኮይኑን ትግራዋይ ህንፀት ዴሞክራሲ ሰረት ዘንፀፈ መረፃ ኮይኑ ሓሊፉ እዩ" ይብል።

ካብዚ ብምብጋስ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ዕላዊ ንዝገበሮ ውፅኢት እቲ መረጻ: ውናት ከምኽብርን ብፀጋ ከምዝቕበልን እቲ ውድብ ኣብ ናይ ሎሚ ንጎሆ መግለፂኡ ኣረጋጊፁ።

ነቲ መግለጺ ዝሃቡ ኣመራርሓ "ዕዉት መረፃ ብምክያድ: መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይን ቀፃልነ ስርዓተ መንግስቲ ትግራይን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይቐርብ ምዃኑ ኣረጋጊፅናን ኣውሒስናን ኣለና ኢሉ ይኣምን" ኢሎም።

"በዚ ድማ ኩርዓት እስመዐና:: ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ድማ እንኳ ደስ በለካ ክንብል ንፈቱ" ኢሉ።

ውክልና እቲ ውድብ ኣብ ባይቶ ክልል ትግራይ ከምዘይተዓወተ ዝገለጹ እቶም ኣመራርሓ፡ ነዚ ድማ ግዳማውን ውሽጣውን ምኽንያታት ብምባል ኣብ መግለፂኦም ዘርዚሮም። "ኣብቲ ውሽጣዊ ምክንያት ብቐዳምነት ዝስራዕ: ውድብና ካብ ዝጣየሽ: ሒደት ዕድመ ኣዋርሕ ዘለዎ ብምዃኑ: መሓውራቱ ዘርጊሑ ምስ ህዝቢ ትግራይ ብቐጥታ ክራኸብን ሓሳባቱ ከስርፅን ተደሪቱ'ዩ"።

እቲ ሕፅረት ኣብ ሕድ ሕድ ጣብያ መረፃ ተዓዘብትና መዲብና ከይንሕሉ ዓጊቱና እዩ።

ውናት: ከም ግዳማዊ ምኽንያት ኢሉ ዘቐመጦ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ሓደጋ: ህዝቢ ኣብዚ ስግኣት ኮይኑ ከድምፅ ግድን ኮይኑዎ እዩ ብምባል ይገልፅ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ፅልዋ እውን ብካልኣይ ብርኪ ዝተቐመጠ ግዳማዊ ምኽንያት ምዃኑ ተቐሚጡ ኣሎ።

"ኣብ መወዳእታ: ታሕተዋይ መሓውራት ህወሓት ኣብቲ መረፃ ዘርአይዎ ኣዝዩ ድሑር መሰከፍን ፀረ ዴሞክራስያዊ ባህርያትን ተግባራትን እውን ውድብና ክንድቲ ተሊምዎ ዝተልዓለ ውፅኢት ከየምፅእ ናይ ባዕሉ ዓንቃፊ ታራ ተፃዊቶም እዮም" ብምባል ነቒፉ::

መግለፂ ውናት: ኣብ ልዕሊ ተነሓናሕቲ ውድባት: ኣብ ቅድመን ዕለተን መረፃ ዝግበር ዝነበረ ሓላፍነት ዝጎደሎ: ፀለመ ህዝቢ ቅኑዕ ምስሊ እተን ውድባት ንኸይህልዎ ገይርዎ እዩ ኢሉ::

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሕፁያት ተመረፅቲ ኣባላትናን ደግፍትን ኣባላት ስድራኦምን ዝፍፀም ዝነብረ: ካብ ብዘይትን ሽኮርን ጀሚሩ ክሳብ መጠሻ መሬት ዝበፅሕ ምፍርራሕን ተነፅሎ ክበፅሖም ምግባርን ካልእ ኣብቲ ውፅኢት መረፃ ከም ዕንቅፋት ተገሊፁ ኣሎ።

"እቶም ፀገማት ንቐፃሊ ከይድገሙ ብዘይንሕስያ ምስ ህዝብና ኮይንና ከምንቃሎም ክነረጋግፅ ንፈቱ" ብምባል ቃል ኣትዩ።

እቶም ዝተልዓሉ ፀገማትን ጉድለታትን ከምዘለዎ ኮይኖም: ውድብ ህወሓት ዓብላላ ብዝኾነ ድምፂ ሰዓራይ ኮይኑ ብምውፅኡ: ውናት ንኣባላትን ደገፍትን ህወሓት "እንኳዕ ደስ በለኩም" ኢሉ።

ብኻልእ ገፅ፡ ነቲ ካብ ተነሓናሕቲ ውድባት ዝቐርብ ዘሎ ነቐፊታ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ከምዘይቕበሎ ትማሊ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ እዩ።

ኮምሽነር ኮምሽን መረፃ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም: "ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተዓዘብቶም ከየቕርቡ ኣይከልከልናን" ኢሎም።

ኣብ ጣብያታት መረፃ: ገጠራት ትግራይ ፀገማት ነይሮም ዝብል ክሲ እውን ብግልባጡ ንፃዕሪ ኣፈፀምቲ ዘህስስን ከይረኣኻ ምፍራድን እዩ ብምባል ነቲ ጥርዓን ነፂጎም።