ጻህያይን ሸዊትን ዝመልኦ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ኣመራርሓ ውድባት ህወሓት፣ ባይቶና ዓባይ ትግራይን ውድብ ናጽነት ትግራይን

ምንጪ ስእሊ, TSEHAY/SELAMAWIT/FETLE

ኢትዮጵያ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዘተሓሕት፡ ዘስተናዕቕ ወይ'ውን ዕድላት ዝኸልእ ብሂላትን 'ተባዕታዊ' ኣተሓሳስባ ዝዓብለሎ ሕብረተሰባዊ ህንጸትን ካብ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ'ያ።

ደቂ ኣንስትዮ ፍጹማት እንተዘይኮና'ውን "ብዘየማትእ መገዲ ግን ብሉጻት'የን" ኢሉ ዝኣምን ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ "መራሕቲ ኩለን ሃገራት ዓለም ደቂ-ኣንስትዮ እንተዝኾና፡ ኣብ ደረጃ ናብራን ካልእ መዳያት ህይወትን ዝንኣድ ምምሕያሽ ምተራእየ" ኢሉ ነይሩ።

ህይወት ንምምሕያሽ ነቲ ፖለቲካዊ ምህዳር ተመቓሪሐን ክመርሓን ፖሊሲ ከስርጻን ዝደልያ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ እኳ እንተለዋ፡ 'ትብህግኦ እሞ ትስእንኦ' ከም ዝበሃል ተሳትፎአን ክንድቲ ዝድለ ውጽኢታዊ ኣይኮነን ዘሎ።

እቲ ሜዳ፡ ከበሮ ሒዝካ ዝዝለሎ ዘይኮነ ብከቢድ ንሕንሕን ክትዕን ዝተመልአ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብጸገማት ዘይሰዓር ጽንዓትን ተጸዋርነት ይሓትት።

ግን ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣይኮነን'ዶ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብምልኣት ክሳተፋን ክዋስኣን እቲ ከም ሓዳር ዝኣመሰለ ፎከስቲ ነገራት'ውን ብሕርያ ሕብረተሰብ እዩ ዝውሰን ትብል ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ባይቶና ዓባይ ትግራይ መንእሰይ ሰላማዊት መድሃንዬ።

እቲ ጽንኩር ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ካብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ እንትምዘዝ፡ 'ቃልሲ ጥዑም' እናተባህለ ደጀን ኮይነን ዋጋ ከፊለን ወጽዓን ጭቆናን እንተወገዳ'ውን፡ ከም የውብማር ኣስፋው ዝኣመሰላ ተጋደልቲ "እቲ መስዋእቲ ዝኸፈላሉ ቃልሲ ስርዓት ብርዥዋ'ዩ ሃኒፁ'' ብምባል ጎደሎ ዓወት ከም ዝኾነ እየን ዝዛረባ።

ሓቂ'ዩ ፖለቲካ ረግረግ'ዩ፤ ዝኽኣለ ነቲ ረግረግ ሰጊሩ ይወጽእ፣ ዝተሸኽለ ድማ ይእለ ብማለት ኣብ መስርሕ ዘወግነካ ወይ ዝኣልየካ ሓይሊ ኣለዎ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ምስሊ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ወሃብ ውሳነ መሪሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ግን ንኹሉ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን። ምክትል ሓላፊት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ህወሓት ጸሃይ ኣያሌው ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ተሳተፍትን ተጠቀምትን እናኾና ከም ዝመጽኣ ትኣምን።

"ንኣብነት ኣብ ቤት ምኽሪ ዝለዓለ ተሳትፎ ኣለና፤ ህወሓት ተመጣጣኒ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝህሉ ገይሩ'ዩ። ልዕሊ 80 ሚኢታዊት ብምሁራት መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ እናተተክአ ዝኸይድ ዘሎ ውድብ እዩ" ትብል።

ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ህወሓት፡ "ሰሪሓ ክተርኢ እትኽእል ጓል ኣንስተይቲ [ንቕድሚት] እትመጸሉ ብሉጽ ውድብ'ዩ" ዝበለት ጸሃይ፡ ኣብ ኣመራርሓ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ 'ኢንቨስት' ተገይሩላ ዝፈረየት ስለ ዝኾነት ዝሓሸ ህዝባዊ እምነትን ዓቕምን ዘለዋ'ያ" ብማለት እትንእዶ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ከም ዘሎ ትዛረብ።

ኣባል ሰልፊ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ሰላማዊት በዚ ሞገት ካብ ዘይኣምኑ ሓንቲ እያ።

ዋላ'ኳ ካብ ካልእ እዋን ብዝሓሸ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዳ፣ ኣገልግሎት ጥዕናን ካልእን ከም ዝረኽባ እንተተገብረ፡ ደረጃ ፖለቲካዊ ንቕሓተንን ኣብ መሪሕነተን ዘለወን ተሳትፎን ግን 'ዘሰክፍ'ዩ' ትብል።

"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ዓለም ብዘይተራእየ ዘደንቕ ብርኪ ተቓሊሰን እየን። ድሕሪኡ ግን እቲ ውድብ [ህወሓት] ስልጣን ምስ ሓዘ ብዘሕዝን መልክዑ ኣብ መሪሕነት ዝነበረን ተሳትፎ ትሒቱ" ብምባል ዓቕመን ዝርኣየሉ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከም ዘየለ ትገልጽ።

ኣብ 2019፡ ዝኽሪ ሚእቲ ዓመት ቀዳመይቲ ኣባል ባይቶ ጓል ኣንስተይቲ [ብ1919 ዓ.ም እያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ባይቶ ተመሪጻ] እንትዝከር፡ ኣብ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ናብ ውድድር ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝመጽኣሉ ዕውት ዓመት ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ንኣብነት፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮን መራሕቲ ሃገርን ብዕድመ ዝነኣሸት ሳና ማሪን፡ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ጥምረት ሓሙሽተ ሰልፊታት ብምምስራት ቐዳመይቲ ሚኒስትር ፊንላንድ ኮይና።

12 ኣባላት ደቂ ኣንስትዮን ሸውዓተ ደቂ ተባዕትዮን ኣባላት ካቢኔ ዘለውዋ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሳና ማሪን፡ "ኩሉ ህጻን ድላዩ ዝማልኣሉን ኩሉ ሰብ ክብሩ ተሓልዩ ዝዓብየሉን ሕብረተሰብ ምፍጣር" ዝብል ባህጊ ኣለዋ።

ዓለማዊ ገምጋም ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክረአ እንከሎ ግን ሕጂ'ውን ትሑት'ዩ።

ከም በዓል መምህር ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ሮዝ ካምፕቤል ዝበላ ኣብ ዙርያ ደቂ ኣንስትዮን ፖለቲካን መጽናዕታት ዘካይዳ ሙሁራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብታሪኽ ኣብ ፖለቲካ ዝነበረን ትሑት ድልየት ይልወጥ'ኳ እንተሃለወ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዘሰጉሙዎ ፖሊሲ ንደቂ ኣንስትዮ ብዝስሕብ መልክዑ ስለ ዘይቕረጽ ግን ክንድቲ ዝድለ ተሳተፍቲ ኣይኮናን ይብላ።

ኣብ መረጻ ድምጻ ትህብ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ሽፋን ሚዲያ፣ ዝረኽብኦ ወርሓዊ ደሞዝ፣ ኣብ ባይቶን ካልእ መሓውር መንግስትን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝበጽሐን ጾታዊ መጥቃዕትን ዘይማዕርነታዊ ኣረኣእያን ድማ ካልእ ምኽንያት ምውሓድ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾኑ ይጠቕሳ።

እዚ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት'ውን ክገልጽ ዝኽእል ኮይኑ ኣብ ዙርያ ደቂ ኣንስትዮ ክሰርሓ ተባሂላን ዝተጣየሻ ማሕበራት ብናጻ ክሰርሓ ዘይምኽኣለን፣ ናይ ሕጊ ክፍተትን ጸገም ኣዋጃትን፣ ፋይናንሳዊ ሕጽረትን ሕብረተሰባዊ ኣመለኻኽታን'ውን ማሕለኻ እቲ ተሳትፎአን ከም ዝኾኑ ይለዓል።

ደቂ ኣንስትዮ ንባዕለን ዝህብኦ ግምት

ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብማዕረ ዝተቓለሳሉን ህይወት ዝገበራሉን ስርዓት እናተገለፋ'የን መጺአን እትብል ሓላፊት ርክባት ህዝብን ውድባትን ውድብ ናጽነት ትግራይ ፈትለ ገብረዮውሃንስ፡ ምድኻም ፖለቲካዊ ተሳትፎአን ካብ ባዕላዊ ምኽንያታት ዝነቅል'ዩ ትብል።

"ኣብ ግዜ ስልጣነ ኣኽሱም ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ሃገር ኮይነን [ኣብነት፡ ንግስተ ሳባ] ይቕጽላ ነይረን፤ ድሕሪ ውድቀት እቲ ስልጣነ ግን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስልጣን ክመጽኣ የብለንን ዝብል ኣረኣእያ እናሰፍሐ ብምምጽኡ ተዳኺመን። እቲ ሓደ ምኽንያት ካብ ባዕልና ዝብገስ ኮይኑ፡ ዓቕሚ ከም ዘይብልካ ምሕሳብ ኣሎ"።

እዚ ውጽኢት እቲ ተሃኒጹ እትብሎ "ስርዓት ብርዥዋ" ከም ዝኾነ እትዛረብ መንእሰይ ሰላማዊት፡ ኩሉ ካብቲ ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሒቱ ዝርኢ ማሕበረሰብ ብዝወጽእ ሰብ ዝተትሓዘ ስለ ዝኾነ፡ ካብዚ ድሕረት ናጻ ዝኾነ ኣመራርሓ ብዘይምህላው ሸትኡ ዝወቅዕ ጽኑዕ መሪሕት ደቂ ኣንስትዮ ንከይህነጽ ምኽንያት ከም ዝኾነ ትገልጽ።

በዚ ርኢይቶ እትሰማማዕ ኣመራርሓ ውድብ ናጽነት ትግራይ ፈትለ፡ "ወዲ ተባዕታይ'ዩ ክመርሕ ዝኽእል ብዝብል ርድኢት ናብ መድረኽ ወጺእና ሓሳብና ናይ ዘይምግላጽ ባዕላዊ ድኽመት ኣለና። ብመንግስቲ'ውን ዓቕሚ የብለንን ዝዓይነቱ ግጉይ ርድኢት ዘሎ ይመስለኒ" ኢላ።

ኣብ ክሊ እቲ ፖለቲካዊ ምህዳር ትግራይ ንጓል ኣንስተይቲ ምቹእ ዘይምዃኑ፡ ካብ ሕብረተሰብ ዝበጽሕ ጸቕጢ ቀሊል ኣይኮነን ዝበለት ኣመራርሓ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ሰላማዊት፡ "ሕብረተሰብና ከዕብየና እንከሎ ክንመርሕ ከም እንኽእል ዘይኮነ፡ ጓል ኣንስተይቲ ድኽምትን በኻይትን፣ ዓው ኢልና ከይንዛረብን ንርእስና ከም እነተሓሕት ብዝገብር መንፈስ'ዩ" ብምባል ነቲ ኣሎ ዝበለቶ ሕብረተሰባዊ ጸገም ትነቅፍ።

ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ካብቲ ሕብረሰተብ ብዝወሃቦን ዝርእዮን ባህርያትን ሓሳባትን እዩ ዝነህጽ።

ባህርያት ድማ ቀልጢፎም ስለዘይቅየሩ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ሕይርቲ ናይ ድሕረት ኣተሓሳስባታት ከም ዝገበሩዋ ይእመን።

ካልእ ተሪፉ፡ "ሚዲያታት ብብዝሒ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ርእይቶ ዝህቡ ደቂ ተባዕትዮ እየን ዘቕርባ። ብሰንኩ ከኣ እዛ ዓለም ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዓለም ከምእትመስል ዝገብር ኣቀራርባ እናርኣየ ዝዓበየ ቖልዓ ካብዚ ወጻእ ካልእ ባህሪ ክሕዝ ኣይኽእልን፤ ፖለቲካ ንደዊ ተባዕታይ'ዩ ዝመስሎ" ትብል ሰላማዊት።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ኣብ ናይ ተነሓናሕቲ ሰልፍታት ዘሎ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ውሑድ ከም ዝኾነ ዘልዓለት ፈትለ ገብረዮውሃንስ ብወገና፡ ነዚ ዘፍቅድ "ምቹእ ባይታ" እንተሃለወ'ውን "ፖለቲካ ንዓይ ኣይኸውንን ካብ ዝብል ባዕላዊ ርድኢት" ዝብገስ ክፍተት ኣሎ ትብል።

ነዚ ሓሳብ እትድግፍ ምክትል ሓላፊት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ህወሓት ጸሃይ ኣያሌው፡ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ክልል ኣብ ዝኣመናሉ ኣትየን ንክወዳደራን ንክመርጻን ዘኽእል ዓቕሚ ምህላው ትዛረብ።

"ሓደ ዓብዪ ዓቕሚ ትግራይ፡ ካብ ቃልሲ ጀሚሩ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ እናጎልበተ ምምጽኡ'ዩ። እዚአን ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ረብሓ እየን ዝህባ ዘለዋ። ደቂ ኣንስትዮ ካብዘን ማሕበራት እንተዘይረብሓ ነይረን፤ ጓል ኣንስተይቲ ትግራይ'ውን ኣብ ምንታይ ከም ዝነበረት ይፍለጥ እዩ" ትብል።

ጨቋኒ መን'ዩ?

ካብ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት ወጻኢ ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት ብምስረታ'ውን ሓደሽቲ ስለ ዝኾና፡ ብዝሒ ኣብ ኣመራርሓን ኣባልነትን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ውሑድ'ዩ።

ንሳተን ማዕረ ተሳትፎአን ንምርኣይ ዝዕድም ባይታ ርእያ ናብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከም ዝመጽአት ዝገለጸት ኣመራርሓ ውናት ፈትለ፡ ኣብተን ውዳበታት ተሓቚፍካ ሓሳብካ ምግላጽን ክመርሕ ይኽእል'የ ዝብል መንፈስ ክፍጠርን ኣለዎ ትብል።

"እቲ ዓብዪ ጸገም ፖለቲካ ንዓኻ ዝምችእ ድዩ ኣይኮነን ዘይኮነ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሒዝናዮ ዝመጻእና ጓል ኣንስተይቲ ዓቕሚ የብላን ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ እናኣመንናሉ እንተኸይድና ባህሊ ስለ ዝኸውን መጀመርታ ነዚ ኣተሓሳስባ ክንቀርፍ ኣለና" ትብል።

እቲ ሕብረተሰብ ብከምዚኦም ዝበሉ ኣተሓሳስባታት ይጭቁነን'ዩ ክብሃል እንከሎ ደቂ ተባዕትዮ ማለት ከም ዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ'ዩ ዝበለት ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ባይቶና ዓባይ ትግራይ ሰላማዊት መድሃንዬ ብወገና፡ ንቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ዓንቃፊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጸገም ኣሎ ኢላ ትኣምን።

"ንደቂ ኣንስትዮ ዘትሕት ማሕበረሰብ ኣለና ክንብል ከለና ንደቂ ኣንስትዮ ዘትሕታ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ኣለዋ'የን ማለት'ዩ። ብዓቢኡ ግን እቲ ዘሎ ስርዓት ጨቋኒ'ዩ። ኩሉ ትካል ኣብ ትሕቲኡ ስለ ዝኸውን ኣብተን ትካላት ዘለዋ ደቂ ኣንሰትዮ'ውን ነቲ ስርዓት ተጠቒመን ድላየን ክገብራ ይኸእላ እየን፤ ነዚ'ዩ ትካላት ኣይሃነጽናን እንብል፤ ግን ድማ ሓቀኛታት ተቓለስቲ'ውን ኣለዋ'የን" ኢላ።

ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ 'ዓለም ብደቂ ኣንስትዮ ክትምራሕ ኣለዋ' ካብ ዝበለሉ ምኽንያት እቲ ሓደ 'ንዓለም ዘናውጽዋ ዘለዉ ጸገማት፡ ካብቶም መብዛሕትኦም ደቂ-ተባዕትዮ ዝኾኑ ስልጣን ጨቢጦም ዝርከቡ ብዕድመ ዝዓበዩ፡ ዝምንጩ ምዃኑ'ዩ' ዝብል ነይሩ።

ምብዛሕ ኩለመዳያዊ ጸገማት ዓለምን ምውሓድ ማዕርነታዊ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ግን ዘመናት ዝተሳገረን ዘሎን ብደሆ ኮይኑ ኣሎ።