መረፃ ትግራይ: ህወሓት ካብ 190 መናብር 189 ረኺቡ

ኣባላት ኮምሽን መረፃ ትግራይ
መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ኮምሽን መረፃ ትግራይ

ኣብ መረፃ ትግራይ: ህወሓት ካብቲ ዝተረፈ 38 መናብር፡ ነተን 37 ደጊሙ ከምዝሓዘን ኮምሽን መረፃ ትግራይ ገሊጹ።

እታ ዝተረፈት ሓንቲ ወንበር 0.65 ዝረኸበ ሰልፊ ባይቶና ከምዝተሓዝ'ውን እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

በዚ መሰረት ኣብ መረፃ ትግራይ: ካብ 190 መናብር እቲ 189 ብህወሓት ከምዝተሓዝ ዕላዊ ኮይኑ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ህወሓት: ነቲ 80 ሚእታዊ ዝሕዝ 152 መንበር ረኺቡ መንባሩ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ 2013 ምኽንያት ብምግባር፡ ምስ ሃገራዊ ቴለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ምርጫ "ናይ ዕቁብን እድርን ምትእኽኻብ እዩ' ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ኮምሽነር ኮምሽን መረፃ ትግራይ መምህር ኪዳነማርያም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ: ድምር ድምፂ 10,840,159 ምዃኑ ገሊፆም።

እዚ ድማ: ዋጋ ሓደ መንበር 38 መናብር ንምፍላጥ ብዝሒ ድምፂ ን38 ብምምቃል ዋጋ ሓደ መንበር 285,267.3 ይኸውን ተባሂሉ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ዝተወሃበ መግለፂ፡

  • ህወሓት: 10,655,840
  • ባይቶና: 93,495
  • ውድብ ናፅነት ትግራይ: 58,779
  • ሳልሳይ ወያነ ትግራይ: 27, 987
  • ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባ: 3,088 ድምፂ ከምዝረኸቡ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ መረፃ ትግራይ: ካብቲ ዝተመዝገበ 2,789,254 እቲ 2,757,495 ህዝቢ ድምፂ ሂቡ።

እዚ ድማ ካብቲ ዝተመዝገበ 98.8% ህዝቢ ድምፂ ሂቡ።

ኣስታት 31,759 ድምፂ ድማ ከምዝባኸነ እቲ ኮምሽን ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

ህወሓት ካብቲ 80 ሚኢታዊ ዝሕዝ 152 መናብር 98.2 % ከምዝሰዓረ ኣብቲ በቲ ኮምሽን ዝተገለፀ መባእታዊ ውፅኢት መረፃ ከምዝተገለፀ ይዝከር::