ቅልውላው ትግራይ፡ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ቅልውላው ትግራይ እንታይ ኢሉ?

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, © EVAN SCHNEIDER

መግለጺ ስእሊ, ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ እኹል ረዲኤት እኳ እንተዘይበጽሐ ጻዕሪ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዘተባብዕ እዩ ኢሉ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ምህጋስ ሰብኣዊ መሰላት ዘተሓሳስብ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣባላት ሃገራት እቲ ቤት ምኽሪ ልኡላውነትን ፖሎቲካዊ ናጽነትን ኢትዮጵያ ከምዘኽብራ ሓቢሩ።

ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ንዝሃቦ ደገፍን ሃኒጺ ርእይቶን" ኣመስጊኑ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዝነበሩ መዓስከራት ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኣብቲ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ህወሓት ንምእላይ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ይፍለጥ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ከም ዝተመዛበሉን ይግለጽ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እንታይ ኢሉ?

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ እውን ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘተሓሰሰቦ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምቅራብን፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽቀርብን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዝምስገን እዩ ኢሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ክልል ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራት እኹል ሰብኣዊ ሓገዛት ክቐርብ ኣለዎ'ውን ኢሉ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጉድለት ናይ ጸጥታ፤ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ኩሉ ከይባጻሕ ዕንቅፋት ፈጢሩ ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ጾታዊ ዓመጽ ዘርከቦ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ብዘይሻራውያን ክጻረን እቶም ፈጸምቱ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን እቲ ኮምሽን ብምጽዋዕ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ኮይኖም ምጽራይ እቲ ገበናት ከካይዱ ሓንጎፋይ ኢሉ ከምዝተቐበሎ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ፡ ዓለምለኻውያን ሕጋጋት ክኽበሩ ከምዘለዎም ብምልባው፡ ከም ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ውድባት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝወስድኦ ተበግሶ ደገፉ ከምዘበርክት ገሊጹ'ሎ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ እኳ ክእከብ እንተጸነሐ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሕ ከምዘይጸነሐ ይዝከር።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ በዘይ ስምምዕ ከምዝተበተነ ንዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ብምጥቃስ ኤኤፍፒ ኣቃሊሑ ነይሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ልኡላዊነት ናይ ኢትዮጵያ ብዘረጋግጽ መንገዲ ደው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዝ ክግብርን ዝብል ዝርከቦ መግለጺ ከውጽእ ኣብ ዝፈተነሉ ብናይ ቻይናን ሩስያን ተቓውሞ እቲ መግልጺ ክወጽእ ኣይከኣለን።

ሩስያን ቻይናን እቲ መግለጺ "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ ምትእትታው'ዩ" ብምባል እየን ተቃዊመንኦ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ፡ ኣመሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ ኢትዮጵያ ኢዳ ከይተእቱ ሓቲቱ ነይሩ እዩ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዓል መን'የን?

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት 15 ሃገራት ዝሓቐፈ'ዩ።

ካብትን 15 ሃገራት እተን ሓሙሽተ ሃገራት ፍሉይ መሰል ሕርያ ናይ ድምጺ ዘለወን ኮይን፡ እተን ዝተረፋ ዓሰርተ ሃገራት ዓመት ዓመት ዝቀያየር እየን።

እተን ፍሉይ መሰል ሕርያ ዘለወን ሃገራት ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ዓባይ ብርጣንያ፡ ፈረንሳን ቻይናን እየን።

እተን ዝተረፋ ዓሰርተ ሃገራት ኸኣ ኢስቶንያ፡ ህንዲ፡ ኣየርላንድ፡ ኬንያ፡ ሜክሲኮ፡ ኒጀር፡ ኖርወይ፡ ሴንት ቪንሰንት ኤንድ ዘ ግሬናዲንስ፣ ቱኒዚያን ቬትናምን እየን።

ኣመዓባብላ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።

በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ።

ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም።

እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።