ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ጥሕሰታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀጻሊ ዝወስዶም ስጉምትታት ከፍልጥ ተሓቲቱ

ኣርማ ኢሰመጉ

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ: “ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምግታእ ሃገር ነድሕን” ብዝብል ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ነቶም ብስፍሓት ዝፍጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክገትእ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ከምኡ’ውን ቀጸልቲ ስጉምትታት ብዝምልከት ወግዓዊ መብርሂ ክህቦ ሓቲቱ’ሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክቃልዑ ብምግባር፡ እቶም ጥሕሰታት ቅድሚ ምግዳዶም መንግስቲ ሓላፍነቱ ክፍጽም ነዚ እንተ ዘይገይሩ ግን ተሓታትነት ዘይተርፍ ምዃኑ ኣብ ቀረባ እዋን ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ’ውን ኣብቲ ናይ ሎሚ መግለጺኡ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣጣዬን ከባቢኡን ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ዝምልከት መግለጺ ብምውጻእ ንመንግስቲ ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝሕብር ጉባኤ ሰባኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ: “እንተኾነ ኣድላዪ ጥንቃቐ ኣይተገበረን” ኢሉ።

ኣድላዩ ጥንቃቐ ክግበር ብዘይምኽኣሉ ድማ ካብ 6 ሚያዝያ 2013 (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ጀሚሩ ንተኸታተልቲ መዓልታት ብኸቢድ መሳርሒ ተሰንዩ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰባት ሞይቶም፣ ንብረት ዓንዩን ነበርቲ ተፈናቒሎምን ይብል መግለጺ።

ቅድም ክብል እውን ኣብ ዙርያ ኣጣዬ ኣብ ዝርከባ ማጀቴ፣ ቆሪናን ካልኦት ከባብታትን ብዝተወደቡን ከቢድ ብረት ዝሓዙን ዕጡቓት ብፍላይ ኣብ ማጀቴ ብዙሓት ነበርቲ ከምዝቐተሉ ብምዝኽኻር፤ ካራ ቆሬ ኣብ ዝተባሃለ ቦታ ድማ ኣባላት ጸጥታ ከምዝቖሰሉን ነበርቲ ካብ ከባቢኦም ከምዝተፈናቐሉን ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ኣመልኪቱ’ሎ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድማ “ኣብ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ጊዳ ኣያና ቕትለታት ከምዝተፈጸሙ፣ ሓረስቶት ገዛውቶምን ኣእኻሎምን ከምዝቃጸል ከምኡ’ውን ብዙሓት ካብ ዝነብሩሉ ከምዝተፈናቐሉ” ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ብ4 ጥቅምቲ 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኲናት ኣብ ዝተወለዓላ ክልል ትግራይ ነበርቲ ንጸገማት ከምዝተሳጥሑን ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮምን ዘተሓሳሰበ እቲ ጉባኤ፡ ኩነታት ጸጥታ’ውን ክሳብ ሎሚ ከምዘይተመሓየሸን ንምንቅስቓስ ምቹእ ዘይምዃኑን መረዳእታታት በጺሖምኒ ኢሉ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ቤኒሻንጉል ብዙሓት ነበርቲ ብዕጡቓት ከምዝቕተሉ፤ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶ ፍሉይ ረዳ ጉማይዴን ኣማሮን ዝፍጸም ቕትለት ከምዝወሰኸ ብዝምልከት ዝበጽሕዎ ሓበሬታታት’ውን ጠቒሱ።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ዝፍጽም ቕትለትን ዕንወት ንብረትን ኣዝዩ ዝኸፍአ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት “ዝኾነ ዓይነት ውሕስና የብሉን ናብ ዝበሃለሉ ደረጃ ከምዝተበጽሐ” ኣብ መግለጺኡ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሖም ህልቂት ቅድሚ ምስዓቡ ዝምልከቶም ሰብ ብጽሒት፣ ሃይማኖታዊ ኣቦታትን ዓበይቲ ዓድን ኣብታ ሃገር ሰላም ኣብ ዝነግሰሉ ኩነታት ክዛተዩን ውሕስና ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝርከበሉ ኩነታት ክዘራረቡን ከም መፍትሒ ሓሳብ ኣቐሚጡ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ: ጸገም ጸጥታ ዘለዎም ከምኡ’ውን ተመሳሰልቲ ጥሕሰታት ዝፍጸሙሎም ከባብታት ብምንጻር ዝተፈለየ ሓለዋ ዝግበረሉ ኣማራጺ ሜላ ምጥቃም ከም መፍትሒ ካብ ዝሓበሮም ነጥብታት ሓደ’ዩ።