ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዕጡቓት ንሓንቲ ወረዳ ከምዝተቆጻጸሩ ተሓቢሩ

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ እትርከብ ክልል ቤንሻንጉል፡ ኣብ ዞባ ካማሺ: ሴዳሌ ትብሃል ወረዳ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ከምዝተቆጻጸርዋ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ።
እቲ ኮምሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ዕጡቓት ካብ ሰኑይ 11 ሚያዝያ 2013 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ጀሚሮም ዳርጋ ንምልእቲ ወረዳ ሴዳሌ ተቆጻጺሮማ ምህላዎም ሓቢሩ።
ዞባ ካማሺ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እቲ ክልል ዝርከብ ኮይኑ እታ ዕጡቓት ተቆጻጺሮማ ትብሃል ዘላ ወረዳ ልዕሊ 25 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብርዋ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ ኣሎ።
እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እታ ወረዳ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ፡ ምምሕዳር ናይታ ወረዳ፡ ፖሊስን ብዙሓት ነበርትን ካብታ ወረዳ ሃዲሞም ከምዝወጽኡ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር።
እቲ ነታ ወረዳ ተቆጻጺሩ ዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ንነበርቲ፡ ሓለፍቲ ናይታ ወረዳን ሰራሕተኛታት መንግስትን ይቐትልን ይጨውን ከምኡ'ውን ንብረት መንግስትን ህዝብን የዕኑ ከምዘሎ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቶም ዕጡቓት ብብዝሕን ብዓቕምን ልዕሊ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሰራዊት ናይ መንግስቲ ከምዝኾኑን፡ ናብቲ ከባቢ ተላኢኹ ኣሎ ዝተብሃለ ሓጋዚ ሰራዊት መንግስቲ'ውን ክሳብ ሕጂ ናብቲ ቦታ ከምዘይበጸሐ ሓቢሮሙኒ ኢሉ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ: እቲ ወረዳ ኪኖ ብዕጡቓት ምትሓዙ፡ ብዛዕባ መንነት እቶም ዕጡቓት ዝበሎ ነገር የለን።
እቲ ኮምሽን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይስዕብ መንግስቲ ቅልጡፍ ፍታሕ ከናድየሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ኣብታ ምስ ሱዳን ትዳወብ ክልል ቤንሻጉል ጉምዝ፡ መተከል፡ ካማሺን ኣሶሳን ዝብሃላ ሰለስተ ዞባታት እየን ዘለዋ።
ኣብተን ዞባታት ቅድሚ ሕጂ'ውን ብዕጡቓት ክፍጸሙ ብዝጸንሑ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ብዙሓት ሰባት ንሞትን ምፍንቓልን ተቓሊዖም'ዮም።
ብፍላይ ዞባ መተከል ብተደጋጋሚ መጥቓዕትታት ክፍጸማ ዝጸንሐ ዞባ ኮይና ነቲ ኣብታ ዞባ ዝፍጸም መጥቓዕትታት ንምቁጽጻር ካብ ክልል ቤንሻንጉል፡ ካብ መንግስትን ኣካላት ጸጥታን ዝተዋጽአ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ካብ ዝቐውም ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብ14 ታሕሳስ 2013 ዓመተ ምሕረት ኣብ ዞባ መተከል፡ ወረዳ ቡለን ቀበሌ በኩጂ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ብኣሰቃቒ ኣገባብ ከምዝተቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሰብ መዚ እታ ሃገርን ምግላጾም ይዝከር።
እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት ስዒቡ፡ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ነይርዎም'ዩ ዝተብሃሉ ኣብቲ ናይቲ ክልልን ናይ ፌዴራልን መሓውር ዝርከቡ ሓለፍቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ካብቶም ዕጡቓት'ውን ብዙሓት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ ነይሩ።
ምምሕዳር እቲ ክልል ነቲ መጥቃዕቲ ጸረ ሰላም ዝኾኑ ሓይልታት'ዮም ፈጺመሞ ኪኖ ምባል እቶም ዕጡቓት መን'ዮም? ዕላመኦም እንታይ'ዩ? ንዝብል ሕቶታት መብርሂ ኣይሃበሉን።
ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ምስ ሱዳን ዝዳወብ ልሙዕ መሬት ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ምስሕሓብ ፈጢሩ ዘሎ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝህነጸሉ ዘሎ ክልል እዩ።
ዩኒሴፍ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝነብር ገሊጹ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







