ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፡ ዘይተሰምዐ፡ ናይ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ድምጽን መፍቲሒኡን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ረቡዕ ንግሆ፡ 14 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ኩጂ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ቀበሌ ዝነብር ወዲ 41 ዓመት ሓረስታይ፡ በላይ ዋቅጅራ ንህይወቱ ዝቐየረ ክስተት ኣጋጢሙዎ።
በዓልቲ ቤቱን 9 ደቁን (ሓሙሽተ ኣዋልድ ኣርባዕተ ኣወዳት) ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብግፍዒ ተቐቲሎም።
ነታ ስድራ ኣብ ውሽጢ ገዛ እንከላ እዮም ሓዊ አእትዮሙላ። እቶም ቖልዑ፡ ካብቲ ሓዊ ሃዲሞም ክወጽኡ ክብሉ ከኣ ኣብ ግዳም ዝጸንሑ ዕጡቓት ብተመልከተለይ ብጥይት ቀቲሎምዎም።
"ደቀይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ፡ ኣብ ጥቓይ እዮም ቀቲሎምዎም" ይብል ኣቦኦም ንስም ደቁን በዓልቲ ቤቱን ብሓዘን እናጸወዐ።
ካልእ [ሽሙ ዝተቐየረ] ነባሪ እቲ ቀበሌ፡ አቶ ተስፋ፡ ኣቡኡን ኣዲኡን ንመርዓ ኢሎም ምስከዱ ከምዘይተመልሱ ይዛረብ። ኣብቲ ቦታ ብተደጋጋሚ ዝካየድ መጥቃዕቲ ወለዱን ብዙሓት ኣዝማዱን ሞይቶምዎ እዮም።
ኣብ ዝተፈላለየ እዋን መንግስቲ ካብ ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ናብ ሱዳን ክሃድም ምጽንሑ ዝዛረብ ተወላዲ ጉሙዝ፡ ንጹሃት ተወለድቲ ጉሙዝ ክሞቱ ርእየ እየ ይብል።
ካልእ ናይ ዞባ መተከል ጸገም፡ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ዘርኢ፡ ዛንታ ናይ ኢንስፔክተር ነጋሽ ኩቲል እዩ። ንሱ ናይቲ ክልል ፖሊስን ተወላዲ ጉሙዝን እዩ። እቲ ኢንስፔክተር ብስራሕ ምስተንቀሳቐሰ ምስ ዕጡቓት ምግጣሙ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኣነ ካብ ጉሙዝ እየ። ሰበይተይ'ውን ጉሙዝ እያ። እንተኾነ ብስራሕ ምስወፈርኩ ምስ ጉሙዝ ተዋጊአ። 'ነጋሽ እዩ ንሰራዊት ምክልኻል መሪሑ ዘምጸአ' ኢሎም ከኣ ከሲሶሙኒ። ካብኡ ንዓይ ክቐትሉ መጺኦም ምስ ሰኣኑኒ፡ ንበዓልቲ ቤተይን ደቀይን ብጥይት ቀቲሎምዎም" ይብል ኢንስፔክተር ነጋሽ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ዛንታ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ዝነብሩ ተወለድቲ ዝተፈላለዩ ብሄር ዝዛረቡዎ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዞባ መተከል ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ሺናሻውን ጉሙዝን ብግፍዒ ተቐቲሎም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከኣ ተፈናቒሎም።
ስለምንታይ እዩ ከምኡ ዓይነት መጥቃዕቲ ዝፍጸም እቲ ህልቂት'ከ ብኸመይ እዩ ጠጠው ክብል ዝኽእል? ኣድህቦና፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ብምግባር ኣብቲ ከባቢ ንዝነብሩ ተወለደቲ ዝተፈላለዩ ብሄራትን፡ ኣብቲ ኣካባቢ ዝርከቡ ዝምልከቶም ሰበስልጣን መንግስትን ፖለቲከኛታትን ኣዛራሪብና ኣሎና።
ቅድሚኡ ግን ብዛዕባ እቲ ክልልን፡ ህሉው እዋናዊ ኩነታት እቲ ከባብን ብሕጽር ዝበለ ንመልከት።
ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከመይ ይመስል?
ትካል ሕጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2019 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ነባሪ እቲ ክልል ኣስታት 1.1 ሚልዮን ከምዝኸውን ገምጋም ሂቡ ነይሩ። ካብኦም 44% ከኣ ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ እዮም።
ካብቶም ኣብቲ ክልል ዝነብሩ ብዙሓት ብሄራት፡ ተወለድቲ ጉሙዝ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሞ፣ ሺናሽን ኣገውን እቶም ዝበዝሑ እዮም።
ኣብቲ ክልል መተከል፣ ካማሺን አሶሳን ዝተባህላ ሰለስተ ዞባታት ኣለዋ። እቲ ኣድህቦ ጌርና እንዛረበሉ ዘለና መተከል ዝተባህለ ክልል ምስ ኦሮምያ፡ ኣምሓራን ሱዳንን ይዳወብ። ዝበዝሐ ህዝቢ እቲ ዞባ ከኣ ብሕርሻ ይናበር።
መሬት ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ለምለም እዩ። ብዙሓት ኣውፈርቲ፡ ፍቓድ ወሲዶም ሰፊሕ መሬት ሕርሻ የልምዑ። እቲ ምድረ መገሃጫ እውን ሰፊሕ እዩ። በብእዋኑ ካብ ካልእ ቦታታት ዝመጽኡ ቁጽሮም ዘይፍለጥ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከምዝሰፍሩ ተገይሩ ኣሎ። እቲ መግለጺ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ክልል ምስ ካልእ ብምንጽጻር ቁልጡፍ ዕቤት ህዝቢ ከምዘርኣየ ይገልጽ።
ኣብ ርእሲ'ቲ ወሰኽ ወሊድ፡ ምስቶም ኣውፈርቲ (ኢንተርፕራይዘር) ክሰርሑን ኣብቲ ከባቢ ክነብሩን ዝመጽኡ ብዙሓት እዮም።

ምንጪ ስእሊ, MARTHA T.
እዋናዊ ኩነታት ቤኒሻንጉል ጉሙዝ
መንግስቲ ፌደራልን ናይቲ ከባቢ ሰበስልጣናትን ዞባ መተከል ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ኩነታት ጸጥታ ሕጂ ዝሓሸ ሰላም ኣሎ ይብሉ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ'ውን ሕጂ እውን እንተኾነ ዓቢ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከምዘለዎም ይዛረቡ።
ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ መተከል ኮማንደር ኣብዲ ጎረና፡ እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ፌደራል ኮማንድ ፖስት ከምዝመሓደር ብምጥቃስ፡ "ኩነታት ጸጥታ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ እዩ ዘሎ። ኮማንድ ፖስት ስራሕ ካብ ዝጅምር ተዛማዲ ሰላም ኣሎ" ካብ ምባል ወጻኢ ተወሳኺ መብርሂ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።
ሓደ ኣዛዚ ፖሊስ ካብተን ኣብ ዞባ መተከል ዝርከባ ወረዳታት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝካየደላ ወረዳ ድባጤ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝርዝራዊ መብርሂ ክህብ እኳ እንተዘይደለየ "እንታይ ሰላም ክህሉ ደኣ?" ብምባል ገና ናይ ጸጥታ ስግኣት ከምዘሎ ተዛሪቡ።
አዛዚ ፖሊስ እታ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ነበርታ ዝሞቱዋ ወረዳ ቡለን ብወገኑ፡ ዝሓሸ ምርግጋእ እኳ እንተሎ እቲ ከባቢ ግን ናይ ጸጥታ ስግኣት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ኮማንደር ቢራቱ ተሰማ፡ "ወረዳና ደሓን እኳ እንተኾነ ኣብ ከባቢና ግን ገና ስግኣት ኣሎ" ብምባል ዕጡቓት ስግኣት ጸጥታ ኮይኖም ምህላዎም ይዛረብ። እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ ላዕለዋይ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብቲ ክልል፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ናይል ስቴት ሱዳን ብብዝሒ ይስደዱ ምህላዎም ይሕብር።
እቲ ትካል፡ 7393 ሰባት ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ተመዛቢሎም ኣብ ሱዳን ኣብ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሰፊሮም ከምዘለው ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብ14 መጋቢት 2013 ዓ.ም[ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ዝሓለፈ 7 ሕዳር ኣትሒዞም ናብ ሱዳን ክኣትዉ ከምዝጀመሩን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ከኣ ብ 8 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ካልኦት 370 ሰባት ኣብ ሱዳን ከም ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ኣፍሊጡ።
ተወካሊት ናይቲ ትካል ኣብ ሱዳን ሶፊያ ጄሰን፡ እቶም ስደተኛታት ብስግኣት ጸጥታ ካብ ቤት ንብረቶም ሃዲሞም ከምዝተሰዱ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ስለምንታይ እዩ መጥቃዕትን/ ግጭትን ዝፍጸም?
ተወለድቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ፖለቲከኛታት ዝተፈላለያ ብሄራት እቲ ኣብቲ ቦታ ዝኽሰት ግጭት ልዕሊ እቲ ቁጠባውን ማሕበራውን ምኽንያት ብቐንዱ ፖለቲካዊ ምትእትታው ከምዘለዎ የረድኡ።
ስመይ ዓቅቡለይ ዝበለ ተወላዲ ብሄረ ጉሙዝ መንእሰይ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ወለድቲ ብሄረ ጉምዝ ከምዝደኽዩ እዩ ተገይሩ" ይብል።
እቲ መንእሰይ ከምዝብሎ "መሬት ሕርሻን መጋሃጫን ጉሙዝ ተዘሚቱ እዩ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ከኣ ማንም ክዛረብ ኣይደልን እዩ" ክብል ነቲ ኩነታት የረድእ።
እቶም መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘብጽሑዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል እምነት ዘለዎ እዚ መንእሰይ "ህዝቢ ጉሙዝ ክጉዳእ እንከሎ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ጽቡቕ ኣይኮነን" ይብል።
ስመይ ዓቅቡለይ ዝበለ ተወላዲ ብሄረ ኣምሓራ ካልእ መንእሰይ ከኣ ኣብ ዞባ መተከል ተወሊዱ ከምዝዓበየ ብምግላጽ፡ " ኣቦይ ካብ ካልእ ቦታ ይምጻእ እምበር፡ ንዓይ እዚ ሃገረይ እዩ። [ኣብዚ ቦታ]ጽዒሩን ሰሪሑን ዝተለወጠ ሰብ እዩ ከም ጸላኢ ዝረአ ዘሎ፤ ካልእ ነገር የለን" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ከተማ ኣሶሳ ዝነብር ፖለቲከኛ ዓብዱልሰላም ሸንገል ብወገኑ ምኽንያት ናይቲ ግጭት እቲ ገና ምላሽ ዘይተዋህቦ፡ ቁጠባዉ ማሕበራውን ፖቲለካውን ጉዳያት ምዃኑ የረድእ።
እቲ ፖለቲከኛ ከምዝብሎ ኣብ ዞባ መተከል ዓሌት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብሳዕሪ ብላዕን ማይን ዝተላዕለ ኣብ ውልቀ ሰባት ግጭት የጋጥም ምንባሩ ይዝክር።
ዓሌት ምኽንያት ዝገበረ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ዝጀመረሉ ኣብ 2011 ዓ.ም. [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] እዩ። ምስ ዞባ መተከል ኣብ ዝዳወብ ወረዳ ጃዊ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደቂ ጉሙዝ ተቐቲሎም ኔሮም። ብዛዕባ እቲ ቅትለት ምንም ኣይተባህለን። ዝኾነ ሰብ እውን ኣይተሓተተን። ካብኡ ንደሓር ደቂ ጉሙዝ ኣብ ስምዒት ኣትዮም ምስ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ግጭት ኣትዮም።
ኣቶ ዓብዱልሰላም ከምዝብሎ፡ ዝተፈላለዩ ብማሕበራዊ ሜድያ ዘነቓቕሑ፡ መራኸቢ ብዙሃን ተጠቒሞም "መተከል ናትና እዩ። ናይ ጉሙዝ ኣይኮነን። መሬትና ከነምልሶ ኢና" ዝብል መፈራርሒ ክዝርግሑ ጀሚሮም ብድሕሪኡ፡ "ኣብዚ ዘለው ፖለቲከኛታት'መሬትካ ክውሰድ እዩ፤' 'ነብስኻ ኣድሕን' ዝብል ፕሮፖጋንዳ ኣብ ማሕበረሰብ ጉሙዝ ተዘርጊሑ" ይብሉ።
ብፍላይ ነባሪ ገጠር ማሕበረ ሰብ ጉሙዝ፡ ብዙሕ ናይ ትምህርቲ ዕድል ስለዘይረኸበ፡ በቲ ዝግበር ቅስቀሳ ተደፋፊኡ "ኣብ ስምዒት ናይ ምእታው ነገር ኣሎ" ይብል።
ኣቶ ዓብዱልሰላም ከምዝብሎ፡ ኣብቲ ክልል ዝተፈላለየ ለውጢ እኳ እንተሎ እቲ ሕብረተሰብ ግን ኣይረብሐን።
"መተከል ክትምስረት እንከላ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ዝበዝሑ ደቂ ጉምዝን ሺናሻን ሎሚ ኣብታ ከተማ የለውን። እታ ከተማ ዓብያን ሰፊሓን እያ። ተወላዶ ጉሙዝ ግን ካብታ ከተማ ተደፊኦም ወጺኦም እዮም" ክብል የረድእ።
ነቲ ኩነታት ከብርህ እንከሎ ከኣ "እቲ ወናን ሆቴልን ኣብያተ ንግድን ተወላዶ ካልኦት ማሕበረሰብ እዮም። ንብረት ዘጥረዩ ደቂ ጉሙዝ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። እቲ ሓረስታይ ካብ ሕርሻኡ እናተፈናቐለ መሬቱ ንኣውፈርቲ ዝወሃበሉ ኩነታት እዩ ዘሎ''። ፍትሓዊ ቁጠባዊ ኣጠቓቕማ ስለዘየሎ ከኣ ኣብቲ ህዝቢ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ክብል ኣቶ ዓብዱልሰላም ይዛረብ።
"እቲ ግጭት ናይ ሰበ ስልጣናት፡ ሰብ ሃብትን ናይ ወጻኢ ሓይልን ኢድ ኣለዎ"
ዶ/ር መብራቱ ኣለሙ ተወላዲ ብሄረ ሺናሻ እዩ። ኩነታት እቲ ክልል ብቐረባ ክከታተል ጸኒሐ ኣለኹ ይብል። ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ዘለው ሰባት ኣብቲ ግጭት ኣበርክቶ ክገብሩ ጸኒሖም ኣለው ክብል ከኣ ይኸስስ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ቦታ፡ ብፍቓድ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) መሬት ዝወሰዱ ናይ ፖለቲካ ጥሙሕ ዘለዎም ሰብ ሃብቲ ንመንእሰያት ጉምዝ ኣብ ወረዳ ዳንጉር ዶብ ሱዳን ታዕሊም ሂቦም ከምዘዕጠቑዎም ይዝረብ።
"ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ከባቢ ጉባ፣ ዳንጉርን ወንበራ ዘሎ ሰፊሕ መሬት ሕርሻ ንኣውፈርቲ ተባሂሉ ተዋሂቡ እዩ። ስግኣት እንተዘይኮይኑ እቲ ሕጂ ዘሎ መሬት ንደቂ ጉምዝ ይውሕዶም እዩ ዝብል ግምት የብለይን። ንውልቆም ዝኸውን ናይ ሕርሻ መሬት ኣለዎም። ሰፊሕ መሬት ሓሪስካ ናይ ምጥቃም ልምዲ እውን የብሎምን። በእዳዎም እዮም ዝጫዅሩ" ይብል።
ምድብላቕ ክውንነትን ፖለቲካዊ ጥሙሕን ነቲ ግጭት የብእሶ ኣሎ
ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ተመስገን ገመቹ ኣብ ዞባ መተከል፡ ኣብ ዞባ ድባጤ እዩ ተወሊዱን ዓብዩን።
ተመስገን፡ ፍሉጥ ኣሃዝ እኳ እንተዘየሎ ኣብ ዞባ መተከል ዝበዝሑ ተወለድቲ ጉሙዝ ከምዝኾኑ ይግምት። እቲ ቀንዲ ምኽንያት "ግጭት" ከኣ ፖለቲካዊ ጥሙሕ እዩ ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሕ ሰብ ናብቲ ከባቢ መጺኡ እኳ እንተሰፈረ ኦሮሞን ኣገውን ግን እቶም ቀዳሞት ነበርቲ እዮም ይብል።
"ዘይተመለሰ ሕቶ ህዝቢ ጉሙዝ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ቀስቀስቲ ፖለቲከኛታት መሬትካ ክውሰድ እዩ ተላዓል ስለዝብሉዎ እዩ። ግን እዚ ጥራሕ እውን ኣይኮነን። ከተማ ክሰፍሕ እንከሎ ደቂ ጉሙዝ ካብቲ ከባቢ ስለዝድፍኡ እውን እዩ" ይብል እቲ ናይ ሕጊ ምሁር ተመስገን።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ 'መተከል ርስቲ እዩ። ከነምልሶ ኢና' ዝብል ጎስጓስ ኣብቲ ህዝቢ ዘይምርግጋእ ይፈጥር። እቶም ኣመሓደርቲ እውን ዝተሓናፈጹ ስለዘይኮኑ፡ እቶም ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ኣገው ርትዓዊ ውክልና ስለዘይብሎም ተወሳኺ ጸገም ከምዘሎ ይዛረብ።

እቲ ፍታሕ እንታይ እዩ?
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ናይ ወጻኢ ጉዳያትን ኣቶ ደመቀ መኮነን ብ15 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ኣብ መተከል ንዝተኸስተ ናይ ጸጥታ ሽግር ዘላቒ ፍታሕ ንኪረክብ መንግስቲ ንነበርቲ እቲ ከባቢ አዕጢቑ ነብሶም ከምዝሕልው ክገብር እዩ ከምዝበለ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ጸብጺቡ ነይሩ።
ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ዞባ መተከል ዘለው መሪሕነት ነቲ ካልእ ብሄር ዝጸንበረ ብዘይምዃኑ ንጸጥታ እቲ ከባቢ ከምዝረበሾ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝተዋፈረ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ዘወሃህድ ሌተናል ጀነራል ኣስራት ዴኔሮ ብምጥቃስ መደብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ብ 14 ለካቲት ኣብ ዝተመሓላለፈ ጸብጻብ፡ ኣባል እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዕማምን ናይ ሰላም ምኒስተር ዲኤታ ፍሬዓለም ሽባባው፡ "ነዚ ዞባ እዚ ኣብ ሽግር ዘእተዎ ቀንዲ ነገር ኣድልዎ እዩ። ገጽ እናረኣኻ ምድላው፡ ናይ ሓደ መራሒ ባህሪ ኣይኮነን" ክብል ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ተዛሪቡ ነይሩ።
ፖለቲከኛ ኣቶ ዓብዱልሰላም እውን እቲ ዝጠፍአ [ሰብን ንብረትን] ብዘይ ኣድልዎ እንተዝንገርን፡ ፍትሒ እንተዝትግበርን ሰላም ክፍጠር ምተኻእለ ይብል።
"ኣምሓራን ኦሮሞን ክቕተል እንከሎ እዩ ዝዝረብ እምበር፡ ብዙሕ ጉሙዝ ሞይቱ እዩ። ቅድሚ ሕጂ እውን ሞይቱን ተሰዲዱን እዩ። ንህዝቢ ጉሙዝ ዝወረዶ በደልን ግፍዕን ዝዛረበሉ የለን። መንግስቲ እውን እንተኾነ ክንደይ ጉሙዝ ከምዝሞተ፡ ክንደይ ከምዝቖሰለን፡ ካብ ቤቱ ተመዛቢሉ ከምዝተሰደን ብኣግባቡ ዝገበሮ የለን። [ደቂ ጉሙዝ] ብግጭት ይሞቱ፡ ብጥሜት ይሞቱ ኣለው። እቶም ዝተኣስሩ እውን ኣብ ሕጊ ኣይቀረቡን" ይብሉ። "ኩሉ ሰብ ብማዕረ ክሳብ ዘይተራእየ ፍታሕ ኣይመጽእን'ዩ። ፍትሒ እንተዘይሃልዩ ከኣ ሰባት ካልእ ክገብሩ እዮም ዝድፍኡ" ይብል።
"እቲ ጸገም ፖለቲካዊ ጸገም እዩ። እቲ ፍታሕ ከኣ ፖለቲካዊ እዩ ክኸውን ዘለዎ" ዝብል ዶ/ር መብራቱ ኣለሙ፡ " ብ11 መስከረም 2013 ንሓደ ዞባ ተባሂሉ ኮማንድ ፖስት ተፈጢሩ ክነሱ ግን እቲ ሽግር ፈጺሙ ኣይተፈትሐን። ሰባት ሕጂ እውን ይቕተሉ ኣለው። ኣባይቲ ይቃጸል፡ ከብቲ ይዝመታ ኣለዋ" ስለዚ ጠንቂ እቲ ሽግር ኣብ ፖለቲካ ክዋስኡ ዝደልዩ ሰብ ሃብቲ ስለዝኾኑ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ እዩ ዘድሊ ይብል።
"ካብ ኩሉ ብሄረሰብ ዝተዋጽኡ ምሁራንን ዓበይቲ ዓዲ ሽማግለታትን ኮፍ ኢሎም ክዝትዩ ኣለዎም። በብውልቅን ብሚድያን ዝበሃል መሊሱ ከባእሰናን ከቃራሕነናን እንተዘይኮይኑ ትርጉም የብሉን" ይብል።
ናይ ሕጊ ምሁር ጠበቓ ተመስገን ብወገኑ፡ ''ፖለቲከኛታት ኣእዳዎም እንተዘይኣኪቦም" ሰላም ኣይወርድን እዩ ይብል።
"ንዘየድሕኑዎ ህዝቢ ናይ "ርስቲ" ስምዒት እናቐስቀሱ ናብ ሽግር ካብ ዘእትውዎም ኣእዳዎም ክእክቡ ይሕሾም። እቶም ብሸነኽ ጉሙዝ ዘለው ፖለቲከኛታት ከኣ እቲ ህዝቢ ንክነዓዓብ ዝገብሩዎ ቅስቀሳ እንተዘይኣቋሪጾሞ እቲ ግጭት ክዓርፍ ኣይኮነን" ይብል።
እቲ ካልእ ፍታሕ ከኣ ይብል ተመስገን፣ ተወለድቲ ጉምዝ ኣብ ሃገሮም ናይ ዋንነት ስምዒት ከምዝህልዎም ምግባር እዩ።
"ኣብዚ እዋን እኮ ንዕዳጋ ወሪዶም ምስ ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ክሸጡን ክሻየጡን ኣይክእሉን ዘለው። ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ሃገሮም ገዲፎም ንሱዳን ይስደዱ ኣለው። ስለዚ ነብሰ ተኣማንነቶም ክምለስ ኣለዎ" ብማለት ሓሳቡ የካፍል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







