ኢትዮጵያ፡ ጉዕዞ ሰለስተ ዓመት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ካብ ሽልማት ኖቬል ክሳብ ግጭት ትግራይ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ግጭትን ተቓውሞን ምስ ዓበየ ቀዳማይ ምኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብፍቓዱ ስልጣኑ ለቒቑ፡ ብ24 መጋቢት 2010 (ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ከኣ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ምኒስተር ኮይኑ ተሸይሙ።

ኣብቲ ን35 ደቓይቕ ዝወሰደ ፈላሚ መደርኡ፡ ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ ኣብ ወጻኢ ርክባት [ምስ ኤርትራ ን20 ዓመታት ተቛሪጹ ዝነበረ ርክብ ምሕዳስን] ዝኣመሰለ ሰፊሕ ማሕበራዊ ምምሕያሽ ከምዝገብር ቃል ኣትዩ።

ኣብ መደርኡ፡ "ብሓሳብ ምፍልላይ መርገም ኣይኮነን" ዝበለ ዶክተር ኣቢይ፡ "ኣብ ዝተፈለለየ እዋን መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲከኛታትን፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ንዝተቐዝፉ ደለይቲ ለውጢ መንእሰያት፡ ንስነ አእምሮኣውን ልቦናውን ጸገማት ዝተቓልዑ ቤተ ሰብ ካብ ልቢ ዝነቐለ ይቕሬታ እሓትት" ብምባል ንዝተፈጥረ ጸገማት፡ መንግስቲ ፍታሕ ብምሃብ ንህዝብና ክንክሕስ ኢና ኢሉ። ከምኡ ካብ ዝበሃል ሰለስተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ንዘሎ ኩነታት ብዝተፈለላየ መኣዝን ክንድህስሶ ኢና።

ነጻነት ሚዲያን እሱራት ፖለቲካን

ኣብ ቀዳማይ ኣዋርሕ ስልጣን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብዙሓት ብፖለቲካ ተኣሲሮም ዝነበሩ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም። ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብረት ዓጢቖም ዝዋግኡ ዝነበሩ'ሞ ብግብረ ሽበራ ከይተረፈ ተወንጂሎም ዝጸንሑ ብረቶም ኣውሪዶም ብሳለም ክቃለሱ ንዓዶም ተመሊሶም። በዚ ከኣ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ተመጒሱ።

ዓለም ለኻዊ ተሓላቒ ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ኣብ 2019 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ብጉዳይ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ለውጢ "ተኣምር'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።

ድሕሪ 14 ዓመታት፡ ኢትዮጵያ እሱር ጋዜጠኛ የብላን ክብል ከኣ ምስክርነቱ ሂቡ ነይሩ። ልዕሊ 260 ተኣጊደን ዝነበራ መርበባት ሓበሬታ ክነጣጠፋን፡ እተን ኣብ ስደት ዝጸንሓ ሚድያታት ንሃገር ክኣትዋን ተፈቒዱለን። ኢትዮጵያ ኣብ ኣልያ ፕረስ ዝነበራ ደረጃ ንኣርብዓ ሃገራት ዘሊላ ካብ 150 ናብ 110 ደይባ።

እንተኾነ ሕጂ ኩሉ ነገር ከምቲ ዝጀመሮ ዝቐጸለ ኣይመስልን። ካብተን ካብ ስደት ዝተመልሳ ሚድያታት ንኣብነት OMN ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ቤት ጽሕፈቱ ተዓጽዩ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከኣ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣለው።

ተማጓቲ መሰል ጋዜጠኛታት (Reporters without borders) ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ይገሃስ ምህላው ዝገልጽ ብዙሕ ጸብጻባት ይበጽሖ ከምዘሎን፡ ነቲ ተራእዩ ዝነበረ ተስፋ ኣብ ሓደጋ ዝእቱን'ዩ ክብል ሓቢሩ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ሒደት ኣዋርሕ፡ ብዙሓት እሱራት ፖለቲከኛታት ብምፍትሖም ከምዝተመስገነ ሕጂ ከኣ በቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ወቐሳ የጋጥሞ ኣሎ።

ናይ ኦነግ፡ ኦፌኮ፡ ባልደራስን ናይ ኦብነግ ኣመራርሓን፡ ኣባላትና ተኣሲሮምና ኣብያተ ጽሕፈትና እውን ተዓጽዩ ኣሎ፡ ምፍርራሕን ምክልባትን የጋጥመና ኣሎ፡ ዝብል ተደጋጋሚ ቅሬታ የቕርቡ ኣለው።

ብፍላይ ድሕሪ ቅትለት ውሩይ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ እሱራት ፖለቲካ ይውስኽ ከምዘሎ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ። ብተወሳኺ ናይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብያተ ፍርዲ ዘሕልፍዎ ውሳኔታት [ብፍላይ ንእሱራት ፖለቲካ ብዝምልከት] ከምዘይክበር ብምጥቃስ እቲ ጸገም ንኽፍታሕ ብተደጋጋሚ ከተሓሳስብ ጸኒሑ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY

ሰላምን ምርግጋእን

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላላየ ከባቢታት ንንጹሃን ሰባት ዒላማ ዝገበረ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ [21 ሕዳር 2013] ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ቀሪቡ መብርሂ ዝሃበ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን መንፍቕን፡ ንግጭት ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ከይሓወሰ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት እታ ሃገር ብድምር 113 ግጭቶ ከምዘጋጠመ ገሊጹ። እቲ ግጭት ህይወት ሰባትን ንብረትን ከምዘዕነወ እውን ሓቢሩ።

"ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰሙን ኵናት ኣሎ። ስራሕ መንግስቲ ከኣ ግጭት ኣኣብ ዝተፈጸመሉ ቦታ ምልቃስን ምቕባርን እዩ" ኢሉ ኣቢይ። ቀንዲ ተሓታቲ ከኣ ህወሓት ምዃኑ ተዛሪቡ። እቲ ቐዳማይ ምኒስተር ከምኡ ይበል እምበር፡ ህወሓት ምስተዳኸመ'ውን እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዝግበር መጥቃዕትስ ኣየቋረጸን።

ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ድባጤ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ብ[04 ጥሪ 2013] ዝተፈጸመ 82 ንጹሃን ሰባት ከምዝተቐትሉ እሙናት ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።

ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ሓደ ወርሒ ከኣ፡ ቡለን ኣብ ዝተባህለ ወረዳ 207 ንጹሃን ሰባት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ገሊጹ።

ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ወለጋ፡ ኣብ ዝተፈለላየ ወቕቲ ንሰላማዊ ሰባት ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ቅድሚ ግጭት ትግራይ ኣብ ዝነበሩ ዘይምርግጋእ ከኣ ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ምማቶምን ምቑሳሎምን ሓቢሩ።

ድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተላዕለ ቀውሲ፡ ኣብ ሰለስተ መዓልታት 123 ሰባት ብኣባላት ጸጥታን ኣብቲ ዕግርግር ብዝተሳተፉ ሰባትን ምስ ሞቱ፡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ " መንግስቲ ዘሎ ኣይመስልን" ብዝብል ኣርእስቲ መግለጺ ኣውጺኡ ኔሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላላየ ወቕቲ ብዝተኸስተ ግጭት ህይወት ሰባት ጠፊኡ። ቅድሚ ዓመት ኣብ ክልል ሰሜን ሸዋ ዞባ ኤፍራታና ኣብ ወረዳ ግድም ብዝተላዕለ ግጭት 9 ሰባት ምማቶም ተመዝጊቡ ነይሩ።

ንሲዳማ ከም ክልል ንምድርጃው ኣብ ዝተገብረ ምንቅስቓስ ብዝተፈጥረ ግጭት እውን ሓያሎ ሰባት ሞይቶምን ቆሲሎምን፡ ንብረት እውን ዓንዩ።

ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ጌዲዮ፣ ወላይታ፣ ኮንሶን በጉራጌን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብዝተፈጥሩ ግጭት ንጹሃት ሰባት ሞይቶም። ኣብ ካልእ ክፍልታት እታ ሃገር እውን ከምኡ።

ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ብዙሓት ላዕለዎት ሰበስልጣን ተቐቲሎም። ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት እውን ብዙሓት ታሕተዎት ሓለፍቲ ሞይቶም። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ክሕሉ ብዘይምኽኣሉ ይንቀፍ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ጥቅምቲ 2013 ስሩዕ ኣኼባ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ፡ ካብቶም ኣባላት ባይቶ፡ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ንከኽብር ብሕርቃንን ቁጠዐን እናነብዑ ተዛሪቦም።

ዝዓነወ ንብረት

ካብ ምስረታ ብልጽግና ክሳብ ግጭት ትግራይ

ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ልፍንታዊ ውድብ ኢሂወደግ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ምኒስተር ምስ ኮነ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ እዩ ጸኒሑ። እቶም ዝተረፉ መላፍንቲ ውድባት ህወሓት ዘይብሉ ብልጽግና ዝበሃል ሰልፊ መስሪቶም።

እንተኾነ እቲ ሰልፊ፡ ኣብ ክልላት ዘለዎ ቅርጽን ምሕደራን ገና ንጹር ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ይቐርበሉ እዩ። እቲ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ሕዱር ምስሕሓብ ዝጸንሖ ህወሓት ኢሂወደግ ምስ ፈረሰ እቲ ዝምድነኦም መሊሱ ሓርፊፉ።

ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) " ቅድሚ ውህደት እተን መላፍንቲ ውድባት ክረአ ዝግበኦ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ። ውህደት እተን ሰልፍታት ሕጋዊ ኣይኮነን" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ኣባል ማእከላይ ሽምግለ ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ድምጺ ወያነ ቀሪቡ፡ "እታ ሃገር ናብ ከቢድ ሽግር እናኣተወት ብዛዕባ ውህደት ሰልፍታት ጥራሕ ምዝራብ ብህሉው ኩነታት ሃገር ዘይምግዳስ እዩ ዘርኢ" ብማለት ህወሓት ዝተፈልየ መገዲ ከምዝሓዘት ተዛሪቡ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ብምኽንያት ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ 2012 ንክናዋሕ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ፈደሬሺን ምስ ወሰነ፡ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ሓሳብ ስለዘይተቐበሎ ናይ ክልሉ በይናዊ ምርጫ ገይሩ። እቲ ምርጫ ተኻይዱ ህወሓት ከምዝሰዓረ ምስተገልጸ እቲ ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝጸንሐ ርክብ መሊሱ ሓርፊፉ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ "እቲ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብጻላም ዝግበር ምርጫ ሕጋዊ ኣይኮነን። ..."ኢሉ። ክልቲኦም ወገናት ከኣ እቲ ብቓላት ዝጀመሩዎ ዝጸንሐ ኩናት ናብ ጠበንጃን መድፍዕን አዕሪጎሞ።

ክልል ትግራይ ንመንግስቲ ፌዴራል ኣፍልጦ ነፊጉዎ። መንግስቲ ፌደራል ከኣ ነቲ ክልል ዝወሃብ ዝነበረ ባጀት ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ። ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ምስፈጸመ ናብ ወተሃደራዊ ኩናት ተኣትዩ።

ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ አካላት ብምሉኦም ዝኸፍአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ዝተፈላለዩ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም።

ድሕሪ እቲ ግጭት ኣብ ማይ ካድራ ልዕሊ 600 ሰባት ብሓይልታት ህወሓት ከምዝሞቱ ልዕሊ 100 ካልኦት ከኣ ኣብ ኣኽሱም ብወተሃደራት ኤርትራ ከምዝሞቱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ይኹን እምበር እቲ ፍጻሜ ይኹን ኣሃዝ፡ ገና ብናጻን ዘይሻራውያን ዓለማዊ ትካላት ኣይተረጋገጸን።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ብዙሓት ሰባት ኣካላዊ ጉድኣት ወሪዱዎም፡ ተገፊዖም ተሰዲዶም እውን። ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ርኡይ ተራ ዝነበሮም ስሙያት ፖለቲከኛታት ሞይቶምን ተኣሲሮምን።

ኣብ ግጭት ትግራይ ስም ኤርትራውያን ወተሃደራት ብተደጋጋሚ ይስማዕ እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ ተሳቲፎምን ኣብ ኣኽሱም ንጹሃት ሰባት 'ብኣሰቃቒ' ኣገባብ ከምዝቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ። ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ነቲ ኣሃዝ ክብ የብሉዎ።

ኣብ መጨረሻ ከኣ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ቀሪቡ "ኤርትራ ብዝነበራ ሃገራዊ ስግኣት ወተሃደራታ ዶብ ኢትዮጵያ ተሳጊሮም ጸኒሖም ሕጂ ግን ክስሕቡ ተሰማሚዖም ኣለው" ኢሉ።

ዝምድና ምስ ኤርትራን ሽልማት ኖበል ሰላምን

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብ ዝተሸሞሉ እዋን ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ጻውዒት ምቕራቡ ብብዙሓት ትጽቢት ኣይተገብረሉን።

"ንሓባራዊ ረብሓ እዞም ክልተ ብደም ዝተኣሰሰሩ አሕዋት ህዝበታት ክንብል ንዘሎና ፍልልይ ብዘተ ክንፈትሖ ዘሎና ቅሩብነት እናገለጽኩ መንግስቲ ኤርትራ እውን ተመሳሳሊ ቅርቡነት ክህልዎ ይጽውዕ" ምስበለ ድሙቕ ጣቕዒት ተለጊሱሉ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ንኣስመራ ኣትዩ፡ ነቲ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ሃዋህው ቀይሩዎ። ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ተቐቢሉዎ። ኣገልግሎት ስልክን መገዲ ኣየርን ተጀሚሩ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ንኣስመራ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G. MESKEL/TWITTER

ድሕሪ ሰሙን ከኣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ተመሳሳሊ ኣቀባብላ ተገይርሉ። ብሰንኪ ኩናት ንነዊሕ እዋን ተፈላልዮም ዝነበሩ ቤተሰብ ተራኺቦም፤ ዶባት ተኸፊቱ።

ነቲ ፍጻሜ ከኣ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓቢ ተፈላጥነት ዘለዎም ኣህጉራዊ ትካላትን ኣድኒቖምዎ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ 2019 ተሸላሚ ኖቬል ኮይኑ። እንተኾነ ድሕሪ ቁሩብ ብወግዒ ብዘይተዘርበሉ ምኽንያት ዶባት ተዓጽዩ። ርክብ ክልቲአን ሃገራት ከኣ "ፍሉጥ መርሓ የብሉን" ተባሂሉ ተነቒፉ።

ሓደ እዋን ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፡ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ቀሪቡ፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት 'ዓርኪ ጸላኢየይ ፈታዊየይ ኣብ ዝብል መርሓ ዝተሞርኮሰ እዩ' ክብል ርእይቶኡ ሂቡ። እቲ ርክብ ንህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ዝፈየዶ የሎን'ውን ኢሉ። ኣብ ካልእ እዋን ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ልዑላዊ መሬት ኢትዮጵያ ሰጊሩ ንክኣቱ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣፍቂድሎም ክብል ተሰሚዖም።

ብኣንጻሩ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ብዛዕባ ርክብ ክልቲአን ሃገራት [ኤርትራን ኢትዮጵያን] መርሓ ዘይብሉን ንህወሓት ንምጥቃዕ ዝተገብረ እዩ ንዝብል ሕቶ እቶም ከምኡ ዝብሉ ኣካላት ክገብሩዎ ዘይከኣሉ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ረኺብና ኢና። እቲ ውጽኢት ከኣ ሰላም እዩ ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ከኣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ "ንምርግጋእ ኢትዮጵያ ክንዲ ዝከኣለና ክንሰርሕ ንፍትን ኣሎና" ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ግጭት ምስ ተኸስተ ሱዳን ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ከምዝኣተወት ተሰሚዑ። እተን ክልተ ኣሓት ሃገራት ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ዝኸፍአ ግጭት ከኣትዋ ናይ መጀመርተአን እዩ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ እውን ስልጣን ምስተረከበ፡ ኣብ ሱዳን መሰጋገረ መንግስቲ ንኽቐውም ብዝገበሮ ኣበርክቶ ብኣወንታ ክረአ እንከሎ ኣብዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ጉዳይ ዶባት ግን ፍልይ ብዝበለ ዓይኒ እዩ ዝረአ።

ግብጺ፡ ሱዳንን ናይ ኢትዮጵያ ህዳሴ ግድብ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት

ደርማስ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ እናኽለዓል ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ብክልተ ርእይቶ ይረአ። ኣብ ህንጸት እቲ ግድብ ብኣዎንታ ክረአ እንከሎ ኣብቲ ዝተገብረ ዘተ ግን ጌጋታት ፈጺሙ እዩ ተባሂሉ ይንቀፍ።

ኣብ ህንጸት ናይቲ ግድብ ስርሓት ኤሌክትሮ ሜካኒካል ዝዓበየ እጃም ሒዙ ዝነበረን ከም ምኽንያት ምድንጓይ እቲ ንጥፈታት ዝኽሰስ ሜቴክ ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ እዩ ስርሑን ተርኡን ተቛሪጹ።

"እቲ ፕሮጀክት በቲ ዝነበሮ ኣመራርሓ እንተዝቕጽል እትረፍ ለብዘበን ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰለስተ ዓመት እውን ማይ ክሕዝ ኣይምኸኣለን፤ እቲ ግድብ ኣይምተገደበን እቲ ስራሕ እውን ኣይምተሰርሐን" ኢሉ ነይሩ። በቲ ተገይሩ ዝበሃል ምትዕርራይ እቲ ግድብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4.9 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ማይ ከምዝሓዘ ተነጊሩ። በዚ ከኣ ኣቢይ ይምስገን።

ህዳሰ ግድብ

ምንጪ ስእሊ, MAXAR TECHNOLOGIES VIA REUTERS

ኣብቲ ዓመት ግን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዝግበር ዝነበረ ዘተ ምኒስተር ገንዘብ ኣመሪካን ባንኪ ዓለለምን ንኪሳተፉ ምፍቃዱ ስሕተት እዩ ነይሩ ብምባል ይወቕሱዎ።

ሓደ ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ኣባል ተዛተይቲ ኢትዮጵያ ንጋዜጣ ሪፖርተር ርእይትኡ ክህብ እንከሎ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ሕቶ እዚ ብግርህነት ምቕባሉ ጌጋ እዩ ነይሩ" ክብል ገሊጹ።

ተዓዘብቲ ዝተባህሉ ኣካላት ናይ ኢትዮጵያን ጥቕሚ ዝጻረር ስምምዕ ንኪፍረም ተጽዕኖ ከምዘሕዱ እውን ተዛሪቡ።

ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ብዘይምቕባላ ከኣ ንማዕቀብ ተቓሊዓ። እቲ ዘተ ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሱዳንን ዘለዋ ርክብ ከም ዘበላሸዎ ይግለጽ።