"ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰላ ሃገር ክኸውን የብሉን"

ፕረዚደንተ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ጽንብል መኽፈቲ ማእከል መዘናግዒ እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝተሃንጸ ናይ 'ፓርክ ኣንድነት' ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ክውክሎ ከምዘፍቀደሉ ብምግላጽ፡ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድና ክሳብ ውክልና ምሃብ ስለዝበጽሐ እንቋዕ ኣሐጎሰኩም ክብል ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መኽፈቲ ስነ ስርዓት፡ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ኬንያ፡ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳንን ኡጓንዳን እዩ ነዚ ዝበለ።

ድሕሪ እዚ፡ ኣርባዕተ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሓፍዎ ቅሉዕ ደብዳብ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጽምብል መኽፈቲ ፓርክ ኣንድነት ኣዲስ ኣበባ ዝተዛረቦ ዘረባ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።

ኣብቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)፡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)ን፤ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ (ባይሰኣ)ን ዝኸተምዎ ደብዳበ፤ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ወኪለ፡ ምባሉ ከም ዘሰንበዶምን ዘሕፈሮምን ገሊጾም።

ኣቶ ነጋሽ ዑስማን፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ "ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ፡ ካልእ ዝኾነ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ክዛረብ ዝፍቐደሉ ኣካል ከምዘየለ ብመትከል ከነረጋግጽ ንደሊ" ኢሉ።

ኣቶ ነጋሽ ዑስማን ብምስዓብ፡ "ኢትዮጵያ ንኤርትራ ትገዝእ ዝነበረት ሃገር እያ፡ ካብ መራሒ እዛ ሃገር እዚኣ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ክወጽእ እንከሎ ከኣ ብሻቕሎት ኢና ንርእዮ" ክብል ገሊጺ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽኣሉን ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም እዮም።

ኣብይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኬንያ፡ ኡጓንዳ፡ ሶማልያን ሱዳንን

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣዋሳ ኣብ ዝተገብረሉ እንግዶት፡ "ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ እትመርሓና፡ ውክልና ሂበካ ኣለኹ" ድሕሪ ምባሉ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ቅሬታ ፈጢሩ ነይሩ'ዩ።

ዶክተር ኣብይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝተሃንጸ ናይ ሓድነት ፓርክ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንፕረዚደንት ኣፈወርቂ ክውክሎ ከምዝሓተተን ከምዝተጸቐደሉን እዩ ገሊጹ።

እዘን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስምረት ኤርትራውያን ንለውጥን ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካን ዝኸተማሉ ናይ ተቃውሞ ደብዳበ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንእንታይ ሕቶኹም ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘየተቕረቡ ተባሂሉ ምስ ተሓተ፡ ኣቶ ነጋሽ ዑስማን ብኸምዚ ይምልስ።

"ነቲ ወካሊ ንቃለሶ ኣለና፡ ምኽንያቱ ሕጋውነት ዘይብሉ ሰብን ስርዓትን ብምዃኑ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝመጽአ መራሒ ኣይኮነን፡ ኤርትራ እውን ብቅዋም ትግዛእ ሃገር ኣይኮነትን። ስለዚ ነዚ ኩሉ ብሓፈሻ ከም ቀዳማይ ዕማም ወሲድና ንቃለሶ ኣለና፡ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ኸኣ ቅቡል ከምዘይኮነ፡ ንዕኡ ንኣብይ ኣሕመድ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ዓለምን ክንነግር ንደሊ ኢና" ኢሉ።

ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣቶ ነጋሽ ዑስማን ብምስዓብ "ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝውንና ሃገር ዘይኮነትስ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሲ ዘምጽኣ ሃገር'ያ፡ እቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመረጸ መራሒ ኢትዮጵያ ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ከኣ ዘሕፍር እዩ ዘምሕረሉ እውን ኣይኮነን" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣብ ዘኻደሉ፡ ንኽበሩ ኣብ ኣዳራሽ ሚለንዮን ኣብ ዝተዳለወ ናይ ምቕባል ስነስርዓት "ኣነን ወዲ ኣፎምን [ኢሳይያስ ኣፈወርቒ] እንተተፋቲነ ዓሰብ ክንምቐል ኢና" ኢሉ ነይሩ።

ኣቶ ነጋሽ ዑስማን፡ እዘን ነዚ ደብዳበ ዝኸተማሉ ውድባት፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ክህሉ ከምዝድግፉ ብምግላጽ "ብዋጋ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ዝተቃለሰላ ሃገር ክኸውን ግን ብፍጹም ኣይንደልን ኢና" ክብል ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ በንጃሚን ናትናያሁ

ምንጪ ስእሊ, MENAHEM KAHANA

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ እስራኤል ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን'ውን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ኣብ ምጥራዝ ክሕግዞ ቃል ከምዝኣተወሉ፡ ኔታንያሁ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ ዘለዎም ቁጠዐ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኣቶ ነጋሽ ዑስማን፡ "ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ይኹን ኣብ ሃገረ እስራኤል ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝበሎ ኩሉ፡ ኣብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ጉዳይ ኤርትራን ግጉይ ዝኾነ ኣመለኻኽታ ስለዝኾነ፡ ንዓለም ንህዝብናን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ስክፍታና ክንገለጽ ናይ ግድን እዩ" ኢሉ።

ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ሃገረ ጣልያን ኣብ ዝገሸሉ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ትሕተ ቅርጽ ንኤርትራ ወኪሉ ከምዝተዛራረበን፡ እቲ ካብ ባጽዕ ናብ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መንግዲ ንዝግበር ኣፈናዊ መጽናዕቲ ዓዲ ጣልያን ክትምውሎ ከምዝተሰማመዐን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምሕባሩ ይዝከር።

ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣቶ ነጋሽ ዑስማን ኣብ መወዳእታ፡ "ህዝቢ ኤርትራ ልዑላውነቱን ናጽነቱን ክግሃስን ኣሕሊፉ ክህብ ፍቃደኛ ከምዘይኮነ ክንሕበር ስለዘለና ኢና ነዚ ደብዳበ ጽሒፍና" ክብል ይገልጽ።