ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ቅልውላው

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ጀሚሩ ክሳብ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕታት፡ ህይወት ብዙሓት ሰባት ከም ዝጠፍአን ንብረት ከም ዝዓነወን ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ነባሪ ወረዳ ኤፍራታን ግድምን ጣብያ ሞላሌ ዝኾነ ኣቶ ኣበይ ሃብተማርያም በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ጣብይኦም ከቢድ ዕንወት ከም ዝበጽሐ ተዛሪቡ።
"እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ሓደ ወርሒ ኮይኑዎ ኣሎ፡ ዝበል ኣቶ ኣበይ፡ ብ12 መጋቢት 2013 ዓ.ም እቲ ግጭት ከም ዝተላዕለን ኣብቲ እዋን ኣብ መዋስንቲ ጣብያታት ከም ዝነበረን ገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን፡ ኣብ ጣብያ ሞላሌ ጥራሕ ብውሑድ 250 መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉን ነበርቲ ህይወቶም ንምድሓን ካብቲ ከባቢ ወጺኦም ከም ዝኸዱን ኣቶ ኣበይ ተዛሪቡ።
ኣብታ ጣብያ ብውሑድ 10 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ሸሞንተ ከም ዝቐሰሉን'ውን እቲ ነባሪ ኣረዲኡ።
ካብ ሰንበት ጀሚሩ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስን ፌደራልን ናብቲ ከባቢ ዝተዋፈረ ኮይኑ፡ "ቤት ንብረቶም ተቓጺሉ ወለዶም ዝሞቱዎም ህጻናት ሒዝና እንታይ ከም እንገብር ጨኒቑና ኣሎ" ክብል ኣቶ ኣበይ ስክፍትኡ ገሊጹ።
ቅድም ኢሉ ብ12 መጋቢት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ሞላሌ ኣብ እትርከብ ነጌሳ ዝተባህለት ጣብያ ዝነበሩ ነበርቲ መንበሪኦም ስለ ዝተቓጸለ ብዙሓት ተመዛቢሎም ኣብ ሞላሌ ኣዕቚቦም ምንባሮም እቲ ነባራይ ይጠቅስ።
ድሕሪኡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዳግም ኣብ ዝተላዕለ ግጭት ግን እታ መዕቖቢት ተመዛበልቲ ኮይና ዝነበረት ጣብያ'ውን ግዳይ ኮይና።
ኣብቲ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ተዋፊሩ'ኳ እንተነበረ፡ ነዊሕ ስለ ዘይጸንሐ ግን ዕጡቓት ሓይልታት ናብ ጣብያ ሞላሌ ብምምጻእ ኣባይቲ ከም ዘቃጸሉ ኣቶ ኣበይ ገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን [ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ] ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ዓይነት ድምጺ ተኹሲ እንተዘይሃለወ'ውን ቤት ንብረቶም ዝዓነዎም ተመዛበልቲ ዝኾነ ዓይነት ረድኤት ከም ዘይረኸቡ ይዛረብ።
ንሱ ከም ዝብሎ ኣብታ ጣብያ ጥራሕ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ተመዛበልቲ ክህልው አንከለው፡ "መዕቖቢ ኮነ መግቢ ንምቕራብ ዘዘራረበና መንግስታዊ ኣካል የለን" ኢሉ።
" . . . ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ'ዮም"
ኣቶ ኣሕመድ እንድሪስ ነባሪ ጣብያ ኩሪብሪ'ዩ።
እዛ ጣብያ ኣብ ወረዳ ቀወት እትርከብ ኮይና ኣብዚ ሰሙን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕነወት ካብ ሞንጎ ዝበጽሐን ሓንቲ'ያ።
ኣብታ ጣብያ ዓርቢ ንጉሆ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዝዛረብ ኣቶ ኣሕመድ፡ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝነበረ ብምግላጽ "ዝሞተ ሰብ ክንቀብር ስለዘይከኣልና ድሕሪ ሰዓት ሰለስተ ተሓቢእና ብምኻድ ኢና ቀቢርናዮም" ይብል።
ኣቶ ኣሕመድ ንኣኩኡ ሓዊሱ 11 ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ይዛረብ።
ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ ሰባት'ዮም ነቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣብጺሖም ዝብል ኣቶ ኣሕመድ፡ ብከቢድ ብረት ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ መንግስቲ ተሓታቲ'ዩ ኢሉ።
እቲ ከባቢ ምስ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ዝዋሰን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መርዓ ይኹን ሓዘን ብሓባር ኢና ዝብል ኣቶ ኣሕመድ፡ "እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ግን ካብ ካልእ ቦታ ዝመጽኡ'ዮም" ዝብል ርኢይቶ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
ሸሞንተ ኣባላት ስድራ ሒዙ ዝሃደመ መራሒ ስድራ
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ሸዋ ሮቢት ኣቶ መላኬ፡ ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ኣባላት ስድራ ሒዙ ናብ ደብረሲና ተሰዲዱ ኣሎ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ብቐዳም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሸዋ ሮቢት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ ብዙሓት ነበርቲ ንህይወቶም ብምስግኦም ኣቐዲሞም ክወጽኡ ከም ዝተገደዱ ይዛረብ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ጎንጺ ዝተላዕለሎም ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዕማም ክኾኑ መንግስቲ ስለ ዝወሰነ፡ ደቁ ኣብ ደብረሲና ገዲፉ ናብ ሸዋሮቢት ከም ዝተመለሰ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ተዛማዲ ሰላም ከም ዘሎ ዝጠቅስ ኣቶ መልኩ፡ ከምቲ ዝተለምደ እንተዘይኮነ'ውን ገለ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ምህላው ሓቢሩ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ናብ ወረዳታት ቀወት፣ ኤፍራታን ግድምን፣ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ሸዋ፣ ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ከምኡ'ውን ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ኣምሓራ ብተደጋጋሚ ቴሌፎን እንተደወለ'ውን ቴሌፎኖም ብዘይምምላሶም ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብተመሳሳሊ ኣብዞም ከባቢታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 300 ሰባት ከም ዝሞቱ ኤኤፍፒ ንጸብጻብ በዓል መዚ ሓባሲ ንብዓት እታ ሃገር ጸሪሑ ከም ዝጸብጸበ ይዝከር።
ብሰንበት ኣጋምሸት ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ደብረሲና ጀሚሩ ክሳብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ ኮምቦልቻ ዘለው ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ዕማም [ኮማንድ ፖስት] ከም ዝኾና ገሊጹ።
ኣብዘን ከባቢታት ካብ ኣውራ መገዲ ኣብ ዙርያ 20 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ብረት ሒዝካ ምንቅስቓስ ከም ዘይክኣል ኣጠንቂቑ።
መን እንታይ ኢሉ?
ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ሲሳይ ዳምጤ ኣብቶም መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ከባቢታት ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ብምግላጽ ነዚ "ኦነግ ሸኔ" ተሓታቲ'ዩ ክብል ንኣምሓራ ሚዲያ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ካብ ዘብጽሐ ኣካል ናጻ ንምውጻእ ይስራሕ ኣሎ'ዩ ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ቤት ንብረቱ ገዲፉ ናብ ደብረሲናን ካልኦት ከባቢታትን ዝኸደ ህዝቢ ንምምላስ ጻዕሪ ይግበር ምህላው ተዛሪቡ።
ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምንቅስቓስ ዘለዎ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ [ኣብን] ናይዚ ጸገም ተሓታቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትርን ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግናን'ዩ ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ ኢዜማ ድማ፡ መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ንዝፍጠሩ ጸገማት "መንቀሊኦም መርሚሩ መፍትሒ ኣብ ክንዲ ምምጻእ፡ ጸገም ብዝተፈጥረ ቑጽሪ ሰራዊት ምክልኻል ከዝምትን ዝሃድአ ክመስሎ እንከሎ ሰራዊቱ ከውጽእን ኢና ንርኢ" ኢሉ።
ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ትኽክለኛ'ዩ ማለት ኣይኮነን ዝበለ ኢዜማ፡ "መንግስቲ ዘለዎ መሓውር ምምሕዳር ጸጥታ ክምርምሮ ይግባእ" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ደሴ
ነበርቲ ደሴ፡ ነቶም ኣብዚ ሰሙን ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
እቲ ሰልፊ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መበገሲ ዝገበረ እንተኾነ'ውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ዝኹንን ከም ዝነበረ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተሳተፍቲ ገሊጾም።
ነባሪ እታ ከተማ ዝኾነ ኣቶ ማዘንጊያ ኣበበ፡ "በብከባቢኡ ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዝፍጸም ቅትለት ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝብል'ዩ" ኢሉ።
ካልእ ሽሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ ተሳታፊ እቲ ሰልፊ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኣምሓሩ ዝበጽሕ ዘሎ ቅትለትን ምምዝባልን ደው ንክብል ዘካየድናዮ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ከተማ ደሴ ዋና ኢንስፔክተር ሓሰን መሓመድ፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰላማዊ መገዲ ከም ዝተዛዘመ ኣረጋጊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







