ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣካላት ጸጥታ ዘርከብዎም ብዙሓት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ

ካርታ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት መይቶም

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ብዝተወሰደ መጥቃዕቲ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ዞባ ሰሜን ሸዋ ከምዝተፈጸመ ዝሓበረ ሓላፊ ጉዳያት ጸጥታ እቲ ዞባ ኣቶ መኮነን ኣበራ፡ ብዝሒ ዘለዎም ዕጡቓት 'ወሪሮሙና' ኢሉ።

እቲ ዕጡቓት "ገዛውቲ የቃጽሉን ሰባት ይቐትሉን" ከምዘለው ብምግላጽ ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ናብቲ ከባቢ ዝወፈረ ናይ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልል መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ: ብግድኡ ንማዕኸን ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ከቢድ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

በቲ መጥቃዕቲ ኣብ መዋቕር ኣካላት ጸጥታ ከቢድ ሃስያ ከም ዝበጽሐ ብምግላጽ ተሓተትቲ እቲ መጥቃዕቲ 'ኦነግ ሸኔን ካልእ ሰዓቢኡን እዮም ኢሉ።

ካብ ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ ዞባታት ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ሰሜን ሸዋን ናይ ጸጥታ ጸገም ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ፡ ካብ ትማሊ ሰዓት 5 ኣትሒዙ ዕጡቓት ኣብ ኣጣየ፣ ኣንዶኪያናን ኤፍራታን ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢታት ከምዘጥቅዑ ኣፍሊጡ።

በቲ መጥቃዕቲ ድማ ኣኽበርቲ ጸጥታን ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎምን ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ዓንዩን ኢሉ። ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብዚ ከባቢ ብዝወረደ መጥቃዕትን ጎንጽን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር እዩ።

ነበርቲ እንታይ ይብሉ?

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሎም ኣጣየ፣ ሸዋሮቢት፣ ካራ ቆሬ፣ ማጀቴን ካልኦትን ብዙሓት ሰባት ከምዝተጎድኡን መንበሪ ኣባይቲ ተቓጺሎም ንብረት ከምዝዓነዉን ሓቢሮም።

ሽሙ ክግለጽ ፍቓደኛ ዘይኮነ ሓደ ነባሪ ሽዋ ሮቢት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት እቲ ግጭት ትማሊ ንጉሆ ዝጀመረ ኮይኑ "ኣብ ኣርባ ኣምባን ብርጭቆን ዝተብሃሉ ዓድታት ሰብ ሃሊቑ" ክብል ገሊጹ። ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ከባቢ ሃዲሙ ከምዝወጽአን እቲ መጥቃዕቲ ብ"ኦነግ ሸኔ" ከምዝተፈጸመን ሓቢሩ።

በቲ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባትን ናይ መንግስቲ ኣኽበርቲ ጸጥታን ከምዝተቐተሉ ዝሓበረ ምንጪ ቢቢሲ፡ መንግስቲ ድሕነት ሰላማውያን ዜጋታት ከኽብር ተማሕጺኑ'ሎ።

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረባ ነባሪት ኣጣየ ብምኽንያት እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መጥቃዕቲ: መንግስቲ ፌደራል ዝለኣኾም ኣኽበርቲ ጸጥታ ናብቲ ከባቢ ስለዝኣተዉ ቅሩብ'ኳ ተረጋጊዖም እንተነበሩ ዳግማይ ቁስሎም እንተይሓወየ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ምውራዱ ከምዘሕዘናን ልዕልነት ሕጊ ስለዘይተኸበረ ከምዘተሓሳሰባን ገሊጻ።

ንገዛእ ርእሳ ስድርኣ ሒዛ መሃል ሜዳ ተባሂሉ ናብ ዝፍለጥ ዓዲ ትመዛበል ከምዘላን እቲ ግጭት ስለዘይሃድአ ዳርጋ ኩሉ ነባሪ ከተማታት ደብረብርሃንን መሃል ሜዳን ይግዕዝ ከምዘሎ ተዛሪባ። ናብታ ከተማ ጸጥታ ከኽብር ዝኣተወ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝኾነ ኣብታ ከተማ ባርዕ ከምዘሎ ሓቢራ።

ሓላፊ ጉዳያት ጸጥታ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኣቶ ኣበራ "ኩሉ ነገር ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኮይኑ'ሎ" ድሕሪ ምባል ህዝቢ ናይ ምርግጋዕ ስራሕቲ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሩ። ብዛዕባ እቲ ጉድኣት ግን ዝሃቦ መብርሂ የለን። ኣብቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ: መንግስቲ ዝሃቦ ወግዓዊ መረዳእታ'ኳ እንተዘየሎ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኣብዘውጽኦ መረዳእታ ግን ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ።

ናይ ኦሮምያን ኣምሓራን ውድባት ብልጽግና ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ተራእዮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።