ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ሰሜን ሸዋ ሓይልታት ጸጥታ ስጉምቲ ክወስዱ ተኣዚዞም

ኣብ ከታመ ደብ ብርሃን ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, De.Birhan City Com. Office

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮም ዝተኸሰተ ጎንጺ ንምህዳእ፡ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኣድላይ ስጉምቲ ክወስዱ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ደሕንነት ወሲኑ።

እቲ ጎንጺ ካብቲ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ሓሊፉ ኤፍራታን ግድምን ናብ ዝበሃሉ ወረዳታት ዞባ ሰሜን ሽዋ'ውን ተዛሚቱ።

ኣይተ ሰማቸው ዝተብሃሉ ነባሪ ከታማ ማጀቴ ከም ዝበሉዎ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብቲ ከባቢ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ተኹሲ ከፊቶም 14 ተቐቲሎም ኢሎም።

ካብ መንጎ መወትቲ ክልተ ፖሊስ ይርከቡዎም። ዛጊድ ኣብቲ ከባቢ ዝበጽሑ ሓይልታት ጸጥታ ድማ የለውን ኢሎም።

እቲ ኩነታት ሐዚ ዝተረጋገዐ'ኳ እንተመሰለ፤ ነበርቲ ኣብ ስግኣት ከም ዝርከቡ ወሲኾም ተዛሪቦም።

ሓለፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኣይተ ካሳሁን እምቢኣለ ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ከም ዝርከቡን እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንክምለስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይዘራረቡ ከም ዘለውን ኣረዲኦም።

ትማሊ ኣብ ዝነበረ ጎንጺ ሓደ ቤተ ክርስትያን ተቓጺሉ፡ ካሊእ ቤተ ክርስትያን ንምቅጻል ድማ ፈተና ተገይሩ ነይሩ ኢሎም።

ኣብ ኣጣዬ ግን፡ ሰባት ከም ዝተቐተሉ፣ ናይ ውልቀ ሰባት ገዛውቲ ከም ዝተቓጸሉን ስርቂ ከም ዝተፈጸመን ወሲኾም ሓቢሮም።

"እዚ ተግባር ዝፈጸሙ ኦነግ ዝወደቦም እዮም" ዝበሉ ኣይተ ካሳሁን፡ ዕላምኦም ድማ ራዕዲ ንምፍጣር ከም ዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብቲ ስፍራ ዝርከቡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣበረ ኣዳሙ፡ ሕዚ እቲ ኩነታት ሃዲኡ እዩ ይብሉ።

ምስ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ዘተ እናተኻየደ ምዃኑ'ውን ተዛሪቦም።

እዚ መጥቃዕቲ ንምቅዋም ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎ መንእሰይ ከተማ ደብረ ብርሃን፡ ናብ ኣደባባይ ወጺኡ ቅረትኡ ከም ዝገለጸ ዘዘራረብናዮም ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣባባ'ውን፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ ናብ 500 ዝጽግዑ ሰባቲ መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ጻውዒት ገይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፡ ብፍላይ ኣብ ኣጣዬ፣ ማጀቴ፣ ካራ ቆሬን ካልኦት ኣዋሰንቲ ስፍራታትን ዝተፈጸመ ቅትለትን ስርቅን ጠጠው ክብልን፡ ፌደራል መንግስቲ ሓይልታት ጸጥታ ከዋፍርን ሓቲቶም።

ነቶም ዝተኣከቡ ወኪሎም ዝተዛረቡ ኣይተ ደጀኔ መንገሻ፡ ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሐዚ'ውን ብሳዕርን ማይን ዝተልዓለ ጎንጺ ይፍጠር ከም ዝነበረ፡ ናይ ሐዚ ግን ኮነ ተባሂሉ እዩ ኢሎም።

ከቢድ ስልጠና ዝወሰዱን ዘመናዊ ኣጽዋር ዝተዓጠቑን ሓይልታት እዮም መጥዕቲ ፈጺሞሙልና ይብሉ።

እቲ ተላኢኹ ዝተብሃለ ጉጅለ ሓይልታት ጸጥታ ድማ እኹል ኣይኮነን ዝብል ቅረታ እዩ ዘለዎም።

ኣብ ቀጻሊ ቅረተኦም ብስሩዕን ብጽሑፍን ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግን ከምዘቕርቡ ወሲኾም ሓቢሮም።