ኣብ ወልዲያ ብዝተልዓለ ጎንፂ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ

ወልድያ

ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ድማ 7 ሰባት ከምዝቱን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ገሊፆም።

ኣብቲ ቀዳም ኣጋ ምሸት ዝተወለዐ ጎንፂ ህይወት ናይ ሽዱሽተ ንፁሃት ዜጋታትን ናይ ሓደ ፖሊስን ህይወት ሓሊፉ። ቁፅሮም ብዕሊ ዘይተፈለጠ ብርክት ዝበሉ ከምዝቖሰሉ ድማ ካብ ሆስፒታል ወልድያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ቁፅሪ መወትቲ ካብዚ ንላዕሊ'ውን ክዛይድ ከምዝኽእል እናተዘረበ እዩ።

እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ 500 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ወልድያ ዝተላዕለ ጎንፂ፡ በዓለ ጥምቀት ዘብዕሉ መናእሰይ ኣብ ዝስዕስዕሉ እዋን ሓይልታት ፀጥታ ጠጠው ከብሉዎም ብምፍታኖም ዝተኸስተ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ገሊፆም።

ነዚ ፈተነ ዝተቐዋሙ ሓደ ሓደ መናእሰይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ አእማን ከምዝሰንደዉሎም ወሲኾም ገሊፆም።

ድሕር'ዚ ሓይልታት ፀጥታ መንብዒ ጋዝ ከምዝተጠቐሙን ድምፂ ጥይት ከምዝተሰምዐን እቲ ጎንፂ ከኣ እናተጎሃሃረ ከምዝኸደን እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ገዱ እንዳርጋቸው፥ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሶም ከረጋግኡ ከምዝፈተኑን ምስቶም መናእሰይ ከምዝዝተዩን 'ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ' ዝተባህለ ትካል ኣገልግሎት ዜና እቲ ክልል ፀብፂቡ።

ንህዝቢ እታ ከተማ "ፀጥታን ሰላምን ከተማ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ናይ ባዕልኻ እዩ " ብምባል ድማ እቲ ሕብረተሰብ ባዕሉ ሰላሙ ከስፍን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፀገማት እንተሃልዮም'ውን ብእሂን ምሂን ክፍትሑ ይግባእ'ምበር ዕግርግር ምፍጣር ንዝኾነ ወገን ኣየርብሕን እዩ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ኤጀንሲ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ ፀብፂቡ። ሓላፊ ቢሮ ርክብ እቲ ክልል ድማ መንግስቲ ምኽንያት እቲ ጎንፂ ከምዘፃርን ተሓተትቲ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡን ኣብ ገፅ ፌስቡኮም ገሊፆም።

እቲ ዕግርግር ሰንበት'ውን ቀፂሉ ከምዝወዓለን ኣብ ልዕሊ ነ ሰብን ንብረትን ነበርቲ እታ ከተማ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ሓንቲ ስመን ክፅራሕ ዘይደለያ ወላዲት ንቢቢሲ ተዛሪበን።

ትማሊ ሰንበት እታ ከተማ ሃዲኣ ከምዝወዓለት ዝዛረብ ሓደ መንእሰይ፥ ሓሓሊፉ ግና እቶም መናእሰይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ እምኒ ክድርብዩ ከምዝረአየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሓደ ወናኒ ካፍተርያ ከኣ፡ "ኣነ ዝፈልጦ'ኳ ሓደ ብርቱዕ ሰራሕተኛ መንእሰይ ተቐቲሉ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ዕግርግር ካብ ወልድያ 20 ኪሎሜትሮ ርሒቓ ናብ እትርከብ 'ሃራ' ናብ እትብሃል ንእሽተይ ከተማ ከምዝተስፋሕፈሐን መንገድታት ተዓፅዮም ከምዝወዓሉን ድማ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።