ኣብ ትግራይ ዝተኻየዱ ሰልፍታት እንታይ መልእኽቲ ኣሕሊፎም?

ግንባር ኢህወዴግ፡ ኣብ ቀራና መንገዲ ጠጠው ከምዝበለ ባዕሉ እቲ ውድብ ተረጊፁ ተዛሪቡ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ መራሕቲ ህወሓት እቲ ዕድል ካብ ቀራና መንገዲ ዝያዳ ናብ ሓደ ገፅ ከምዝዛዘወ ይገልፁ'ለው።
መራሕቲ ኢህወዴግ ፖሊሲ ሕኸኸኒ ክሓከካ ከምዘየዋፅኦን ኣባላት ውድባት ብርእዮ ክነቓቐፉ ክምዝግባእን ንህዝቢ ብዕሊ ገሊፆም እዮም።
ቀደም ከብዱ መቓብር ዝነበረ ግንባር ኣብዚ እዋን እዚ ምሔ ኮይኑ ዘዝበሎ ኣብ ጎልጎል ይዝረው ኣሎ።
ሓድነቱ እውን ግምዕምዕ ይብል ምህላዉ ሓደ ሓደ ምልክታት ይርአዩ ኣለዉ።
ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ደጊም ምድፍፋር ካብ ተጀመረ ኢሎም ሓቂ ምዝራብ ዝመረፁ ይመስል ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብፍላይ ኣብ ክልል አምሓራ ኣብ ልዕሊ ንፁሓን ተወለድቲ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ ዘስካሕኸሖም ይመስል።
ኣብቲ በቀንዱ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ሰላም ንምድጋፍ ዝተፀወዐ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብሄርን መንነትን መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል ብግልፂ አተሓሳሲቡ።
ቅድም ክብል'ውን ማእከላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ህፁፅ ኣኼባ ብምፅዋዕ "መትከል ውድብና ይጠሓስ ስለዘሎ ብቕልጡፍ ተራኺብና ንዘቲ" ዝብል ፃውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ::
ኮይኑ ግና ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ዛጊድ ተኣኪቡ ኣይዘተየን። እወንታዊ ምላሽ'ውን ኣይሃበን።
ንዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ክነመስግንን ክንእድን ዝበሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ: ባህር ዳርን ገለ ከተማታት ደቡብ ኢትዮጵያ ሒዘምዎ ዝወፅኡ ጭርሖታትን ባንዴራን ንብዙሓት ኣደንጊፁ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ትግራይን ካልኦት ክልላትን መዛተዪ ርእሰ ነገር ኮይኑ'ሎ::ነዚ መበገሲ ብምግባር ባይቶ ክልል ትግራይ ኣብ ዝፀወዖ ዋዕላ "ኣብቶም ሰልፍታት ሕገ መንግስትን ስርዓት ፌደራልን ተጣሒሱ'ሎ ነዚ ድማ ኣትሪርና ንኹንን" ኢሉ::
ካልኦት ክልላት እውን ቅዋሞም ክገልፁን ነቲ ተርእዮታት ክኹንኑ ፀዊዑ እዩ።
ብድሕሪኡ "ስለምንታይ እዩ ህልውና ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ሃገራዊ ሓድነትን ንተጋሩ ዘሳሕዮም?" ዝብል ሕቶታት ምልዓል ጀሚሩ።

እዚ ብውዝፉ ብስሩ ተጋሩ ንድሕነት እዚ መስዋእትነት ዝተኸፈሎ ስርዓት ድምፅና እውን ክነስምዕ ኢና ዝብል ሃሳብ ተላዒሉ::
ብተደጋጋሚ ድማ እቲ ሰልፊ ተሰጋጊሩ። ኣብዚ እቲ ሰልፊ ኣየድልን ዝብሉ ወገናት'ውን ድምፆም ኣስሚዖም እዮም::
"ምኽንያቱ "ይብሉ "ኣብ ትግራይ ሰልፊ ብዝተግበረ ካብ ትግራይ ወፃኢ ቁፅሪ ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ተጋሩ መጥቃዕቲ ይበፅሕ ስለዘሎ ሰልፊ ይትረፍ" ይብሉ::
ሰልፊ ክግበር ኣለዎ ዝብል ድጋፋዊ ድምፂ ስለዝዓብለለ ግን እቲ ሰልፊ ንምክያድ መዓልቲ ተቖሪፁ።
ቀዳም ሓምለ 21 ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀር ህዝቢ ከተማ መቐለ ብዘስደምም መልክዑ ገዛውቱ ሃርሂሩ ናብ ስታድዮም ትግራይ ግልብጥ ኢሉ ወፀ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንተሎ ስሙይ መሃንዲስን ስራሕ አካያዲ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያን፡ ስመኘው በቀለ ኣብ ድሮ እቲ ሰልፊ ሞይቶምያ ምስ ሰምዐ ህዝቢ ዝገደደ ደሙ ገሪሩ ቀታሊ ብቕልጡፍ ተፃርዩ ናብ ፍርዲ ክቀርብ ዝሓትት ድምፂ አካል ፃውዒት እቲ ሰልፊ ኮይኑ ውዒሉ።

ስእልታት መሃንዲስ ስመኘው ምስ ስእሊ ነብስሔር መለስ ዜናዊ ኣጣሚሩ ብምሓዝ ኣብቲ ሰልፊ ድምፁ ኣስመዐ::
ምክብባር ወይ ከኣ ምብትታን
ምክትል ኣማሓዳሪ መንግስቲ ትግራይ፡ ዶ/ር ደብረፅዮን ቅድሚ ሎሚ ክዛረብዎ እዮም ተባሂሉ ዘይሕሰብ ዝነበረ ዘረባ ኣብ ቅድሚ ሰለፈኛታት ኣስምዖም።
"ሓድነት ሃገር ኣብ ምርግጋፅ እቲ ሓደ ተለማኒ እቲ ካልእ ለማኒ ክኸውን የብሉን:: ክልተ ዕድላት እዩ ዘለዋ: ተኸባቢርካ ምንባር ወይ ድማ ምብትታን" ኢሎም።
ስታድዮም ምሉእ ህዝቢ ነዛ ዘረባ እዚኣ ምስ ሰምዐ ኣብቲ ስታድዮም "ይደገም! ይደገም!" ዝብል ድምፂ ብዓውታ ተሰመዐ።
ዶ/ር ደብረጽዮን እውን ነታ ተለላ ዘረበኦም ደጊሞም ኣስምዑ::ካብ ደጊም ፡ ኣይኮነን ዶ ግንባር ኢህወዴግስ እታ ሃገር እውን ፋሕ ከይትብል ስግኣት ዝሓደሮ ይመስል መሪሕ ህወሓት።
ምእንተ ሓድነት ሃገር ካብ ህወሓትን ተወለድቲ ትግራይን ክረአ ዝፀንሐ ሕልፊ ምሕላቕ ዝሰበረ ዘረባ ይመስል።
መንግስቲ ፌደራል ብሰንኪ ዒባራ ምኽኒት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሕ በደል ጠጠው ንኸብል ኣተሓሳሲቦም እዮም ዶ/ር ደብረጽዮን።
"ኣባኾቦራ እውን ቦሎኽሎኽ ኣቢሎሞ ክብሉና እዮም" እንትብሉ እውን እቲ ብሚድያታት ዝቃላሕ ዘሎ ዘይሚዛናዊ ፀብፃባት ኮኒኖም።
"ህዝቢ ትግራይ ንሃገሩ ሕልፊ መስዋእቲ ከፊሉ እምበር ሕልፊ ረብሓ ኣይሓተተን" እትብል ዘረበኦም ድማ ዝያዳ ተቐባልነት ረኺቡ ህዝቢ ብጣቕዒት ኣፀምበሎም።
መሬት ኣምሓራ ክፋል ሃገረይ እዩ ኢሉ ሸቂሉ ንዝነብር "ህንፃ ሃይላይን ሓጎስን ከ ኣብዚ 'ታይ ይገብሩ ኣለዉ" እናተበሃለ ኣብ ወልድያ ብደናጉል ሓደጋ ከምዘውረድሉ ይዝከር።
ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሰሜን ሽዋ ተፈናቒላ ዝመፀት ትግራወይቲ ብሰንኪ ዝወረዳ ምፍርራሕ መንበሪ ገዛኣ ብ500 ቕርሺ ሸይጣ ናብ ትግራይ ከምዝተመለሰት ንቢቢሲ ገሊፃ እያ።
ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ንዝብፅሐ በደል ሓዘን ከም ዝተሰመዖም ካብ ምግላፅ ንላዕሊ ብዝኻኣልዎ ክሕግዙን እግሪ ከትክሉን ተመፃቢዖም።
"ቅድሚ ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎንደርን ኣብ ክልል ኦሮምያን ይግፋዕ'ሎ እንትበሃሉ ብጩቕ ዘይበሉ መራሕቲ ህወሓት በቐዳማይ ኣብ ከምሴን ባቲን ተበዲሎም ንዝተበሃሉ ተጋሩ ኩነታት ዘፃርዩ ወከልቲ ምምሕዳር ትግራይ ምልኣኾም ፅቡቕ ጅማሮ እዩ" ዝብሉ ርእይቶታት ብስፍሓት ይቕርብ'ሎ::

ሃንቀውታ ስላም
ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታት እቲ ሰልፊ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጀመረ ሰላማዊ ርክብ ንምድጋፍን ዘላቒ ክኸውን ንምምሕፃንን እዩ ነይሩ።
ካብዚ ብምብጋስ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም ዘርአዮ ድልየትን ሃንቀውታን ብኽልቲኡ ኣእዳውና ተቐቢልናዮ ኣለና እንትብል እውን መረጋገፂ ሂቡ።
ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ እቲ ወሪዱ ዘሎ ሰላማዊ ዕርቅን ርክብን ንውሕ ዝበለ ግዜ ሂቦም ተዛሪቦምሉ እዮም።
ነቲ ዝተጀመረ ዕረቀ ሰላም ህዝባዊ መሰረት ክህልዎን ክጠናከርን ሓቲቶም።
ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ንኤርትራውያን ወገናቱ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ይሕብሕብ ምንባሩን ናፃ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ከምዝፀዓረን ኣዘኪሮም።
ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ንቡር ንኽምለስ ዝግበር ዝነበረ ፃዕሪ ክልቲኦም ህዝብታት ኣይርስዕዎን:: ካብ ክልቲኡ ህዝቢ ዝተረኸቡ ስነ ጥበባውያን ምእንተ ሰላምን ምሕረትን ክዝምሩ ተገይሩ እዩ::ስለዚ እቲ ሎምቕነ ብደረጃ መራሕቲ ክልቲኦም ሃገራት ዝተገብረ ዕርቂ መእሰሪ ናይቲ ንዓመታት ክስራሕን ክፀዓርን ዝፀነሐ ሃንቀውታን ባህግን ክልቲኦም ህዝብታት ከምዝኾነ ክእመነሉ ይግባእ ተባሂሉ'ሎ።
ወዲኦም ዝዛረቡ ዘለዉ ይመስሉ
ቅድሚ ዘኽቲ "ኣዛብእ ቀትሪ"፡ "ጨጎረ ለወጥ" ዝብሉ ዝረባታት ካብ ኣንደበት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ እንትሰምዑ "እዛ ዘረባ እዚኣ ናብ ኩለን ኣባላት ውድብ ኢህወዴግን ክልላትን ክተወጣውጥ ዝግባኣ እያ" እንትብሉ ፀቒጦምላ እዮም።
ኩነታት ኣማውታ መሀንዲስ ስመኘው በቀለ እውንን ብቕልጡፍ ክፃረ ኣለዎ ጥራሕ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብ ምፅራዩ ኢድ ፌደራል መንግስቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ኩለን ክልላት እውን ኢደን ክሓውሳ ፀዊዖም እዮም።
ኮታስ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ ህዝብን መንግስትን ብሓደ ልሳንን ኣንደበትን ዝተዛረብሉ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ካልኦት ተመሳሰልቲ መልእኽትታት እውን ቀሪቦም እዮም።
መናእሰይ "ቢንያም ይፈታሕ!!" ዝብል ድምፂ የስምዑ ነይሮም።
ኮሎኔል ቢንያም ተወልደ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብብልሽውና ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ምክትል ዳይሬከተር ትካል INSA ምንባሩ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ መቐፀልታ ረኺቡ ቅድሚ ትምሊ ሰንበት ኣብ መላእ ትግራይ ተደጊሙ እዩ::ዋላ እኳ ክንስለፍ ኣለናን የብልናን ዝብል ኣብ ክልተ ዝተገመዐ መርገፂ እንተነበረ: በቲ ሰልፊ ግና ብዙሓት ከምዝተሓጎሱ ገሊፆም እዮም።
ልዕሊ ኩሉ ድማ ብሰላም ክዛዘም ምኽኣሉ ተናኢዱ እዩ።
ኣብ ፅባሕ እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰለስተ ተጋሩ ብመንነቶም መሰረት ዘገበረ ቕትለት ከምዝተፈፀሞም መንግስቲ ክልል ትግራዕ ኣረጋጊፁ።
እቲ ጉዳይ ክፃረን ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ'ውን አተሓሳሲቡ።
ኣብቲ ኣብ መላእ ትግራይ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ንዘዘጋጠመ ኩነት እናተጠቐምኩ ኣፃብዕትኹም ናብ ተጋሩ ኣይተወራውሩ ዝብል ድምፂ እዩ ተሰሚዑ::




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







